እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዝምድሩ፡ ኣበይ ይኽሰሱ?
ምሸት ናብ ዓራቶም ክኸዱ ቴሌፎኖም እናጠዋወቑ ድቃስ ዝወሰዶም፡ ወጋሕታ ምስተበራበሩ ኸኣ ሃሰስ ኢሎም ንሞባይሎም ዝጭብጡ፡ ብዙሓት እዮም።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተነጺልካ ምንባር፡ ንብዙሓት ዘይሕለም እዩ። ከመይ ኢልካ ኸ ይከኣል!
እዋናዊ ሓበሬታ እትረኽበሉ፡ ዘሀድሱ ቪድዮታት እትርእየሉ፡ ኣብ ርሑቕ ምስ ዘለዉ መቕርባትካ ዳርጋ ኣብ ሓደ ዘለኻ ኮይኑ ክሳብ ዝስመዓካ እትራኸበሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ምግዳፍ፡ ዓቐብ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ።
እንተኾነ፡ ኣብኡ ብዝርእይዎ ናይ ጽልኢ ዘረባታት፣ ጸርፊን ዘይሓቃዊ ሓበሬታታትን ተስፋ ቀቢጾም ንነብሶም ካብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዘርሕቑ ሰባት 'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ዓሌት፣ ጾታ፣ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ብዙሕ ጽልኣታዊ ዘረባታት ብስእሊ፣ ብቪድዮ ብጽሑፍ ክዝርጋሕ ንርእይ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እኳ "ኣንጻር ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ብቐንዱ ከኣ ተወለደቲ ሓደ ብሄር" ዘቕነዐ ጽልኣታዊ ዘረባ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ሰባት ናይ ጥርዓን ፌርማ ከተኣኻኽቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝንጸባረቕ ንጽልኢ ዝጕስጕስ መደረታት "ከም ተርእዮ ኣዝዩ ኣሰካፍን ምቕጻሉ'ውን ዘይተርፎን'ዩ" ክብል ይገልጾ። ንዓመታት ክረኣይ ዝጸንሐ ምዃኑ'ውን ይገልጽ።
ሰባት ንምንታይ'ዮም ጽልኣታዊ ዘረባ ዝዝርግሑ?
ኤርትራዊ ክኢላ ስነ-አእሙሮ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ፡ ሰባት ንምንታይ ብኣካል ዘይዛረብዎም ነገራት ብማሕበራዊ መራኸብታት ክዛረብዎ ከምዝቐልሎም ከብርህ እንከሎ፡ ብዙሕ ምኽንያታት ከምዘለዉ እዩ ዝጠቅስ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንነቶም ሓቢኦም ብጉልባብ ዝጽሕፉ ሰባት 'ሕጊ ኣየርክበለይን፡ ተሓታቲ ኣይኸውንን' ካብ ዝብል ድምዳመ ክብገሱ ከምዝኽእሉ የብርህ።
ገለ ካብቶም ብቕሉዕ መንነቶም ጽልኣታዊ ዘረባ ዝዝርግሑ ድማ፡ ብመስተን ሓሽሽን ተጸልዮም ዝገብርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይጠቅስ።
"ገለ ገለ ሰባት፡ ንበይኖም ኣብ ዝኾንሉ፡ ገለ ኣሉታዊ ጸባያት ዘምጽእ ነገራት ምስዝወሰዱ፡ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ክፉእ ቃላትን ይምድሩ" ይብል። ናይ ገሊኦም ድማ "ፖለቲካዊ ድርኺት ክህልዎ ይኽእል" ክብል ወሲኹ የብርህ።
ቀጺሉ ድማ፡ ገለ ካብቶም ሰባት ኣእምሯዊ ሕማም ዘለዎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይጠቅስ። ምስ ኣነነት (ኢጎ) ብዝተኣሳሰር ድማ፤ "ዋላ'ውን ብጃህራን ጸርፍን" ተፈላጥነት ክህልዎም ዝጽዕሩ ሰባት ኣይሰኣኑን ይብል።
"ኣቓልቦ ንምርካብ [ንኣቴንሺን ስኪንግ] ተባሂሉ ዝግበር ነገራት" ከምዘሎ እቲ ክኢላ ስነ-አእሙሮ ይዛረብ። ዮውሃንስ ከምዝብሎ፡ ገለ ካብቶም ጽልኣታዊ ዘረባታት ዝዝርግሑ ሰባት፡ ብስደት ናብ ደገ ወጺኦም ዝነብሩን ካብቲ ንቡር ባህሊ ዝተነጸሉን ምዃኖም'ውን ኣበርክቶ ኣለዎ" ይብል።
ኣብ ባህሊ ኤርትራውያን ሓደ ሰብ እንተደኣ ጸርፊን ጽያፍ ዘረባን ተዛሪቡ 'ዓገብ' በሃሊ ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ደፊሩ ጽያፍ ዘረባታት ዘይዛረብ" ዝብል ዮውሃንስ፡ እዚ ጽቡቕ ልምድን ባህልን ኣብ ዘይብሉ፡ እቶም ጽልኣት ዝምድሩ ሰባት ጥጡሕ ባይታ ረኺቦም ኣለዉ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ጽልኣታዊ ዘረባታት ክትቆጻጸሮ ከቢድ ድዩ?
