እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀርመን ንሓላፊ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኤትዮጵያ ምሽላማ ቅኑዕ ኣይኮነን- ሂውማን ራይትስ ዎች
ዳይረክተር ሂውማን ራይትስ ዎች ምብራቕ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባደር፡ ናይ ጀርመን ኣፍሪቃ ፋውንዴሽን (ዲኤኤስ) ንዋና ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ (ዶ/ር) ንምሽላም ምውሳኑ ‘‘እዋን ዘይሓለወ ከምኡ እውን ግጉይ መልእኽቲ ዘሕልፍን’’ እዩ ክትብል ነቒፋ፡፡
ንሳ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ዝዕደሙ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ንምፍጣር ኣብ ዝተዳለወ መግለጺ እያ ነቲ ተቓውሞ ኣስሚዓ፡፡
‘‘ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት እንተዳኣ ኣእቲና፡ ዋላኳ ሓደ ሰብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ተወፋይነት ሕሉፍ ታሪኹ ዝምስክረሉ እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ሽልማት ምሃብ ግን ዝተጋገየ ዲፕሎማስያዊ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ’’ ኢላ፡፡
ብተወሳኺ ለቲሽያ ‘‘ግዳያት እዞም ጥሕሰታት ከምኡ እውን ካብቶም መጥቃዕቲታት ዝተረፉ ሰባት ነዞም ትካላት ፌደራል ኣይኣምንዎምን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ [ክልል] ኦሮምያ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘለዉ ግዳያት እቶም መጥቃዕቲታት ዝተረዳእናዮ ነገር፡ ኣብ ትካላት ፌደራል እምነት ከምዘይብሎም እዩ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡
ቅድም ክብል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝነበረ ሓደ ውልቀ ሰብ እውን ‘‘ጀርመን ኣብዚ እዋን ንሓደ ሓላፊ ትካል ፌደራል ከምዚ ዓይነት ሽልማት ንምሃብ ምውሳና ዝተጋገየ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ ዝኸውን’’ ኢሉ ነይሩ፡፡
እቲ ፋውንዴሽን ዶ/ር ዳኒኤል ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ንዝገበሮ ናይ ሙሉእ ህይወት ኣበርክቶ ዝለዓለ ሽልማት ክህቦ ከምዝወሰነ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ዶ/ር ዳኒኤል ካብቶም ዝቐረቡ 30 ሕጹያት ሙሉእ ድምጺ ብምርካብ ዝተመረጸ ኮይኑ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሕዳር እዩ ሽልማቱ ክቕበል፡፡
ሂውማን ራይትስ ዎች: ‘‘ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ክሳብ ሕዚ ዝቐጸሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ርእዩ ከምዘይረኣየ ክሓልፍ የብሉን፤ ከምኡ እውን መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበርዎ ዘይቀጥታዊ ክባ ከልዕሉ ከተሓሳስብ ይግባእ’’ ክብል ሓቲቱ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከተሓሳስብ ይግባእ ኢሉ፡፡
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝበጽሑ ዘለዉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ደው ክብሉ ጸቕጢ ክገብር ይግባእ ዝበለት ላቲሽያ ባደር፡ ፐረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኣባሳንጆ ዝመርሖ ወኪል ቤት ጽሕፈት ምብራቕ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ተሓታትነት ትኹረት ዝገበረ ስራሕ ክሰርሕ ተማሕጺና፡፡
ሓላፊት ተሓላቕነት ኣፍሪቃ ሂውማን ራይትስ ዎች ካሪን ካኔዛ ናንቱሊያ ብወገና: ‘‘ሕብረት ኣፍሪቃ ከምቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዝካየድ በዓል ሲመት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበሉ ዲፕሎማስያዊ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ከጀምር ጸቕጢ ክፈጥር ይግበኦ፡፡ ቅድሚ ኹሉ ግን ብዛዕባ ፍትሒ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነትን ብግልጺ ወጺኡ ክኹንን ንሓትት’’ ክትብል ጠሊባ፡፡