እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ናይሮቢ ናይ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ሰልፊ ኣካዪዶም
ኣብ ናይሮቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣካል ናይ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ (No more) ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።
እቲ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብኣባላት ማሕበረኮም ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኬንያን ማሕበር ሕውነት ኢትዮ-ኬንያን ዝተወደበ ምዃኑ ተገሊጹ።
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ይኣትዋ ኣለዋ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት እቲ ምትእትታው ደው ክብል ጸዊዖም። ኢትዮጵያ ኣብ መግዛእቲ ኣትያ ዘይትፈልጥ ሃገር ከም ምዃና ነዚ ኣተሓሳስባ ሕጂ’ውን ከምዘይትቕበሎ ሓቢሮም።
ኣብቲ ሰልፊ ብዘይካ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዜጋታት ሱዳን ከምኡ’ውን ሶማልያ ናይ ሃገራቶም ባንዴራ ብምሓዝ ነቲ ምንቅስቓስ ድጋፎም ገሊጾም።
ንሕውነት ኢትዮ-ኬንያ ወኪሉ መደረ ዘስምዐ ተወካሊ “ቅድሚ ኬንያዊ ምዃነይ ኣፍሪቃዊ እየ፤ ኣፍሪቃውነተይ ምስ ዝኽበር ኬንያውነተይ ክብሪ ይረክብ፤ ስለዚ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍሪቃ ስለዝኾነ ክብርና ንምሕላው ኩላትና ንምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ተጸምቢርና ኣሎና” ኢሉ።
ወከልቲ ኤርትራን ሶማልያን’ውን ተመሳሳሊ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝግበር ከምዝኾነ ብምጥቃስ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ደገ ጸቕጢ ብሓባር ምክልኻል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን “ንሕና ሃገርና እንብሎ ካልእ ሃገር ስለዘይብልና ሃገርና ከምእትኽበር ምግባር ናይ ግድን እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝርከቦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዚ ቅንያት ክደጋግምዎ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ክህልዋ ይግባእ ዝብል ጉዳይ’ውን ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝተደጋገሙ ሓሳባት እዩ ነይሩ።
ሕጂ ኢትዮጵያ ገጢምዋ ኣሎ ዝበልዎ ምትእትታው፡ ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ስለዘይብላ ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ሰልፈኛታት፡ ቀጻሊ ዕጫ ኣፍሪቃ ንምውሳን እዚ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ክረክብ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብቲ መደብ ተረኺቡ ቃል ዘስምዐ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም “እዚ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተነብረ ዘየድሊ እገዳ ደው ንምባልን ኣብቲ ብምርጫ ዝቖመ ሕጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ጸቕጢ ናይ ምቅዋም ሓላፍነት ኣለዎ” ኢሉ።
ካልእ እቲ ኣምባሳደር ዘልዓሎ ጉዳይ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኣረኣእያ ዝምልከት ኮይኑ፤ “ጋዜጠኝነት ክቡር ሞያ እዩ፤ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኩነታት ግና ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ንምሽባር፡ ናይ ኢትዮጵያ ክብሪ ንምንእኣስን ነቲ መንግስቲ ንምጽላምን ተጠቒሞምሉ ኣለው” ኢሉ።
ግጉይ ሓበሬታ ብዘይምዝርጋሕ ነቲ ጉድኣት ምጉዳል ከምዝግባእ’ውን ኣዘኻኺሩ።
ኢትዮጵያ ከምቲ ብማእከናት ዜና ዝበሃለላ ከምዘይኮነት ንምርኣይ ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክመጹ ዝተገብረ ጻውዒት ናይዚ መርኣዪ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ናይሮቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ነቲ ጻውዒት ክቕበልዎ ዓዲሙ።
ኬንያ፡ ኢትዮጵያውያን ከም ሃገሮም ክነብሩ ብዘይካ ምግባራ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መርገጺ ብምድጋፋ ኣመስጊኑ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ብምዕራባውያን ዝግበር ጸቕጢ ንምቅዋም ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ይካየድ ኣሎ።
ብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ዝብል ዝቐርበሎም ኮይኑ፡ መንግስቲ ናብቲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ዝርከበሉ ክልል ትግራይ ረድኤት ከምቲ ዝድለ ከይበጽሕ ክልከላታት ይገብር ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ይኸስስ።