እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩኒቨርስቲ ወሎ ምሉእ ንምሉእ ስራሕ ንክጅምር ክሳብ ክልተ ዓመታት ክወስደሉ ከምዝኽእል ተገሊጹ
ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ ዕንወትን ዘመተን ከምዝተፈጸሞ ዝተዘርበሉ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኣድላይ ዝበሃል ጽገናን ምምላእ ኣቑሑትን ተማሊእሉ ናብ ስሩዕ ስራሕ ክኣቱ ዝኽእል ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ቐጽርታት ብዝበጽሐ ጉድኣት ምኽንያት ምምሃር ምስትምሃር ደው ዘበለ ዩኒቨርሲቲ ወሎ፤ መምሃሪ ክፍልታት፣ ቤተ ፈተነ፣ መደቀሲ ክፍልታትን ካልኦት ዕለታዊ ስራሕቲ ዘድልዩ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ምክትል ፕሬዝዳንት ዶክተረ ኣማረ ምትኩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ካምፓሳት ደሴን ኮምቦልቻን ብፍላይ ብሓይልታት ትግራይ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝርዝር ዘረደአ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፡ "ዝዓነዉ ህንጻታት ኣለዉ፣ መሳርሕታት ቤተ ፈተነ በከቢድ ደረጃ ተጎዲኦም እዮም፣ ዝዓነዉን ዝተሰርቁን'ውን ኣለዉ" ኢሉ።
ብዓቢ ወጻኢ ዝተስርሐ ዝበሎ መአከቢ ኣዳራሽን ናይ ምምህዳር ሕንጻን ከምዝዓነዉ ጠቂሱ፡ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህቡ ኮምፒተራትን ዝተሰርቁን ኣብ ዘለዉሉ ዝዓነዉን ኣለዉ ኢሉ።
እቶም ንብረታት እቲ ዩኒቨርሲቲ መሊስካ ንምትካእ "በቲ ሕዚ ዘሎ ዋጋ ዕዳጋ ዓሰርተ ቢልዮን ክበጽሕ ይኽእል" ክብል መጠን እቲ ጉድኣት ኣብሪሁ።
"ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብሓፈሻ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዳርጋ የለን ናብ ዝባሃል ደረጃ እዩ ወሪዱ" ኢሉ።
ዶ/ር አማረ ምትኩ ካብ መንግስቲ ድጋፍ እንድሕር ተረኺቡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ዝኣትወሉ ዕድል ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ሕዚ ብዘለዎ ብርኪ ግን እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኹሎም ተምሃሮ ተቐቢሉ ናብ ምምሃር ምስትምሃር ክኣቱ ከምዘይክእል ኣመልኪቱ።
እንተኾነ ዝተመርጹ ጽላታት ትምህርቲ ተምሃሮ ምቕባል ከምዝኽእሉን፡ ብፍላይ ድማ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስን ተመራቕቲ ተምሃሮን፣ ከምኡ'ውን ተምሃሮን ወርክሾፕን ላብራቶሪን ትምህርቶም ክቕጽሉ ከምዝግበር ወሲኹ ሓቢሩ።
ሶሻል ሳይንስ፣ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስ ዝኣመሰሉ ቤተ ፈተነ ዘይብሎም ክፍልታት ትምህርቲ ምጅማር ከምዝኽእሉ'ውን ገሊጹ።
"ንኣብነት ኣብያተ መጻሕፍቲ ዳሕና እዮም። መጻሕፍቲ'ውን ኣይተተንከፉን። ሃርድ ዲስክ ዝተሰርቆም ኮምፒተራት ብቐሊሉ ተኪእኻ፤ ብዝተወሰነ ደረጃ ናብ ስራሕ ምእታው ይከኣል እዩ" ኢሉ።
መሕደሪ ክፍልታት ድማ፡ ዓራውቲ ከምዘለዉ እንተኾነ እቶም ፍርናሻት ከምዝተወስዱን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ተዘራሪብካ ምትካእ ከምዝከኣልን ተዛሪቡ።
ብምስዓብ "ከምኡ እንተዘይገይርና፡ ኩሉ ተጸጊኑ ናብ ዝነበሮ ክሳብ ዝምለስ እንተተጸቢና ካብ ዓመት ክሳብ ክልተ ዓመት ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል" ስግኣቱ ገሊጹ።
ዛጊድ ትምህርቲ ብዛዕባ ምጅማር ብዝምልከት ብወግዒ ከምዘይተወሰነ፡ እንተኾነ ብውሱን መልክዑ ምጅማር ከምዝከኣል ገሊጹ።
"በቲ ዕንወት ዳርጋ ዘይተተተንከፈ ክፍሊ ትምህርቲ የለን" ዝብል ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ፡ ቤት ጽሕፈት ክልተ ኮሌጃት'ውን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነውን መሰትያቱ ከምዝተሰባበረን ኣረዲኡ።
ሓይልታት ትግራይ ነቶም ቀጽርታት እቶም ዩኒቨርሲቲ ማእከላት መአዘዝን መሰልጠንን ከምዝገበርዎም ይገልጽ።
"ካምፓስ ኮምቦልቻ ማእከል ስልጠና እዮም ገይሮምዎ ነይሮም። ቀጽሪ ደሴ ድማ መአዘዚ መደብር ገይሮምዎ ነይሮም፤ መአከቢ ቦተኦም'ውን እዩ ነይሩ" ኢሉ።
እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ ክስታት ዕንወት ኮነ ዘመተ ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።
ብኻልእ ገጽ፡ ብወገን መንግስቲ ድማ፡ ዒላማታት ድሮን ዝኾኑ ህንጻታት ከምዘለዉ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣረዲኡ። ዝበዝሐ እቲ ጉድኣት ግና ብሓይልታት ትግራይ እዩ በጺሑ ይብል።
ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኮነ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝተቐትሉ ሰባት ከምዝተረኽቡን ብነበርቲ ክቕበሩ ከምዝተገብረን ዶ/ር አማረ ምትኩ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዘሎን ኲናት ተራጸምቲ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ክስታት ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቅርበሎም ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሰለስቲኦም ክልላት ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዝርከብ ኮይኑ፤ ልዕሊ 9 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮምዎ ኣብ ዝጸንሑ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብጽሑ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምዝራባ ይዝከር።