እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ዳኒኤል፡ ቋንቋ ዓቃቢ ሕግን ኣኽበርቲ ሕግን እንታይ ክመስል ኣለዎ?
ብሰለስተ ሓምለ 2012 ዓ.ም፡ ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ ኣብ ቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብቐጥታ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ጥርጡራት ጥላሁን ያሚ [ዋሚ]፣ ኣብዲ ኣለማየሁን ከበደ ገመቹን [ኣብቲ እዋን ኣብ ቀይዲ ዘይኣተወ] ምዃኖም ገሊጻ።
ብፍላይ እቶም ክልተ ጥርጡራት፡ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ብቋንቋ 'ኦሮምኛ' ትእዛዝ ክህቡዎ እንከለው፡ ንሓድሕዶም ግን ብ'ትግርኛ' ይዘራረቡ ነይሮም ኢላ።
ብድሕር'ዚ ኣጠቓቕማ ቃላት እታ ዓቃቢት ሕጊ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቐንዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ፖለቲከኛን ምሁር ስነ ቑጠባን ግርማይ በርሀ፡ እዚ እናጉሃረ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ትግራይ ስግኣት ምዃኑን "ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ቅሳነት ከምዘይረክብ ዘረጋግጽ'ዩ" ብምባል ይኹንኖ።
ብዙሓት ምሁራት ተጋሩ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ዝተፈላለዩ ስርዓታት፡ ግዝኣተ መሬት ኢትዮጵያ ሓደ ዓይነት መንነትን ቋንቋን ንክህልዎ ብዝብል፡ ኣንጻር መንነትን ህላወን እዚ ህዝቢ ዘቕንዑ በደላት ክፍጽሙ'ዮም ጸኒሖም ኢሎም ይኣምኑ። ብዙሓት ካልኦት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እውን ብቛንቆኦም ክመሃሩን ክመሓደሩን ዕድል ኣይረኸቡን።
ህወሓት ብዘማእዝኖ ዝነበረ ስርዓት ኢህወደግ ግን ነቲ ኣተሓሳስባ ብምእላይ፡ ማዕርነት ህዝብታት እተውሕስ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ንምስራሕ ተፈቲኑ ከም ዘይሰመረ ብምግላጽ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ንዝተፈጸሙ ገበናት ኮነ ካልኦት 'ትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት ፈጺሞምዎ' ዝብል ኣገላልጻ ምጥቃም፡ ሓደገኛ ምዃኑ ኣቶ ግርማይ ይገልጽ።
"… ሓደ ህዝቢ ከተጥፍኦ እንተደሊኻ መጀመርታ ትፈልዮ፣ ደሓር ዝበዝሕ ኣሉታ ነገር እናሸከምካ ብኻልእ ማሕበረሰብ ከም ዝጽላእ ትገብሮ። መዛዘሚኡ ድማ ዘርኢ ምጥፋእ ይኸውን" ብማለት ስግኣቱ ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ገበናት እንትፍጸሙ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ጉዳይ ኣጻርዮም ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቦም፡ ብሚድያ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምስራሕ ጥርጡራት ሚድያ ከምዝፈርዶም ምግባር ኣብ ዘበነ ኢህወደግ እውን ዝነበረ እዩ።
እቲ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ'ውን ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወደግ ንዝተፈጸሙ ገበናት ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምቅላዕ ኣብ ዝተሰርሑ ሰነዳዊ ምድላዋት፡ 'ተዛረብቲ ትግርኛ ዝፈጸሙዎ' ዝብል ቃላት ዝተለመደ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ንምዃኑ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ መን'ዮም? እዚ ቋንቋ ንመን ይገልጽ?
