ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብኸመይ እዩ ነቲ ኵናት መሪሕዎ?

    • Author, ብ ፋሩክ ኮቺያ
    • Role, ቢቢሲ ኒውስ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣንጻር እቶም ክዓልውዎ ዝተበገሱ ሓይልታት ትግራይ ንምግጣም ናብ ግምባር ብምኻድ፡ ንተዘክሮ እቶም ኣብ ግንባር ከይዶም ኵናት ዝመርሑ ዝነበሩ ነገስታትን ሃጸያትን ኣልዒሉ።

ብ2019 መበል 100 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ብዝገርም ኩነታት፡ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ፡ ፎቃዶ ኣኽራናትን ጫካታትን መነጽር ዓውደ ሜዳ (ኪሻፋ) ገይሩን ምስ መራሕቲ ወተሃደራት ኣኼባ እናካየደን ብቪድዮን ስእልን ተቐዲሑ ኣብ ሚድያ ቀሪቡ።

"ኣቱም ብታሪኽ ክትዝከሩን ክትክበሩን እትደልዩ ደቂ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ምእንቲ ሃገርኩም ተላዓሉ'ሞ ኣብ ቅድመ ግንባር ንራኸብ" ኢሉ ።

ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ናይ ኦስሎ ዩኒቨርስቲ ብዛዕባ ጎንጺ መጽናዕቲ ዘካይድን ዝምህርን ፕሮፌሰር ሼቲል ትሮንቮል፡ እዚ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ውሳነ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምዝደፍኦ ኣየጠራጥርን እዩ ይብል።

"እቲ ስእልታት፡ ኣብ ከባቢ እቲ ግንባር እምበር ኣብቲ ቐንዲ ዓውደ ውግእ ከምዘይቀረበ ዝሕብር እኳ እንተዀነ፡ እቲ ውሳነ [ዶክተር ኣብዪ] ግን ትርጉም ነይሩዎ" ይብል ።

"[ተበግሶ ኣብዪ] ሞራል ጀነራላቱ ክብ ኣብ ምባልን፡ ሃገራውነት ኢትዮጵያ ንምብርባርን ሓጊዙ እዩ። ከም ሃይለ ገብረስላሴ ዝኣመሰሉ ሃገራውያን ጀጋኑ ነቲ ውግእ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ናብ ሰራዊትን ክጽንበሩን ምስ ሚሊሻታት ኣምሓራን [ሕብረተሰብ] ንክስለፉን ሓጊዙ እዩ"።

መጥቃዕቲ ድሮን

ንህወሓት ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ኣጋጢሙዎም። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ከባቢ እታ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 130 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደብረ ብርሃን እዮም ኔሮም። ካብቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኪ.ሜ. ናብ ከባቢ ወልድያ ንክምለሱ ተገዲዶም። እዚ ማለት ከኣ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ፈደራል መንግስቲ ናብ ዝርከበሉ ማእከል ስልጣን ዝወስድ ኣገደስቲ ከተማታት ተደፊኦም ማለት እዩ ።

ፕሮፌሰር ትሮንቮል ከምዝብሎ፡ ዶክተር ኣብዪ ሰራዊቱ ኣብ መሬት ክኣኻኽብ እንከሎ፡ ካብ ቻይና፡ ቱርኪን ኢራንን ከም ዝመጽኣ ዝንገረለን ድሮናት ከኣ ኣብቲ ዓውደ ውግእ ስለዝተሳተፋ ንሓይልታት ትግራይ ንከንሳሕቡ ደፊአኖኦም።

"ናይ ቻይና ዊንግ ሎንግ ቱ ተባሂለን ዝጸወዓ ድሮናት ናብ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ኣጋር ወተሃደራትን ከይተረፈ ቦምባታት ከም ዘዝንባ ተረጋጊጹ'ዩ" ይብል ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኣብዪ፡ ነቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ንኺግበር ዝገብረኦ ዝነበራ ጸቕጢ ብምንጻግ ንምዕራባውያን ሓይልታት ከም መሻርኽቲ ወያነ ኣምሲሉ ኣቕሪቡዎም፣ እዚ ርእይቶ እዚ፡ ብበኣል ኣትለት ገብረስላሴ እውን ክግለጽ ተሰሚዑ'ዩ።