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ኣብ እምነት፡ ዓሌት፡ ጾታ፡ ኣውራጃ መሰረት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ጽልኣት ዝጕስጕሱ ትሕዝቶታት ንምቁጽጻሩ ዘኽብድዎ ገለ ምኽንያታት ከምዘለዉ ይገልጽ።
ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ትሕዝቶታት ዝምልከት ሕግን ናይ ኣተኣላልያ ልምድን፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዘይምህላዉ ድማ ከም ሓደ ምኽንያት የቕርቦ።
"ኣብ ኤርትራ፡ ከምዚ ዝመስል ናይ ጽልኢ መደረ (ሄት ስፒች) ብሕጋዊ መዳያቱን ሳዕቤናቱን ምዝራብን ምኽሳስን ልሙድ ኣይኰነን። እዚ ልምዲ'ዚ ካብ ዘይጸንሖ ሕብረተሰብ ዝወጽአ ሰብ እምበኣር፡ ሕጂ ናጻን ፍኑውን ማሕበራዊ መራኸቢታት ተወሲኹዎ ብዙሕ ከም ድላዩ ክዛረብን ንኻልኦት'ውን ክዝልፍን ዝኽእል ክመስሎ ቀሊል'ዩ" ይብል።
ኣብርሃም ከም ካልኣይ ምኽንያት ዘቕርቦ ከኣ፡ እተን ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸብታት ዝህባ ትካላት፡ ብገለ ቋንቋታት ንዝፍነዉ ትሕዝቶታት ዝገብረኦ ክትትል ዝሕቱል ምዃኑ ንምቁጽጻሩ ከቢድ ከምዝገብሮ የብርህ።
"እተን ትካላት ማሕበራዊ ሜዲያ ከም እኒ ፈይስቡክን ዩቱዩብን፡ ከም ዘይከም ብኻልእ ቋንቋታት ከምእኒ እንግሊዘኛ ወይ ካልእ ዓበይቲ ቋንቋታት ዝግበር ምክትታል ስለ ዘይገብራሉ፡ ነዚ ተርእዮ'ዚ ዘጋድድ'ዩ" ብምባል ብፍላይ ብትግርኛ ዝዝርግሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ምቁጽጽር ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብርሃም ከምዝብሎ፡ እቲ ካልእ ብደሆ፡ ነዞም ጽልኣት ዝዝርግሑ ሰባት ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ተሓተትቲ ንምግባር ዘሎ ከቢድ መስርሕ እዩ።
"እቶም ኣብ ከምዚ ዝመስል ናይ ጽልኢ ዘረባ ዝፍንዉ ዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራቶም ስለ ዘለዉ፡ እሞ ድማ ብሕጊ'ቲ ዝነብሩዎ ሃገር ስለኽሰሱ ዝያዳ ይኸብድ" ይብል ኣብርሃም።
ኣብነት ጠቒሱ ድማ "ናይ ጽልኢ መደረ ዘስምዕ ሰብ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ኤርትራዊ እንተዀይኑ፡ እሞ ከኣ ኣብ ፈስቡክ ወጺኡ ንሓደ እምነት ወይ ዓሌት ኤርትራ ዘጽላእላዕ ዘረባን ጽሑፍን እንተ ዘርጊሑ፡ ብናይ ኣመሪካ ሕጊ'ዩ ዝኽሰስ" ኢሉ።
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ ዝምልከት ሕጊ ኣሎ ዶ?