ምሁር ቋንቋ ትግርኛን ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ፡ ትግርኛ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ጎረቤት ሃገርን ከም ዝዝረብ ይገልጽ።
"ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ነዚ ቋንቋ ይዛረቡዎ'ዮም። ስለዚ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለው ካልኦት ሰባት ዝዛረቡዎ ቋንቋ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ" ይብል።
ቋንቋ፡ መግለጺ መንነት ሓደ ማሕበረሰብ'ኳ እንተኾነ ትግርኛ ምዝራብ ንበይኑ ግን፡ ትግራዋይ ኣየብልን ዝብል ዶክተር ዳኒኤል፡ ሓደ ሰብ ትግራዋይ ከብልዎ ዝኽእሉ ከም ባህሊ፣ ኣተሓሳስባ፣ እምነትን ኣረኣእያን ዝበሉ ባእታታት ተደሚሮም ብዝፈጥሩዎ ህንጸተ ኣእምሮ'ዩ ዝግለጽ ኢሉ።
"ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ትግርኛ ስለ ዝተዛረበ ትግራዋይ እዩ ክብሃል ኣይከኣልን። ንኣብነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብትግርኛ ይዛረቡ'ዮም፤ ግን ትግራዋይ ኣይኮኑን። ኣነ ኣምሓርኛ ይዛረብ'የ፤ ግን ኣምሓራይ ኣይኮንኩን" ብማለት፡ በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ፈጸምቲ ዝኾነ ዓይነት 'ትግርኛ ይዛረቡ ነይሮም' ክብሃል እንከሎ፡ ብቐጥታ ምስ ትግራዋይ ምትሕሓዝ ምኽንያታዊ ክኸውን ከም ዘይኽእል ይዛረብ።
እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ቃላት፡ መቐጸልታ እቲ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ብዝተወስደ ሃብቲ ትብልጽግ ኣላ እናተባህለ ብሰነዳዊ ምድላዋት ዝስራሕ ዝነበረ ሃሰያ እዩ ይብል ፖለቲከኛ ግርማይ በርሀ።
"ዋላ'ኳ ከምዚ ዓይነት ቃላት ኣብ ስነ ልቦና ህዝብና ዝፈጥሮ ስምብራት ኣሎ እንተዘይበልኩ፡ ተጋሩ ተፈሊና ናይ ኩሉ ሕመቕ ተሰከምቲ ክንኸውን ግን ይስራሕ ኣሎ፤ ኩሉ ሕመቕ ናብ ዝባንና ክድፍደፍ ከሎ ድማ እቲ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ትግራዋይ ስኽፍኽፍ ክብሎ ይኽእል'ዩ" ዝብል ስግኣቱ ይገልጽ።
ስለዚ፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ኣካላት ሕጊ እንታይ ክመስል ኣለዎ?
ብ2 ሚያዚያ 2010 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሕን ክልተ ቕነን ኣብ ዝነበረ ናይ ምስጋና መዓልቲ፡ 'ፈተነ ቕትለት እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ቀጺሉ ድማ ዝተፈላለየ ትርጉም ዝተዋህቦም ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን መራሕቲ ሃገርን ኣጋጢሞም።
ኣካያዲ ስራሕ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ተረኺቡ፤ ባዕሉ ነብሱ ከም ዘጥፍአ ድማ ተገሊጹ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከምኡ'ውን ኣብ ጥሮታ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ክቕተሉ እንከለው፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሓሙሽተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ተቐቲሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ይጽዕር ከም ዘሎ ይገልጽ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ንህወሓትን መሻርኽቱ ዝብሎም 'ኦነግ ሸኔ' ከምኡ'ውን 'ገለ ገለ ሓይልታት' ኢሉ ንዝጽውዖም ሓይልታት ይኸስስ።
