ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካ ንዘረባ ዲያቆን ዳንኤል 'ሓደገኛ' ክትብል ኮኒና

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ መድረኽ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣመሪካ ከም ዝኾነነቶ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

እቲ ዲያቆን ዳንኤል ዝተዛረበሉ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብሰፊሑ ከም ዝተዘረበሉ ኮይኑ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰይጣን ብምምስሳል "ክሳብ መወዳእታ ዘርኦም ክጠፍኡ ኣለዎም" ክብል ይስማዕ።

"ከምዚ ዓይነት ናይ ጽልኣት ዘረባ ሓደገኛን ቕቡልነት ዘይብሉን'ዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።

ዲያቆን ዳኒኤል ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣባል ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ'ውን እዩ።

ቅድም ኢሉ ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራ ዑደት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝወሃቡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝትንክፉ ርእይቶታት ተሻቒለ ክትብል ንሚኒስትር ሰላም ዘለዋ ስግኣት ገሊጻ ነይራ።

ይኹን'ምበር ዘረባ ዲያቆን ዳንኤል ናይ መጀመርታ ብመንግስቲ ኣመሪካ ትኹረት ዝረኸበን ዝተነቕፈን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተረኽቡሉ መድረኽ ዲያቆን ዳንኤል "ንሳቶም" ኢሉ ዝጸውዖም ኣካላት "ካብ ገጽ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሕልና ሰባት'ውን ክጠፍኡ ኣለዎም" ክብል ተሰሚዑ።

ኤኤፍፒ እቲ ዲያቆን ንዝሃቦ ርኢይቶ መብርሂ ክህበሉ ሓቲቱዎ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ንሳቶም ዝብል ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት'ዩ" ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም'ውን ንነቐፌታ ኣመሪካ ነጺጋቶ።

ፈጻሚ ስራሕ 'ግሎባል ሴንተር ፎር ዘ ሪስፖንሲብሊቲ ቱ ፕሮቴክት' ዝተባህለ ትካል ሲሞን ኣዳምስ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ዘረባ ዲያቆን ዳንኤል "ብሓቂ ዝህውኽን ጥንቃቐ ዝጎደሎን'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ "ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ብሄር ዘጋጥሙ መጥቃዕታት ብዝለዓለ ኩነታት ወሲኾም ክትርኢ እንከለኻ ዳንኤል ብጠቕላላ ንተወለድቲ ትግራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ህወሓት ጥራይ'ዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልካ ክትግምት ከቢድ'ዩ" ኢሉ።

ሽሙ ክግለጽ ዘይፈቐደ ሓደ በዓል መዚ ፌደራል መንግስቲ ግን ዳንኤል "ናይ ውልቁ ስምዒት'ዩ ተዛሪቡ" ዝበለ ኮይኑ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ክጠፍኡ ይግባእ ከም ዘይበለ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ዝለሓመ ኮይኑ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ምኽንያት ሞትን ምምዝባልን ሰባት ክኸውን እንከሎ ሚሊዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቑ።