"ብብርዒ ዘይኮነስ ከላሽን ተሓንጊጥና ክንዋጋእ ድልዋት ኢና" ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ህላወን ሓድነትን ኢትዮጵያ ክዛረብ እንከሎ፤ ክንዮ ሰላማዊ መገዲ፡ ብዕጥቂ ንዝፍጸሙ ተግባራት ንምክልኻል ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ንድሕሪት ከምዘይብል ገሊጹ።

ንሱ "ብህላወ ኢትዮጵያ ዝመጸና እንተሃልዩ፡ ብብርዒ ጥራይ ዘይኮነ ከላሽን ተሓንጊጥና ክንዋጋእ ድልዊ ምዃንና ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥ ኣለዎ" ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ 2011 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ዝነበሮ ኣፈጻጽማ ብዝምልከት ሎሚ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸብጻብ እንተቕርብ እዩ ነዚ ዝተዛረበ።

ካብ ኣባላት ባይቶ ዝቐረብሉ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃቡ ሕቶታት'ውን መሊሱ ኣሎ።

ዕልዋ መንግስቲ

ኣብቲ ዝሓለፉ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተዋደደ 'ዕልዋ መንግስቲ' ተፈጺሙ ምስተባህለ፤ ብዙሓት ዕልዋ መንግስቲ ብደረጃ ክልል ክፍጸም ይከኣል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ብዝምልከት "ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ፌዴሪኢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ" ድማ ኢሉ።

ኣብ ሕገመንግስቲ ካብ ዝተደንገገ ወፃኢ ስልጣን ንምሓዝ ምፍታን ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ከመይ ኢሉ ኣብ ክልል ዕልዋ መንግስቲ ይፍፀም? ዘእምን ኣይኮነን ንዝብሉ ድማ፡ "ኣብ መንግስቲ ፌደራል'ከ ድኣ ከመይ ኢልካ ዕልዋ መንግስቲ ይግበር? ሕዚ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ መን እዩ መንግስቲ ነቒሉ፡ መንግስቲ ምዃን ዝኽእል? ኢሉ ብምሕታት ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ምሕሳብ፡ መገዲ ጥፍኣት ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።

"እዚ ኣይከኣልን። ምትህልላቕ እዩ እምበር ዋላ ብፌደራል ዕልዋ መንግስቲ ኣይትመርፅን። ሕዚ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ምሕሳብ ዕብደት እዩ። ኣይኸውንን። ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሕረድሉ ዘሰንብድ ኩነት ክንፈጥር ንኸውን'ምበር መንግስቲ ምዃን ኣይንኽእልን" ድማ ኢሉ።

ብድሆታት መንግስቲ

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ናቱ መንግስቲ፡ ኮነ ተባሂሎም መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ተዛሪቡ። ዘረብኡ፡ በቲ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 16 ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩዎ።

''ገና ክልተ ወርሒ እኳ እንከይመልአ፡ ነቲ ዝጀመርናዮ ለውጢ ንምፍሻል፡ እቲ እትፈልጥዎ ፈተነ ኣብ ኣደባባይ ተፈጺሙ" ዝበለ ክኸውን ከሎ፡ ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድሕሪ 2 ወርሒ ድማ "ኣብ ክልል ሶማል ሓድነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ገንዘብን ዕጥቅን ዘለዎ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ዘለውዎ ሓይሊ፡ ጸገም ፈጢሩ። . . . ነዚ ተሳጊርና ከይወዳእና ድማ ዝተወደቡ ወተሃደራት ናብ ቤተ መንግስቲ መጺኦም። በቲ እትፈልጥዎ መገዲ ንዐኦም ምስ መለስና ድማ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ መንግስቲ ክኸውን እየ ዝብል ንምዕራብ ኦሮሚያ ዝሕምስ ሓይሊ ተፈጢሩ" ኢሉ።

''ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዜጋታትና ዘመዛብሉ ሓይልታት ተፈጢሮም . . . ኣመዛበልቲ ኢሎም ድማ ወቒሶምና። ነቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክንመልሶም ከለና ድማ ብሓይሊ መሊስኩምዎም ኢሎምና" ብምባል ንብድሆታቱ ዘርዚሩ።

''ውሑዳት ደይ መደይ ኢሎም፡ መብዛሕተኦም ከኣ ከይፈለጡ፡ ብክልተ እግራ ደው ክትብል ዘይከኣለት ሃገር 'ወሰኽ መሃያ' ብዝብል ሓደ ግዜ መምህራን ካልእ ግዘ ድማ ሓካይም እናበሉ ኣዲሞምልና" እውን ኢሉ።

ቀንዲ ስልጣን ብኦሮሞ ተታሒዙ

ወሰንቲ ዝበሃሉ ናይ መዝነት ቦታታት ብኦሮሞ ተታሒዞም ዝብል ርእይቶ "ሓሶት እዩ" ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ።

''ኣብ ነብሲ ወከፍ ትካል፡ ኦሮሞ ዘይግበኦ ስልጣን ሒዙ እንተኾይኑ ምጽራይ ተገይሩ ካባይ ጀሚርካ ስጉምቲ ምውሳድ ይከኣል እዩ" ኢሉ።