ኣጠቓቕማ ቋንቋን፤ ፖሊስ፡ ዓቃቢ ሕግን ዳኛን ዝኣመሰሉ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዘይሻራዊ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ሙሁር ሕገ መንግስትን ሕግን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ፡ ዝህቡዎ መግለጺ ናብ ሓደ ብሄር፣ ሃይማኖትን ዓሌትን ዝጽጋዕ ክኸውን የብሉን ኢሉ።
ሓደ ገበን ፈጺሙ ዝተባህለ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 19 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ነቲ ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎ ጥርጡር ብዝርድኦ ቋንቋ 'ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ስለ ዝፈጸምካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲኻ ኣለኻ' ኢሉ ከረድኦ ይግባእ።
በዚ መሰረት፡ ፖሊስ ምጽራይ ወዲኡ ገበን ተፈጺሙ'ዩ ኢሉ እንድሕር ኣሚኑ፡ ኣገደስቲ መርትዖታት ማለት፡ ምስክርነት ሰብ፣ ሰነድን ጽሑፍን ኣካቲቱ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘመሓላልፈሉ ግዜ፡ ሕጂ'ውን 'ጥርጡር' ዝብል ቃል ክጥቀም ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ዓቃቢ ሕጊ ድማ ኣግባብነት ብዘለዎ ገበን ሕጊ ኣተሓሒዙ ዘኽስስ ኮይኑ እንተረኺቡዎ፡ ክሲ መስሪቱ ናብ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝወስደሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ዓቃቢ ሕግን ጥርጡርን ዘሎ ቋንቋ ብቤት ፍርዲ ከም ዝምራሕ እቲ ምሁር የረድእ።
ዓቀብቲ ሕጊ ናብ ሚድያ ወጺኦም መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ድማ ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን፡ ዝኾነ ዓይነት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ዝተፈጸመ ገበን፡ ካብቶም ፈጸምቲ ዝኾኑ ወጻኢ ዝስከሞ ዝመጽእሉ ብሄር ወይ ሕብረሰተብ ከም ዘይኮነ ተረዲኡ፡ መሰል ጥርጡራት ከይገሃሰ ሓበሬታ ክህብ ይኽእል።
"መንነት ገበን ዝፈጸመ ጥርጡር ክገልጽ እንከሎ፡ ጾታ፣ ዕድመ፣ ስራሕን ዝነብረሉ ከባብን ካብ ዝብሉ ወጻኢ ናብ ቋንቁኡን መንነቱን ክኸይድ ኣይግባእን። ከምኡ እንተኾይኑ 'ፕሮፋይሊንግ' ናብ ዝበሃል ዓውዲ ዘምርሕ ስለ ዝኸውን፡ ኣወሃህባ ፍርዲ ዘዛብዕ'ዩ" [ንውጽኢት ፍርዲ እውን ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ] ኢሉ።
ዓቃቢት ሕጊ ኣዳነች ኣበቤ መግለጺ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፡ "ቐተልትን ተሓባበርትን ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው። ቀንዲ ቀታሊ ጥላሁን፡ እቲ ገበን ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ እዩ። . . . ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ነዚ ዘሕፍር ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ዝተሓብኡሉ ኣሊሽና ኣውጺእናዮም ኣለና" እያ ኢላ።
ገበን 'ፕሮፋይል' ክትገብሮ ክትደሊ ከለኻ ናብ ድሕረ ባይታ እቲ ገበን ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ከም እትጥቀም ዝጠቅስ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን፡ "ኣብ ክንዲ ኣሜሪካዊ፤ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን'ዮም ትብል። እዚ፡ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለካ'ዩ ዘመላኽት፤ ኣብ ክንድኡ ኣብዚ ሰዓት ወይ ቦታ ከምዚ ከምዚ ዝበለ ገበን ፈጺሙ ኢልኻ ክትኸስስን ክትዛረብን ይግባእ" ኢሉ።