"ዒራቕ፡ ሶርያ፡ የመንን ሊብያን ብኸመይ ከም ዝዓነዋ ርኢና ኢና። ስለዚ ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ንምዝራግ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ፡ ኣብ ልዕሊኦም ክባራዕ ይኽእል እዩ" ኢሉ ።

ብምስዓብ "ንዘመናት ዝኣክል ኣንጻር መግዛእቲ ክንቃለስ ስለዝጸናሕና ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይድግፉና ከም ዘለዉ ይኣምን እየ" ኢሉ ።

ፕሮፈሰር ትሮንቮል፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣንጻር ምዕራብ ርእይቶ ንዘለዎም መንግስታት ኣፍሪቃ ንምኽሳብ ከምኡ ዓይነት ቃና ይጥቀም ነይሩ ይብል። "ኣብ ምጅማር እቲ ውግእ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንህወሓት ጁንታ ኢሉ ብምጽዋዕ ኣብ ልዕሊኦም ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባራት ይፍጽም ከም ዝነበረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

"ድሕሪኡ ግን ኣፍሪቃዊ ተረኽ ብምስጓምን ንህወሓት ከም ናይ ሃጸያውያን ሓይልታት ልኡኻት ኣምሲሉ ብምቕራብን፡ ከም ነገስታት ኢትዮጵያ ንክብርን ዝናን እታ ሃገር ከም ዝቃለስ ክገልጽ ጀሚሩ"።

ህቡብነት ንምዕባይ

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ነቲ ንስልጣኑ ዝተፈታተነ ኩነትን ብ1896 ብሰራዊት ዳግማዊ ሃጸይ ምኒሊክ፡ (መስራቲ ዘመናዊት ኢትዮጵያ) ኣብ ዓድዋ እተሳዕረ ወራር ኢጣልያን ብተመሳሳልነት ክገልጾ ፈቲኑ።

"ዝኸበርኩም ኣብ ውሽጥን ግዳምን (ዲያስፖራ) እትርከቡ ደቂ ሃገረይ፡ ንዓለም ሓቂ ኣብ ምንጋር ዘለኩም ግደ ዝነኣድ እዩ። ብሓድነት ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ብዝርከቡ ሓይልታት ንህዝብና ዘጋጥሞ ተጻብኦ፡ ከም ደቂ ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ብኒሕ ክንቃለሶ ኢና" ክብል ትዊት ገይሩ ነይሩ።

ህወሓት ኣብ 1991 [ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝጨበጠ ደባይ ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ኣብ 2018፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመጽእ ከኣ ንመንግስትነት ኢትዮጵያ ዓብሊሉዎ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ናብቲ ጽኑዕ ዕርድታተይ ዝብሎ ትግራይ ስሒቡ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ምስ ዝገበሮ ዝነበረ ጽገናታት ክሰማማዕ ኣይከኣለን።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ተንታኒ-ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሳይድ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ገስገሱ ስልጣኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ዝጀመረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣህመድ፡ ተቐባልነቱ ንምምላስ ናብ ቅድመ ግንባር ብምኻድ ንህቡብነቱ ክዕቅቦ ክኢሉ። ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ክብሪ ከምዝረኸበ እውን ገሊጹ።

"ካብ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ግንባር ብምኻዱ፡ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ ምእንቲ ኢትዮጵያ ክመውት ድሉው ከም ዝዀነ ዘርኢ መልእኽቲ ሰዲዱ" ይብል ።

"ብታሪኽ ነገስታት ኢትዮጵያ እምብዛ ምሱጥ እዩ። ሓደ እዋን ወላዲቱ ሻብዓይ ንጉስ ከም ዝኸውን ከም እተነበየትሉ ንሰማዕቱ ነጊሩዎም። ነገስታት ንሰራዊቶም ናብ ውግእ ይመርሑ ስለዝነበሩ ንሱ እውን ተመሳሳሊ ነገር ይገብር ኣሎ።"