ጽልኣታዊ ዘረባ ብደረጃ ዓለም ዝዳነየሉ፡ ዓለማዊ ሕጊስ ይትረፍ፤ ጽልኣታዊ ዘረባ እንታይ እዩ? እንታይከ እዩ ከም ጽልኣታዊ ዘረባ ዘይቁጸር? ኣብ ዝብል'ውን ምሉእ ስምምዕ የለን።
"ኵለን ሃገራት ይትረር ይፍኰስ፡ ከከም ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታአንን ዘሕለፍኦ ተመኵሮን፡ ንናይ ጽልኢ መደረ ኣመልኪተን ሕግታት ክህሉወን ይኽእል። ገሊኣተን ከኣ ምስ ምስፋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕጂ ይነድፋ ኣለዋ" ዝብል ኣብርሃም ንኢትዮጵያ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ እያ 'ስኑዕ ሓበሬታን ጽልኣታዊ ዘረባን ንምቁጽጻር' ዘኽእላ ኣዋጅ ኣጽዲቓ። እንተኾነ፡ እዚ ኣዋጅ ብነጻነት ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል ክረግጽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት'ውን ኣሕዲሩ እዩ። ንመሰል ሰባት ዝሕለቑ ዓለማዊ ትካላት እውን፡ መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ተቓውሞታት ንምዕፋን ከይጥቀመሉ ስግኣቶም ገሊጾም እዮም።
እቲ ሕጊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ "ጎንጽን ዕግርግርን ከስዕቡ ዝኽእሉ" ትሕዝቶታት ዝዝርግሑ ሰባት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን ክሳብ 100 ሽሕ ብር ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ገንዘብን ከምዝጽበዮም ይድንግግ።
ኣብርሃም ተስፋልኡል ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ክገልጽ ከሎ "ንሰብ ሞያ ሕጊ ተወኪሰ ከም ዝረኸብኩዎ፡ ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀመሉ ዘሎ መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 480'ውን ንጽልኢን ናዕቢን ኣመልኪቱ ብማእሰርቲን ገንዘብን ከም ዘቕጽዕ ተገንዚበ" ይብል።
እንተኾነ፡ እቲ ሕጊ ኣብ 1957 ዝተነደፈ ምዃኑ ብምግላጽ "ምስዚ ዘሎ ዘመናዊ ቋንቋን ኣገባባት መራኸቢታትን ዝኸይድ ኣይኮነን" ዝብል እምነት ኣለዎ።
እንታይ ክግበር ይኽእል?
ጽልኣታዊ ዘረባታት ዝሓዙ ቪድዮታት፡ ብብዙሓት ሰባት ዝረኣዩን ዝዝርግሑን ምዃኖም ዘሰክፍ እዩ። ልዕሊ እቶም ሰላም፡ ፍቕርን ሓድነትን ዝሰብኩ፡ ንኻልኦት መርኣያ ዝኾኑ እወንታውያን ሰባት፡ እቶም ጽልኣት ዝዝርግሑ ዝያዳ ኣቓልቦታት ክረኽቡ ይረኣዩ።
"ነዚ ኸኣ ጠጠው ከብሎ ዘለዎ እቲ ህዝቢ፡ እቲ ሰማዒ እዩ" ይብል ክኢላ ስነ-አእምሮ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ።
"ደድሕሪ ጽዩቕ ዘረባታት ምኻድ ንጥዕናኻ ንነብስኻ'ውን ምጉዳል እዩ" ዝብል ዮውሃንስ፡ ነዞም ከምዚ ዝበሉ ኣሉታዊ ትሕዝቶታት እናረኣና እነጥፈኦ ግዜ ክህሊ ከምዘይብሉ ይምዕድ።
"ግራት [ማሕበራዊ መራኸቢ] ጽሩይ ክኸውን እንተኾይኑ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻህያያት ክነወግዶ እዩ ዘለና" ከኣ ይብል።
ጋዜጠኛ ኣብርሃም ብወገኑ "ኪንዮ ሕጋዊ መስርሕ ምኽታል እቲ ዝቐለለ ኰይኑ ዝስመዓኒ፡ መምርሒታት'ተን ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከምእኒ ፈይስቡክ፡ ዩትይብ፡ ትዊተር፡ ኢንስታግራምን ካልእን ምርኣይ'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኣብ ፈይስቡክ ንዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ምጕዳላ ኣካላት፡ እኩብ ህዝቢ፡ ብዕሉግ ጸርፍታት ወዘተ. ዝምልከት ኣዝዩ ዝርዝራዊ መምርሒ ከምዘሎ ድማ ከም ኣብነት የቕርብ።
"ነዚ ዝጠሓሰ ወልቀሰብን ጕጅለን እምበኣር ብቐጥታ፡ ዝዀነ ግዱስ ተጠቃሚ ናብ ፈይስቡክ ወይ ዩትዩብ ነተን ዝተጣሕሳ መምርሒታት ውሑስ ኣጠቓቕማ ጠቒሱ ክጠርዓሉ ይኽእል'ዩ። እቲ [መምርሒ ዝጠሓሰ] ጽሑፍ ብእንግሊዘኛ ምስ ዝኸውን ግዜ'ውን ዝወስድ ኣይኮነን።" ይብል።
ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት ግን ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ይገልጽ።
"ካልእ ኣማራጺ ክሳብ ዘይሃለወ ግን" ናብቶም ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸብታት ዝህቡ ከም ፌስቡክ ወይ ዩትዩብ ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ብዛዕባ እቲ ጽልኣት ዝሓዘለ ትሕዝቶ ጥርዓን ምቕራብ (ሪፖርት ምግባር) ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ" ይብል ኣብርሃም።
ሓሳቡ ክድምድም ከሎ ድማ "ብናጻ ሓሳብና ናይ ምግላጽ መሰል ደኣ ይሃልወና'ምበር፡ እቶም ካልኦት ከኣ ክብሮም ናይ ዘይምትንካፍ ምሉእ መሰል ከም ዘለዎም ምዝካር ኣድላዪ'ዩ" ኢሉ ኣብርሃም።