ሕቶታት 'ክልል ክንከውን ኣለና'

ኣብዪ ኣሕመድ 'ክልል ክንከውን ኣለና' ብዛዕባ ዝብሉ ሕቶታት ክዛረብ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጋዊ ምላሽ ዝወሃብ ህዝቢ ብትዕግስቲ ክጽበ ጸዊዑ።

"ብዕስለን ብዓውዓውን ዝምለስ ሕቶ ንምትእንጋድ ብሕዚ ትዕግስትና ተጸንቂቑ እዩ። ኩሉ ስርዓት ሓልዪ ይኺድ፤ ብስርዓት ድማ ንምልስ። ነዚ መገዲ ዘይክተል እንተኾይኑ፡ በቲ ዝተለመደ መገዲ ክነተኣናግዶ ኢና" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቶም 'ክልል ክንከውን ኣለና' ዝብሉ ሕቶታት ንምትእንጋድ ሕገመንግስቲ ክመሓየሽ ኣለዎ ድማ ኢሉ። ኣብ ሕገመንግስቲ ምዕራፍ ኣርባዕተ ዝሰፈረን ብዛዕባ ኣወዳድባ መንግስቲ ዝሰፈረን ሕጋገ ክቕየር ከምዝግብኦ ጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ዝለዓሉ ድጋፍን ተቓውሞን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ጥራሕ ከምዝፍፀም ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ተዛሪቡ።

"ንመረፃ ክወዳደር እየ፤ ይኹን'ምበር እዚ ሕገመንግስቲ ኣይውክለንን። ነፃነተይ ይደሊ እየ፤ እቲ ሕገ መንግስቲ ግን ኣይውክለንን ማለት፡ ክልቲኦም ጫፍ ዝረገፁ እዮም። ባዕሉ እቲ ሕገመንግስቲ ኣብ ሞንጎ ዘበናት፡ ዝመሓየሽ ነገር እንተልዩኒ ህዝብታት ተዘራሪቦም፡ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ክተመሓይሹኒ ትኽእሉ ኢኹም እንተይሉ፡ ልዕሊ እቲ ሕገመንግስቲ ባዕሉ፡ ተሓላቒ ሕገመንግስቲ የለን። ብኻልእ መገዲ ድማ፡ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጎናፀፎም መሰላት እናተጠቐሙ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣይንፈልጦን ምባል ድማ ኣይሰርሕን" ብምባል

"ሕገመንግስቲ ዘይቕበል ሰብ ንመረፃ ክዳሎ የብሉን። ሕገመንግስቲ ዘይቕበል ሰብ ሕቶ ነፃነት መራኸቢ ብዙሃን ከልዕል የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ሕገመንግስቲ እዩ ነዚ ነፃነት ኣጎናፂፍዎ። እዚ ሕገ መንግስቲ ብብዙሕ መከራ፣ ብብዙሕ ስቓይ፣ ብብዙሕ ደም ዝመፅአ እዩ። ብዙሕ ዓወት ዘጎናፀፈ እዩ" ኢሉ።

ስርዓት ፌደራሊዝም

ስርዓት ፌደራሊዝም እታ ሃገር ንዝረኣዩ ዓበይቲ ጎንፅታት ንምፍታሕ ዝሕግዝን፡ ዋጋ ዝተኸፈሎን ከምዝኾነ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ 17 ዓመታት ሙሉእ ካብ ጫፍ ኣዲስኣበባ ክሳብ ጫፍ ሰሜን፡ ህይወት ኣሽሓት መናእሰይ ዝቐጠፈ ቃልሲ ተገይሩ እዩ። ሱቕ ኢልካ ወተሃደራዊ ስርዓት ገዲፍካ ኣይኮነን ናብ ስርዓት ፌደራሊዝም ተኣትዩ።

"ብዙሓት ተቓሊሶምን ተቐጢፎምን፣ በዓልካ ንበዓልካ ናይ ምምሕዳር ሕቶታት ስለዝተልዓሉን'ምበር። ኣብቲ ግዘ እቲ ፀገም ኣይነበረን፡ ሕዚ እዩ ፀገም መፅዩ ዝብል፡ እቲ ግዘ እቲ ጠንቂቕካ ካብ ዘይምፍላጥ ዝለዓል እዩ። ካልኣይ ድማ፡ ኢትዮጵያ ቤተፈተነ ኣይንግበራ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ንጉሳዊ ግዝኣት፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣየዋፅእን ኢልና ኣፍሪስና ኢና። ሕዚ ድማ ፌደራል መንግስቲ ኣየድልን ብምባል፡ በብግዝኡ ህዝቢ ዘይግልገለሉ ስርዓት ክንገብር የብልናን። እዛ ሃገር ቤተፈተነ ኣይኮነትን" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