ፕሮፈሰር ትሮንቮል ከምዝብሎ ግና፡ ኣብዪ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ካብ ዝኾነ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ፤ እቲ ዝተዋህቦ ሽልማት ኣብ 2019 ምስ ኤርትራ ዝነበረ ተጻብኦታት ደው ብምባሉን ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት መንግስታዊ ወጸዓታት ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ለውጥታት ብምትእትታዉን እዩ።

"ባራክ ኦባማ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ኰነ ናይ ሰላም ሽልማት ተዋሂቡ፤ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብድሮን ዝተሓገዘ ከቢድ ውግእ ኣካዪዱ። ግን ካኣ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ እዩ ኣካይድዎ። ሚስተር ኣቢዪ ግን ናብ ቅድመ ግንባር ዝኸደ ብሕታዊ 'ተዓዋቲ ሰላም' እዩ "ኢሉ ።

ኵናት ኣብ ቀንዲ መስመር

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ፈለማ፡ ኣብ መወዳታ ወርሒ ሕዳር ናብ ምብራቓዊ ግምባር ከይዱ። ኣብኡ ካብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ፍሉያት ሓይልታትን ሚሊሻታት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዶም ጸኒሖም።

"ዓፋር መዳውብትን ጎረቤትን ህዝቢ ትግራይ እዮም። ህዝቢ ዓፋር ከም ተዋጋእቲ እዮም ዝቝጸሩ። ዳርጋ ኵሉ ወዲ ዓፋር ገና ወዲ 15 ዓመት ምስኮነ እዩ ብረት ዝዓጥቕ። [ደቂ ዓፋር] ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ብርቱዕ ተቓውሞ ኣለዓዒሎም እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ዓፋር ድማ ንፈለማ እዋን ኣብ ውግእ ተሳቲፈን " ይብል።

"ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ሰራዊት ትግራይ ካብ ኣኽራናቶም ወጺኦም ኣብ ክልል ዓፋር ብዝፈጸምዎ ግፍዒ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።"

ኣቶ ዓብዱራሕማን እዚ ውግእ፡ ነቲ ህወሓት ንዶባት ጅቡቲ ብምጽጋዕ ንወደብ ኣልባ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዘንቀደ ፈተነ ስለዝቐልበሶ ከም ነጥበ መቐይሮ እዩ ዝርእዮ።

"ሓይልታት ትግራይ ነቲ ናብ ዶብ ዘምርሕ መገዲ እንተ ዝቈጻጸሮ፡ ቊጠባ ኢትዮጵያ ምተሃስየ፣ ዝኾነ ይኹን ኣቕሓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣይምበጽሐን፣ በዚ ከኣ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ምዓበየ ነይሩ" ይብል።

ኣቶ ኣብዪ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ካብ ግንባር ቤት ጽሕፈቱ ተመሊሱ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ንዝርከብ ግዝኣታት ንከመልስ እንደገና ናብ ግንባር ተመሊሱ ኣሎ። ህወሓት ብወገኖም ነታ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ታሪኻዊት ቤተ-ክርስትያን ላሊበላ ሒዞምዋ ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ትሮንቮል፡ እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል እኳ እንተኸኣለ እቲ ዓለም ለኻዊ ምስሉ ግን ተበላሽዩ እዩ ይብል።

"ናይ ሓደ ተሻላሚ ኖቬል ሰላም ናይ መወዳእታ ዕላማ ሰላም ምርግጋጽ እዩ። ዶክተር ኣቢዪ ግን ነቲ ተዅሲ ደው ንኽብል ዝቐረበ ተደጋጋሚ ጻውዒት ነጺግዎ እዩ። ሰራዊቱ ድማ ብዙሕ ግፍዒ ፈጺሞም እዮም" ይብል።

ኣቶ ዓብዱራሕማን ግን ዶክተር ኣብዪ ከምቲ ህወሓት ብሓይሊ ካብ ስልጣን ክኣልዩዎ ዝወሰኑ ብዘይካ ምቅላስ ካልእ ምርጫ የብሉን በሃላይ እዩ።

"እዚ ውግእ እዚ ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ከም ዝጸንሕን ብኸመይ ከም ዘኽትምን ኣይንፈልጥን ኢና። ዶክተር ኣብዪ ግና ዝደፍኦ ከም ዘይብሉ ኣርእዩ" ይብል።