መቐለ-ትግራይ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዳግመ ምርግጋእ ሰላም ኢትዮጵያ

ሰላም ሃገረ ኢትዮጵያ ተዘሪጉ፡ ብሰንኩ ሚልዮናት ተፈናቒሎም፤ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንዋትን እውን ዕንወት ወሪዱ። ዝተበትዐ ሰላም እታ ሃገር ዳግም ክረግእ እንተዀይኑ፡ እንታይ እዩ ክማላእ ዝግበኦ? ዝብል ሕቶ እዋናዊ ጥራሕ እንተይኰነስ ጉዳይ ህይወት እውን እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንምዝታይ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ተበግሶ ወሲዱ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ሓደ ዋዕላ ኣቃኒዑ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ሆቴል ኣኽሱም ዝተቓነዐ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ካብ 18 ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብነብሲወከፍ ክልተ ሊቃውንቲ ተዓዲሞም።

ሰበስልጣናት መንግስታት ክልልን ፌደራልን፣ ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸብቲን ኣባላት ከባብያዊ ትካላትን ኣብቲ ዋዕላ ተዛትዮም።

እቲ ዋዕላ፡ ኮለጅ ሕግን ስነ መንግስትን መቐለ ዩኒቨርሲቲ ምስ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ብሓባር'ዮም ኣካይደሞ።

ሃገራዊ ቁጠባ ካበይ ናበይ የብል'ሎ? ተበቲዑ ዝፀነሐ ሰላም ንቑጠባ እታ ሃገር ብኸመይ ፀልይዎ? ሃገራዊ ቁጠባ ተመሊሱ ብኸመይ ዋሕስ ሰላም ክኸውን ይኽእል? ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከ ኣብ ምርጋእ ሃገራዊ ሰላም እንታይ ኣበርክቶ ይህልዎ? ዝብሉ ዛዕባታት ተልዒሎም።

ብዘይካ'ዚ ፡ ከባብያዊ ትካላት ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን ግደ፤ ምሕደራ፣ ስርዓት ፈዴራሊዝምን ህንፀት መንግስትን ኣብ ምርጋእ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህልዎም ኣበርክቶ ከመይ ይግምገም? ሃገራዊ ድሕነትን ፀጥታን ብኸመይ ይህነፅ? ፆታን ሰላምን ከ ብኸምይ ይፀላሎ? ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት'ውን መበገሲ መጽናዕቲ ቀሪቡሎም ዘተ ተኻይዱሎም'ዩ።

ኣባል መስረትቲን ኣመራርሓን ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ መምህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት ረዚንን ዝያዳ ጦብላሕታ ዝፈጠረሉ ገለ ይፀርሕ።

"እቶም ከም ፈደራሊዝም፣ ኣፈታትሓ ጐንፅን ፆታን ዝኣመሰሉ ርእሰ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ተዘሪብሎም እዩ። ንዓይ ኣዐርዩ ጦብላሕታ ዝፈጠረለይ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ተደሪኹ ዝተኻየደ ዘተ እዩ። ፖለቲካዊ መደባት ዝፍፀሙ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ምጣነ ሃብቲ እዩ" ኢሎም።

"ሃገራዊ ምጣነ ሃብቲ ደው ዝበለሉን እናቈልቈለ ዝኸደሉ ኩነታት ከምዘሎ እሞ 'ፖለቲካዊ ዘተ ኣበይ ተተርኢስና ኢና ክነካይዶ' ዝብል መለቈሚ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ረኺበዮ። እቶም ምሁራት ስነ ቁጠባ፡ ሰላምን ምጣነ ሃብትን ከምዘይነፃፀል እዮም ትንታነ ሂቦምሉ" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

"ሰላም ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ሃገራዊ ቁጠባ ኣይህልውን፤ ሃገራዊ ቁጠባ ኣብ ዘይተሃነፀሉ ባይታ እውን ሰላም ኣይህልውን። ምኽንያቱ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ጠንቂ ስእነት ሰላም ይኸውን እዩ። ጎንፂ ኣብ ዘለወሉ ዓዲ ድማ ልምዓት ኣይካየድን፤ ስለ'ዚ እዚኦም፡ ክልተ ገፃት ሓንቲ ሳንቲም እዮም" ብምባል ርዝነት እቲ ተዛምዶ ኣረዲኡ።