ብመሰረት ሕጊ ገበን እታ ሃገር፡ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ክሳብ ዘይበሎ፡ ዓቃቢ ሕጊ ይኹን ካልኦት ኣካላት ምኽባር ሕጊ ገበነኛ ኢሎም ወዲኦም ክዛረቡ ስልጣን'ኳ እንተዘይሃለዎም፡ ሓደ ጥርጡር ኣቐዲሙ ሚድያ ክፈርዶ ይግበር ብምህላው "መሰረታዊ ሕጊ ገበን ዝጥሕስ ኣሰራርሓ'ዩ ዝርኣ ዘሎ"ብምባል ይነቕፎ።
"ኢህወዴግ ብሚድያ ተሓጊዙ፡ 'ሓደ ሓደ ጸረ ሰላም ሓይልታት' ዝብል ቋንቋ ይጥቀም ነይሩ፤ ብልጽግና ምስ መጽአ'ውን፡ ሞያውን ገንዘባውን ድጋፍ ዝተገብረሎም፣ ሃይማኖትን ብሄርን ንምግጫው ዝጽዕሩ፣ ስልጣን ብዘይኣግባብ ክጭብጡ ዝደልዩ ሓይልታት ዝብሉ ቃላት ይጥቀም ኣሎ። እዚ እቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ሞያዊ ክእለት ዝጎድሎ ምዃኑ ዘመላኽት፣ ተኣማኒ ስርዓት ፍትሒ ከይህሉ ዝገብርን ምጽራይ ገበናት ዘዐንቅፍን እዩ" ብምባል ክእረም ከም ዘለዎ የረድእ።
ግደ ሚድያታት
ብሚዲያ ዝቐርቡ ጸብጻባት ቤት ፍርዲ፡ ግዜ ቖጸራ፣ ጥርጡራት ዝሃቡዎ ቃል፣ ካብ መሰኻኽር ዝወሃብ ቃል ዝበሉ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዘመላኽቱ ክኾኑ ከም ዘለዎም ዝጠቅስ ሙሁርን መምህርን ጋዜጠኝነትን ሕጊ ሚዲያን ኣፈወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ምጥፋእ ስም ዝህልዎም፣ መጋብኣያ ዘየክበሩ ጸገማት ዘጋጥሞ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።
"ጸብጻባት ቤት ፍርዲ ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ጥንቃቐ ዝሓቱን ኮይኖም፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝህቦ መግለጺ ድማ፡ ርኢይቶ ውልቀ ሰባት ክወሃበሉ ዝግበር ኣይኮነን። ከምቲ ንቡር ቃል'ውን ክትቕይር ኣይፍቀድን፤ ግን ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለየ ድልየትን ርኢይቶን ዘለዎን ሰባት ርእይቶኦም ከዕርፍሉ ይግበር ኣሎ" ኢሉ።
ዓቃቢ ሕጊ ወይ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ንህዝቢ ኣብ ዝገልጽሉ እዋን፡ 'ጥርጡራት' ዝብል ቋንቋ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ኣቶ ኣፈወርቅ፡ ሚድያታት "ገበነኛ ድማ ብቋንቁኡ ወይ ብሽሙ ዘይኮነ ብዝሰርሖ ጥፍኣት ዝሕተት ምዃኑ ክፈልጣ ይግባእ" ይብል።
"ዝኾነ ዓይነት ቋንቋ ክዛረብ ዘይኽእል ዱዳ [ጸማም/ምስማዕ ዝተሳእኖ] ሰብ'ውን ገበን ክፍጽም ይኽእል እዩ። ግን ድማ፡ ኩሎም ሓይልታት ረብሕኦም ንከሕልው ዝጥቀምሉ ዘለው መገድን እቲ ናይ ሚድያ ኣካይዳን ተደሚሩ፡ ነቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ከዛብዖ፡ ንምርግጋእ ሃገር ሓደገኛ እዩ" በሃሊ'ዩ።
እቲ ዝሓለፈ ጉድለት ክእርም እየ ዝበለ ስርዓት ሕጂ እውን፡ ስርዓት ፍትሒ፣ ፖሊስን ሚድያታትን ኢሻራውያን ከምዝኾኑ ከምዘይገበረ ዝዛረብ እቲ ምሁር፡ በዚ እንተቐጺሉ "እታ ሃገር ሕግን ስርዓትን ናብ ዘይብሉ ብርኪ/ደረጃ ክትወርድ" ብምባል፡ መንግስቲ ብደረጃ ሃገርን ክልልን ዘለዋ ሚድያታት ስርዓት ክትሕዘን ሞያዊ ማዕድኡ ለጊሱ።
እተን ሚድያታት መንግስቲ ኣብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ ዘይኮነ ሞያዊ ሓላፍነተን ክዋጽኣን እቲ ሞያ ብዝሓቶን ብዝጥለቦን ስነ ምግባር ክዓያን ኣተሓሳሲቡ።