ኣካታዒ ጉዳይ ከፓ፡ ተጻወትቲ ዘረባ ኣሰልጠንቶም ምስ ዘይሰምዑ

እስጳኛዊ ሓላዊ ልዳት ቸልሲ ከፓ ኣሪዛባላጋ፡ ቸልሲ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ግጥማት ካራቦኣ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ግጥም፡ ኣሰልጣኒኡ ማውሪዝዮ ሳሪ ንኽቅየር ዝሃቦ ትእዛዝ ዕሽሽ ብምባል ጸወትኡ ክቕጽል ተራእዩ።

ኣሰልጣኒ ማውሪዝዮ ሳሪ፡ ክልቲአን ጋንታታት ብፍጹም ቅላዕ ከምርሓ'የን ብምባል እዩ፡ ንከፓ ኣሪዛባላጋ በቲ ምኩር ሓላው ልዳት ዊሊ ካቫሌሮ ክትክኦ ዝፈተነ፡ ከፓ ኣሪዛባላጋ ግን ኣይወጽእን'የ ኢሉ።

ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዛዘመ ጸወታ ከፓ ኣሪዛባላጋ፡ ሓንቲ ቅላዕ ጥራይ'ዩ ከድሕን ክኢሉ፡ ማንቸስተር ሲቲ ክኣ ነቲ ጸወታ ክትዕወተሉ ክኢላ። ውሳነ ናይ ከፓ ኣሪዛባላጋ ኣብ መጻኢኡን ኣብ መጻኢ ኣሰልጣኒ ቸልስን ብዙሕ ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ግን እኮ ሳሪ ጥራይ ኣይኮነን ትእዛዙ ዘይተኸበረ ኣስልጣኒ።

ሚታሊ ራጅ 2018

ህንዲ ኣንጻር ኣየርላንድ ናይ T20 ዋንጫ ዓለም ክሪከት 2018 ኣብ ዝጻወታሉ ዝነበራ፡ ፍልጥቲ ህንዳዊት ተጻዋቲት ራጅ ንእትእዛዝ ኣሰልጣኒኣ ብዘይምኽባራ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ኣሰልጣኒኣ ኣብቲ መኽፈቲ ጸወታ ምስተን ቀዳሞት ተጻወትቲ ከም ዘይትስልፍ ስለዝሓብራ፡ ነቲ ጸወታ ራሕሪሓ ሻንጣኣ ጠርኒፋ ካብቲ ሜዳ ወጽያ፡ ብኩራት ናይ ራጃ ዘስዓቦ፡ ህንዲ ነቲ ክትከስብሉ ዝነበራ ጸወታ ክትዕወተሉ ኣይከኣለትን፡ ኣብ ዝቐጸለ ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ተሳዒራ ካብ ጸወታ ክትግለፍ ክኢላ።

እታ ን 15 ዓመት ንሃገራዊት ጋንታ ዝተሰለፈት ሚታሊ ራጅ፡ ብዝፈጸመቶ ጥሕሰት ትእዛዝ ኣሰልጣኒ ዋላ ራምሽ ፓወር ብኻልእ ኣሰልጣኒ ምስ ተተከአ'ውን ዳግማይ ክትምረጽ ኣይክኣለትን።

ሰሪና ዊልያምስ ዩኤስ ኦፕን 2018

ኣብ 2018 ዩኤስ ኦፕን እናተኻየደ እንከሎ፡ ሰሬና ዊልያምን ናኦሚ ኦሳካን፡ ሰሬና ብኣሰልጣኒኣ ዝተውሃባ ትእዛዝ ክትቅበል ብዘይምኽኣላን ብምጽራፋን መዛረቢት ኮይና ነይራ እያ።

ጅያን ኣለሲ ኣብ 'ኣውስትራልያን ግራንድ ፕሪክስ 1997'

ሓደ ሓደ ግዜ መን'ዩ ቅኑዕ መን'ዩ ዘይቅኑዕ ዘሎ ክትፈርድ ዘኸብደሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ግን ኣፍ ልብኻ ነፊሕካ 'እገለ'ዩ ተጋግዩ' ኢልካ ፍርዲ ክትህብ ኣይትሽገርን።

ንኣብነት ኣብ 1997 ኣብ ናይ ኣውስትራልያን ግራንድ ፕሪክስ ውድድር መኪና ፎርሙላ ዋን፡ ጅያን ኣሌክስ ሻምናይ ኮይኑ እኳ ውድድሩ እንተጅመረ፡ ጽቡቕ ስለዝዘወረ ግን ክሽለም ተኽእሎ ነይርዎ፡ ብኣሰልጣኒኡ ናይ ነዳዲ ምላእ ምልክት ተገይርሉ ክንሱ፡ ነቶም ነዳዲ ክመልእሉ ተዳልዮም ዝነበሩ ጉጅልኡ ጥሒስዎም ከይዱ።

ኣብ ካልኣይ ዙር'ውን ናይ ባንዴራ ምልክት እኳ እንተሃብዎ ደው ክብል ኣይከኣለን፡ ግን ከኣ ኣብ ሞንጎ ውደድር ካብቲ ናይ ነዳዲ መምልኢ ኣብ ሓዲግ ቦታ ነዳዲ ወዲኡ ካብ ጸወታ ተኣለየ።

ፓውላ ራድክሊፍ ኣብ ዓለምልኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክ

ኣብ ሞንጎ ኣሰልጣንን ተጻዋታይን ዝህሉ ርክብ ምስ ዝሕርፍፍ፡ እሞ ድማ ኣሰልጣንን ተጻዋቲትን ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ዝኾኑ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

ብርጣንያዊት ጎያይት ናይ 10000 ሜትሮ ፓውላ ራድክሊፍ ብብዓል ቤታ እያ ትስልጥን።

ኣብቲ ኣብ 2001 ኣብ ኢድሜንቶን ዝካየድ ዝነበረ ውድድር ከኣ ኣብ ሞንጎ ውድድር ቴክኒካዊ ምኽርታት ይልግሰላ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብቲ ውድድር ብኢትዮጵያዊት ድራርቱ ቱሉ፡ ብርሃኔ ኣደሬን ጌጤ ዋሚን ተቐዲማ መዳልያ ክትረክብ ኣይክኣለትን።

ኣሰልጣኒኣን ብዓል ቤታን ግረይ ላፍን፡ ገና ምስ ንብዓታ እንከላ'ዩ ክቋየቋ ተራእዩ፡ ብዓልቲ ቤቱ ከኣ ደፊኣቶ፡ ኣሰልጣኒ ግረይ ላፍን ብቲ ዝገበሮ እኳ ይቅሬታ እንተሓተተ፡ ፓውላ ራድክሊፍ ግን እቲ ግዜ ጌጋይ ክንገረሉ ዝግብኣኒ እዋን ኣይነበረን ክትብል መሊሳ።