ወይዘሮ ሃደራ ባህታ ኣብ ሽወደን እየን ዝነበራ። ኣብ መረበት ዓደን ክሰርሓ ኣንቂደን ሃርኮትኰት ይብላ ኣለዋ። ኣብቲ ዋዕላ ናይ ምስታፍ ዕድል ረኺበን ድማ ዘትየን።

"ዕድልና ክነፀብቕ እንተደሊና ክንሰማማዕ ኣለና። ኣብ ሓደ ስድራ ዝነብሩ ሰለስተ ኣሕዋት ዝተፈላለየ ሓሳብ ክህልዎም ይኽእል። ነታ ገዛ ግን ኣየፍርስዋን። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ፍልልይ ሓሳብ ክህልው ይኽእል እዩ። ግን ነታ ሃገር ከፍርስዋ የብሎምን" እንትብላ መሲለን ተዛረባ።

ብሳላ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝፀነሐ ሰላም፡ ሃገር ኣብ መንገዲ ዕብየት ሰለይ ክትብል ምጽንሓ ይዝረብ። ካብ ክልተ ዓመት ንነዘ ግና ሰላማዊ ባይታ ተዘሪጉ።

ህዝብታት ኣብ ዓዶም ተመዛበልቲ ኰይኖም፣ ጐንፅን ሓደጋን ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ፣ መራሕቲ ኣብ መረባ ገዛውቶም ዝቕንፀልሉ ክስተት ብጋህዲ ተራእዩ።

ኣብ 2011 ዓ.ም ብዝተፈጠሩ ጎንጽታት

  • 1229 ሰባት ተቐቲሎም
  • ልዕሊ 1393 ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት እንትበጽሖም፡ ኣብ ልዕሊ 19 ሰባት ፈተነ ቕትለት ተኻይዱ
  • ልዕሊ 2.2 ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት ዓንዩ
  • ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም

እቲ ከይነቅዕ ብጥንቃቐ ተታሒዙ ዝነበረ መንደቕ ሰላም፡ ክግማዕ ምስ ጀመረ ስእነት ሰላም ሕማም ርእሲ ሃገር ኰነ። ሰላም ግዳም ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዓይነ መርፍኡ ጠፊኡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም እንኮ ፍታሕ ተወሲዱ ዘሎ ዘተን ኢህንምሂን ምብህሃልን እዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ መንጐ ዝተሳተፉ ኣባል መስረቲትን ኣመራርሓን ውድብ ሳልሳይ ወያነ፡ ኣይተ ዓብለሎም መለስ ብወገኑ ከምዚ ኢሉ።

"ጠንቂታት ምዝራግ ሃገራዊ ሰላም ብዝርዝር ብምቕራቦም፡ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ንምርእዳን መፍትሒ ንምንዳይን እሞ ድማ ብውዳበ ደረጃ 'ኣብዚ መዳይ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና' ንምባል ትርንዕ ዝበሉ መበገሲ ጭብጥታት ተረኺቦም ኣለዉ ዝብል እምነት ኣለኒ።

"ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣሰራርሓ ዘምፅኦ ዘሎን ከምፅኦ ዝኽእልን ሓደጋ ብጣዕሚ መደንገፅን መፍርሕን እዩ" እንትብል ፍሉይ ጦብላሕታ ዝፈጠረሎም ዛዕባ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ነቲ ተበግሶ ዝወሰደ መቐለ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ኣብ መቐለ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ፍርያት ተረኺብሉ እዩ ኢሉ ይኣምን።

ሓላፊ ኮለጅ ሕግን ስነ መንግስትን ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ ኣይተ ሸዊት ገብረእግዝኣብሔር፡ ኣብቲ ዘተ ንዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ዝወከሉ ተሳተፍቲ ብምንባሮም፡ እቲ ሓሳብን ምርድዳእን ብወከልቲ ኣቢሉ ናብ ባይታ ክወርድ ተኽእሎ ምህላው ገሊፁ።

"እቲ ዕላማ፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ውዳበትታን ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም፡ ኣብ ሓበራዊ ሃገራዊ ዛዕባ ሰላም ክዝትዩ መድረኽ ምፍጣር እዩ ነይሩ" ኢሉ ኣይተ ሸዊት።