በብእዋኑ ኣብ መሰል ዓርሰ ምሕደራን ክልልን ዝለዓሉ ሕቶታት ስርዓት ፌደራሊዝም ነዛ ሃገር ኣድላይ ምዃኑ ዘመስክር ምዃኑ ዝተዛረበ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ክልላዊ ምምሕዳር ምስ ብሄር ምውቓዕ ግን ሓደገኛ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ገሊጹ እዩ። በዚ ድማ 48 ምስ ሽበራ ብዝዛመድ፣ 799 ሰብ መዝን ኣባላት ጸጥታን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሄር መሰረት ዝገበሩ መጥቀዕትታት ብዝዛመድ፣ ካልኦት 34 ሰባት ድማ ምስ ቁጠባ ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ተጠርጢሮም ከምዝተቐየዱ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ፤ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብዝተኣሳሰር፡ 64 ጥርጡራት ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ።

ጉዳይ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ምምዝባል ዜጋታት ኣመልኪቱ ነቲ ባይቶ መብርሂ ሂቡ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ 2.3 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተፈናቐሉ ብምሕባር፡ ካብ መጋቢት 2010 (ኣ.ኢ) ጀሚሩ 1.1 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ተዛሪቡ።

ካብ ሞንጎ'ቶም ተመዛበልቲ፡ እቶም 1.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ዝነብሩሉ ክልል ዝተፈናቐሉ ኮይኖም፡ 800 ሽሕ ድማ ናብ ካልኦት ክልላት ከይዶም ዘዕቆቡ እዮም። ካብ ሓፈሻዊ ተመዛበልቲ እቶም 400 ሽሕ ብሰንኪ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብዘጋጠሙ ጸገማት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ከም ዝኾኑ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ካብ ተመዛበልቲ ነቶም ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ናብ ዝነበሩሎም ከባብታት ተመሊሶም ክጣየሹ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ነቶም ዘጋጠሙ ምምዝባል ዜጋታት ከም ምኽንያት ዝለዓሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኸሰቱ ጎንጽታት ደው ንምባልን፡ ብቐጻሊ ንምፍታሕን መንግስቲ ዝለዓለ ቆላሕታ ገይሩ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ድማ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ኣ.ኢ ኣብ ዝነበረ ግዘ፡ 8.8 ሚኢታዊት ዕብየት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን 7.7 ሚኢታዊት ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናይ 11 ኣዋርሕ ኣፈጻጽማ ብምግምጋም፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ9.2 ሚኢታዊት ዕብየት ከርእይ ትጽቢት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ዓፋርን ዒሳን ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ጎንፅን፡ ጉዳይ ተመዛበልቲ ክልል ቤንሻንጉልን ድማ ፡ እቲ ፀገም ጉዳይ መሬት እንተይኮነስ ፖለቲካዊ ፀገም እዩ፡ እዚ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ሓይሊ ባሕሪ

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሎሚ ውዕልኡ፡ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዝተጀመረ ቅድመ ምድላው ምህላዉ'ውን ሓቢሩ።

"ወደባት ኣብ እንጥቀመሉን ቀንዲ መተሓላለፊ ንግድና ኣብ ዝኾነን ቀይሕ ባሕሪ፤ ናይ ባሕሪ ሽፍትነት፣ ግብረ ሽበራን ናይ ዕጡቓት ምንቅስቓስን፡ ከምኡ ድማ ናይ ሓያላት ሃገራት ንሕንሕ ኣብ ዝበዝሐሉ ከባቢ፡ ናይ ንግዲ መራኽብና ብሰላም ክንቀሳቐሳን፤ ሃገራውን ክፍለ ኣህጉራውን ሰላምና ብዝተማልአ ኩነታት ክሕለውን፤ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ረብሓ ብምርዳእ፤ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ተወዲኡ እዩ" ኢሉ።

ጉዳይ ሱዳን

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው፡ ንኢትዮጵያ እውን ከምዝሃስያ ዝገለፀ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ "ሱዳን ገባሪት ፅቡቕና ስለዝኾነት" ኩነታት ሱዳን ብትኹረት ዝርእይዎ ጉዳእ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

"ሱዳን ጣልያን ንኢትዮጵያ እንትወርር ቀሊል ዘይበሃል ህዝቢ ኣትዩ ከም ሃገሩ ዝነበረላ እያ። ህዝቢ ሱዳን ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ዝተኻፈለ ህዝቢ እዩ። ብሰንኪ ቀይሕን ፃዕዳን ራዕዲ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ እንትስደዱ፡ ንብዙሓት ዝተሸከመት ሃገር እያ። ኣብ 77 ዘጋጠመ ድርቂ ድማ፡ ካብ ትግራይን ከባቢ ወሎን ብዙሕ ሰብ እንትስደድ ዝተሸከመት ሃገር እያ። ብጣዕሚ ለዋህን ኢትዮጵያ ዝፈቱ ህዝብን እዩ፡ ህዝቢ ሱዳን። ስለዚ ናህቶም ፀገም ከም ናህትና ርኢና፡ ዋጋ ምሃብ የድልይ። ናህቶም ጉዳይ ብቐረባን ብናይ ሓው ስምዒትን ምርኣይ የድልይ" ኢሉ።