እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብዝተፈጥሩ ጎንፅታት 1229 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት፡ ካልኦት ልዕሊ 1393 ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት እንትበጽሖም፡ ኣብ ልዕሊ 19 ሰባት ፈተነ ቕትለት ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።
እቲ ቤትጽሕፈት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቶም ጎንጽታት ምክንያት ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ከምኡ'ውን፡ ምዕናው ንብረትን ምምዝባል ዜጋታትን ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ዳይሬክረቶሬት ገበናት ስግረ-ዶብ እቲ ዓቓቢ ሕጊ፤ ኣይተ ፍቃዱ ጸጋ፡ ነቶም ጎንጽታት ኣለዓዒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 1300 ሰባት ክሲ ከም ዝተመስረቶም ድማ ሓቢሩ።
በዞም ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ናይ ዝኣተው ልዕሊ 645 ጥርጡራት፡ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይረአ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ 10 ጥርጡራት ብምሕራት ካብ ክሲ ነጻ ከም ዝተገብሩ ገሊጹ።
ፍርቂ እዞም ጥርጡራት ግን ኣብ ዘየለውሉ'ዩ ክሲ ተመስሪቱሎም ዘሎ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ከም ዝብሎ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ጃዊን ዞባ መተከልን፣ ጎንደርን ከባቢኡን ብዝተፈጠረ ዕግርግር ከምኡ'ውን ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሸዋ፤ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ከማሻ ዝርከባ ወረዳታትን ጎረባብቲ እዚ ከባቢ ዝኾና ምብራቕን ምዕራብን ወለጋ ንዝተፈጥሩ ጎንጽታት፡ ብሓፈሻ 1647 ጥርጡራት ተነጺሮም'ዮም።
ነዚኦም፡ ኣድላዪ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ብምእካብ፡ ክሳብ ሕዚ 185 ጥርጡራት ከም ዝተትሓዙ ብምግላጽ፡ እቶም ዝተረፉ ጥርጡራት ንምሓዝ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
በዞም ጎንፅታት፡ ልዕሊ 2.2 ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት ከም ዝዓነወ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓፈሻ፡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ካብ ዓለም ብቑጽሪ ተመዛበልቲ ንሶርያ በሊጻ ቀዳመይቲ ኮይና ከምዝተሰርዓትን ይፍለጥ።