እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ 31 ዘይመንግስታዊ ትካላት ኲናትን ጥምየትን ትግራይ ከብቅዕ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፎም
ኣብ ትግራይ ኲናትን ጥምየትን ከብቅዕ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ብዝብል 31 ዘይመንግስታዊ ዓለም ለኻዊ ትካላት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ደብዳበ ጽሒፎም፡፡
እቶም ትካላት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ደው ክብልን ናብቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ህዝቢ ሓገዝ ከይበጽሕ ዝተገበረ ዕግታ ክለዓልን ሓቲቶም ኣለዉ፡፡
ካብቶም ድምጾም ዘስምዑ ትካላት ኣክሰስ ቡክስ፣ ኣልያንስ ፎር ፒስ ብዩልዲንግ፣ ኣሴስየሽን ኦፍ ከንሰርንድ ኣፍሪካ ስኮላርስ፣ ሲቨል ሶሳይቲ ኣክሽን ኮሚቴ፣ ኢጁኬተርስ ኢንስቲትዩት ፎር ሂውማን ራይተስ፣ ኢትዮጵያን ኮሚዩኒቲ ደቭሎፕመንት ካውንስልን ከም ዝርከቡዎም እቲ ኣብ ግሎባል ሴንተር ፎር ዘ ሪስፖንሲቢሊቲ ፕሮቴክት ዝተባህለ ድህረ ገጽ ዝወጽአ ደብዳበ የመልክት፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሓዊሱ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መድረኻትን፡ ኲናት ትግራይ ትኹረት ክገብረሉን ነቶም ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ብምስታፍ ነቲ ድሕሪ እቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1977 ዓ.ም ዝተራእየ ዝኸፈአን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ጥምየት ንምክልኻል ጻዕሪ ክገብርን ኣለዎ ኢሎም፡፡
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ሰላምን ድሕነትን ቀንዲ ዛዕበኦም ገይሮም ክውስድዎ ከም ዝግባእ እውን ኣመልኪቶም፡፡
ኣብቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕትን ጥምየትን ከም መሳርሒ ከም ዝውዓለን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላውን እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።
መንግስቲ ግን ኣብ ትግራይ ጥምየት ከም ዘየጋጠመን ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዘይተጠቐመሉን ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራእ ረድኤት ናብቲ ክልል ንከይበጽሕ ዕንቅፋት ኮይኖም ክብል ይኸስስ።
መንግስቲ ኣመሪካ ግን ገበናት ኲናት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ዘርኢ ምጥፋእን ተፈጺሙ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ምርመራ ክጅምር ተገዲዱ'ዩ።
ምርመራ ኣመሪካ ጎና ጎኒ እቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያን ዘካይድዎ ዘለዉ ምርመራ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡
እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምልሓኹ ነቶም ኣብ ርዋንዳ፣ ብሩንዲን ዳርፉርን ዝተርኣዩ ብሄር ዘዋርዱን ብጽልኣት ዝተመልኡን ተረኻት ዘዘክሩ ተግባራት ይፍጸሙ ብምህላዎም ማሕበራዊ ምትእስሳር እታ ሃገር ናይ ምብታኽ ሓደጋ ኣስዒቦም ምህላዎም እቲ ደብዳበ ኣጠንቂቑ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብቐንዱ እቶም ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ ናይ መራኸብን መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎታት ክምለሱን እቲ ዕግታ ክለዓልን ሓቲቱ፡፡
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ምስወጽኡ ባንኪታት ስለዝተዓጸዉ ነበርቲ ምግቢ ንምግዛእ ገንዘብ ከይረኽቡ ዕንቅፋት ኮይኑ፣ ንግዲ የለን፣ ነዳዲን ኤሌክትሪክን ብዘይምህላዉ ህይወት ከቢድ ገይሩዎ ኣሎ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ናብቲ ክልል ዘእትዉ ኩሎም መገዲታት ስለ ዝተዓጸዉ፡ ብሕታዊ ኣማራጺ መገዲ ዓፋር ክኽውን ገይሩዎ እዩ፡፡
እነተኾነ ሕዚ እውን እተን ናብቲ ክልል ረድኤት ሒዘን ዝኣትዋ መካይን ካብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥምየት ንምክልኻል የድሊ ዝበሎ 6 ምኢታዊት ጥራሕ እየን፡፡
ፋሚን አርሊ ዋርኒንግ ሲስተም ኔትወርክ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ናይ ምግቢ ሕጽረት ከም ዘጋጠሞ ዝገለጸ ኮይኑ እቲ ኣሃዝ ንኸቢድ ሕማምን ሞትን ዘቃልዕ ዓጸቦ ዘጋጠሞም ሰባት ዘጠቓለለ እዩ፡፡
እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ስዒቡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ዝተፈናቐለ ኮይኑ ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ፡፡
እቲ በቶም ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝተጽሓፈ ደብዳበ ነታ ሃገር ንምድሓን ክወሰዱ ዝግበኦም ኣርባዕተ ምፍትሒታት ኣቐሚጡ እዩ፡፡
ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ክትግበርን ኩሎም ሓይልታት ካብ ትግራይን ካብቲ ከባብን ክወጹ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘንበሮ ዕግታ ከልዕልን ኣብ ምጉዕዓዝ ሰብአዊ ሓገዝ ዝግበር ቢሮክራስያዊ ዕቅፋት ክውገድን ሓቲቱ፡፡
ኣብ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት፣ ካልኦት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕግታትን፡ ዓለም ለኻዊ ተቖጻጸርትን ዘይሻራዊ መርመርትን ክዋፈሩ ጸቕጢ ክግበርን ከም ህወሓት ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ዘካተተ ብሄራዊ ዘተ ከበረታትዑን እውን ጸዊዑ፡፡