ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሓለፍቱ ክትሰጉግ ምውሳና ከምዘሰንበዶ ገሊጹ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ ሃገራ ክወጽኡ ዘሕለፈቶ ውሳነ "ኣሰንቢዱኒ' ክብል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ውሳነ መንግስቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታን ናብቲ ትካል ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበን፡ እቶም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዶም ኣእቲዮም'ዮም ብምባል ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ንክወጽኡ ኣዚዙ'ዩ።

ኩሎም ስራሕቲ እቲ ውድብ ብመትከላት ሰብኣውነት፣ ዘይሻራውነትን ነጻ ብዝኾነ ኣገባብን ከም ዝፈጸሙ ዘዘኻኸረ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ቀረባት ረድኤት ኣብ ምቕራብ ከም ዝሰርሑን ኣባላቱ ብዝሰርሕዎ ከም ዝተኣማመንን ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከይብጽሕ 'ክልከላ' የጋጥም ኣሎ ብምባል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ይኽልከል ኣሎ ዝብል ክሲ 'መሰረት ዘይብሉ' ክሲ'ዩ ምባሉ ይዝከር።

ዋይት ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ'ውን "ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነጥፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጽኡ ዝሃቦ ውሳነ ትጽቢት ዘይተገበሉን እዩ፤ ብትሪ ኸኣ ንኹንኖ" ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ሳኪ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ጸብጻብ ምስ ኣውጽኡ ኢትዮጵያ ክትሰጎም ከም ዝወሰነት ተዛሪባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መግቢ፣ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ከይበጽሕ ማሕለኻ ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ ክትብል ገሊጻ።

"ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍን ንዜጋኻ መሰረታዊ ኣማራጺ ምስኣንን ቕቡልነት ከም ዘይብሉ ኣላባት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግልጺ ጻውዒት ከቕርቡ ንጽውዕ" ኢላ።

ወሲኻ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ኣብ ዝልዕሊ ዝበሎም ውልሰባት እገዳ ፋይናንስ ንምንባር ዘኽእል ትእዛ ከም ዝፈረመ ኣዘኻኺራ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ‘‘ተቐባልነት ዘይብሎም’’ ዝበሎም ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣት እታ ሃገር ክወጹ'ዩ ኣዚዙ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት፡

  • ምኽትል ኣተሓባባሪ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብ ኢትዮጵያ ግራንት ሊቲ
  • ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣደል ኮድር
  • መራሒ ጉጅለ ሪፖርትን ምምኻርን ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶኒ ኦንየግቡላ፣
  • ኣማኻሪ ሰላምን ዕብየትን ኦቻ ክዌሲ ሳንስክሎት፣
  • ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብብር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ሳዒድ መሓመድ ሀርሲ፣
  • ተወካሊት ምክትል ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ጋዳ ኢልጣሂር ሙዳዊ፡
  • ከምኡ ድማ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ መርሲ ቪጎዳ እዮም፡፡

እዞም ወልቀ ሰባት ኣበ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ካብታ ሃገር ክባረሩ ከም ዝወሰነ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ከቑጽር ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኢትዮጵያ ምስ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ምዕራባውያንን ግቡእ ዘይኮነ ጸቕጢ የሕድሩለይ ኣለዉ ኢላ ክትከስስ ጸኒሓ እያ፡፡

ትካላት ስብኣዊ ሓገዝ ብግዲኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ መገዲ ይዓጹ ኣሎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ዝኸሰሱ ኮይኖም ትግራይ ብሰብ ስራሕ ጥምየት ትህሰ ከምዘላ ይገልጹ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ምስ ሮይተርስ ጻንሂት ዝገበረ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓደጋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ትግራይ ጥምየት ጉድኣት የስዕብ ኣሎ ኢሉ ከም ዝግምት ገሊጹ እዩ።

ናብታ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ እትርከብ ትግራይ ክበጽሕ ካብ ዝግብኦ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ከም ዝበጽሐ እውን ሓቢሩ።