እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውሕሃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ዘረባ ጽልኣት - መሰል ምዝራብ ይዓግት ኣሎ-ኢሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ከካይድ ዝቐነየ ላዕለዋይ በዓል-ሞያን ፍሉይ ልኡኽን ሰብኣዊ መሰላት ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳቪድ ከዪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ዘረባ-ጽልኣት ንምኽልካል' ብዝብል ጉልባብ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ንምዕጋት ይሰርሕ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተገብሩ ለውጥታት ዘድነቐ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ብሃበ-ተረኸበ ምዕጻው ጠጠው ከብልን፡ መሰል ነጻነት ዜጋታት ናይ ምዕጋት ተኽእሎ ኣለዎ ዝበሎ፡ ረቂቕ ዘረባ ጽልኣት ከየጸድቕን ሓቲቱ።
እቲ ዓፋኒ ዝበሎ ረቂቕ ደጊሙ ክኽለስ ኣለዎ ኢሉ።
ረቂቕ ዘረባ ጽልኣት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቐሪቡ ዝተዘተየሉ እንትኸውን፡ ኣብ መወዳእታ ንክጸድቕ ናብ ዝምልከቶ ኪሚተ ከምዝተመርሐ ዝዘከር እዩ።
ወሕሃ ግን፡ ኣብዚ ናይ መጀመርታ ደረጃ ጸብጻቡ፡ እዚ ረቂቕ መሰል ምዝራብን ነጻነት ሓሳብን ንምዕጋት ከም ጉልባብ ኮይኑ ይመጽእ ኣሎ እዩ ዝብል።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ "እዚ ረቂቕ፡ ሕጊ ኾይኑ እንተደኣ ጸዲቑ፡ ዛጊድ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ [ሪፎርም] ጉዕዞን ተበግሶን ንድሕሪት ዝምልስን፡ ዘይተኣደበን" ክብል ነጺጉዎ።
"ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ዓሌታውን ምፍጣጥ፡ ዘዘሓሕል ዘይኮነስ ዘጋድድ ከይኸውን እውን ስግኣት ኣለኒ" ክብል ወሲኹ።
ብሕታዊ ኣቕራቢ ግልጋሎት ኢንተርኔት ዝኾነ ኢትዮቴሌኮም፡ ኢንተርኔት ብሃበ ተረኽበ ብምዕጻው ከም መሳርሒ ሓሳብ ንምዕጋት ኮነ ተባሂሉ ኣብ ረብሓ ይውዕል ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ዘሰናደአ ላዕለዋይ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ኢትዮቴሌኮም፤ ኢንተርኔት ንምዕጻው ምኽንያት እንተኣቕረበ'ኳ ዘእምን ከምዘይኮነን መመኽነይታ ምዃኑን እቲ ሓላፊ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እዚ ድማ ፡ ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ሓሳብ ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰል ንምርግጋጽ ኣብ ዝፈተነሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተሓሳሰብ እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር፡ ትሸዓንተ ግዘ ግልጋሎት ኢንተኔት ከምዝተቛረጸ ገሊጹ።
ብፍላይ ድማ ምስ'ቲ ኣብ መጻኢ ግንቦት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ ተኣሳሲሩ፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ነጻነት ዜጋታት ካብ ዝዳፍኡ ተግባራት ክርሕቕን ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ምእሳር ክቑጠብን ኣተሓሳሲቡ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ኢህወዴግ፡ ዜጋታት ጸጥ ንምባል ሕጊ ጸረ-ራዕዲ ከም መሳርሒ ይጥቀም ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ሕዚ'ውን እንተኾነ ግና፡ እቲ ሕጊ ከምዘይተኸለሰን፡ ገለ ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝሐዙ ሰባት ንምዕፋን ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን ይዝረብ።
እቲ ሕዚ ዝጸድቕ ዘሎ ረቂቕ ድማ ነዚ ዝጸንሐ ሕጊ-ጸረ ራዐዕዲ ተኪኡ፡ ኣብ ተግባር ከይውዕል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።