እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲፒጄ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንዝኣሰርዎም ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ብህፁፅ ክፈትሑ ፀዊዑ
ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስርሖም ንዝኣሰሮም ኩሎም ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመኩነት ብህፁፅ ክፈትሑ፡ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ፀዊዑ።
እቲ ትካል ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ንምእሳር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ምጥቃም ክትቁጠብ ድማ ኣገንዚቡ።
እታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ትእውጅ( 23 ጥቅምቲ 2014) ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ 14 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት፡ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ገሊፁ።
ካብ ሞንጎ እቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ኣገልግሎት ሬድዮ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ተኽለሃይማኖት ግርማይን መኮነን ይብራህን፣ መስራትን ኣርታዕን ኡበንቱ ተሌቬዥን ኢያስፔድ ተስፋየ፣ ናይ ኤፒ ናይ ቪድዮ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪራዮን በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን፣ ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ኣዲሱ ሙሉነህ፣ መስራትን ኣዳላውን ተራራ ኔትዎርክ ታምራት ነገራን መስራቲትን ሪፖርተርን ሮሃ ሚድያ መዓዛ መሓመድን ይርከብዎም።
ሲፒጄ ቅድም ክብል ኣብ እዋን እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካልኦት ሽድሽተ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ መዝጊቡ’ዩ።
ኣብ ዓለም ለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ወኪል ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ሙተኪ ማሞ፡ “ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ፀጥታ መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ክፍፅሙ ዕድል ዝህብ’ዩ። ከምኡ’ውን ሕጋዊ መስርሓት ክቋረፅ ዝገብር፣ ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ ዝኽልክልን ንፕረስ ዘፍርሕ መልእኽቲ ዘመሓላልፍን’ዩ” ኢላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስርሖም ንዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ሙሉእ ብሙሉእ ክፈትሕን፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ከም ምኽኒት ብምጥቃም ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ መሰል ከይጠሓስን ድማ ፀዊዓ።
ሲፒጄ፡ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ተኽለሃይማኖት ግርማይን መኮንን ይብራህን፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ፖሊስ ናብ ገዝኦም መፅዩ ከምዝኣሰሮም፡ ካብ ኣዝማዶም፣ መሓዙቶምን መስራሕቶምን ከምዝፈለጠ ገሊፁ።
ጋዜጠኛ መኮንንን ተኽለሃይማኖትን ስነ ምግባር እቲ ሚድያ ጥሒሶም ብዝብል ካብቲ ትካል ከምዝተባረሩ፡ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣዝማዶምን ከምዝተረድአ ሲፔጄ ሓቢሩ።
ሲፒጄ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት መኮንንን ተኽለሃይማኖትን ብሓለፍቲ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዝቐረበ ክሲ ተዓዚቡ እዩ።
ሰብመዚ እቲ ትካል፡ ንጋዜጠኛ መኮንን “ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ጉንበት ዝሰርሖም መደባት ኢዲቶርያል ፍቓድ ዘይረኸቡን ንህወሓት ዝድግፉን” ብምባል ከሲሰሞ።
ንጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖት ድማ ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ነሓሰ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ መንግስቲ ትካላት ንግዲ ተወለድቲ ትግራይ ይዕሽግ ከምዘሎ መደብ ምስርሑ ስዒቡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
ሲፒጄ ኣብቲ ዝተዓዘቦ መረዳእታ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፡ እቶም መደባት “ብተዘዋዋሪ” ንህወሓት ዝሕግዙ ምዃኖም ምዝራቦም ገሊፁ።
ሲፒጄ ናይቶም ብጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖት ዝተሰርሑ መደባት ቅዳሕ ብዘይምርካቡ ክግምግም ከምዘይከኣለ’ውን ሓቢሩ።
ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ፡ ካብ ኢቢሲ፡ ብስልኪ፣ ኢመይልን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ድህረ ገፃትን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ’ውን ኣይሰመረን።
ዋና ዳይሬክተር በዓልስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ መሓመድ ኢድሪስ፡ ናብ ሲፒጄ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኢቢሲ ምስ ስርሖም ከምዘይዛመድን፡ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብዛዘመድ “ምስ ጥንቃቐን ስጉምትታት ድሕንነትን” ክኾን ከምዝኽእል ኣአንፊቱ።
ሲፒጄ ዘዘራረቦም ዘመድን መሳርሕትን እቶም ጋዜጠኛታት ግና፡ ጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖትን መኮንን ካብ ስራሕ ክባረሩ ብዝገበርዎም መደባትን ተወልድቲ ትግራይ ብምዃኖምን ከምዝተኣሰሩ ገሊፆም።
ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ካብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ምስተሰጎጉ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሲቪል ሰርቪስ ፌደራል ይግባይ ኢሎም ኔሮም።
ፖሊስ እታ ሃገር፡ ናይ ኣሶሺየትድ ፕሬስ ናይ ቪዲዮ ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ካሜራን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲንግ፡ ምስ ኦነግ ብዝዛመድ ፀብፃብ (ዜና) ከምዝተኣሰሩ እዩ ገሊፁ።
ኣሶሺየትድ ፕሬስ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት (ኣሚር ኣማን ኪራዮ፣ በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን ኣዲሱ ሙሉነህን ) ኣብቲ ዝሓለፈ 19 ሕዳር 2014 ከምዝተኣሰሩ ዝፀብፀበ እንትኾን፡ ፖሊስ እታ ሃገር ግና ትማሊ እዩ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ወግዓዊ ጌሩ።
ኣሶሺየትድ ፕሬስ (ኤፒ)፡ ኣሚር፡ ሓደ መደብ ንምስራሕ ኣብ ዝተጓዓዘሉ ከምዝተኣሰረ ኣፍሊጡ።
ሲፒጄ፡ ጉዳይ ማእሰርቲ ቶማስን ኣዲሱን የፃርዮ ከምዘሎ ገሊፁ።
ብዛዕባ መገሻ ኣሚር ዝርዝር ጉዳያት ካብ ምግላፅ ዝተቖጠበ ኤፒ፡ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት ‘ኣዋጅ ህፁፅ ግዘን ሕጊ ፀረ ግብረ ራዕድን ብምጥሓስ’ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ኢሉ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ብወገነን፡ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት ምስ ኣባላት እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብግብረራዕዲ ዝተሰመየ ኦነግ ቃለ መሕተት ብምክያዶም ከምዝተኣሰሩ ፀብፂበን።
ዋና ኤዲተር ኣሶሼትድ ፕረስ ጁሊ ፔስ፡ ኣሚር ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዝፀብፀበን፡ እቲ ክሲ ግና “መሰረት ዘይብሉ” ከምዝኾነ ብምግላፅ ውድቂ ጌራቶ።
እታ ዋና ኤዲተር ናብ ሲፒጄ ኣብ ዝለኣኸቶ ኢመይል፡ ኣሚር ምስተኣሰረ ስድርኡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ክርእይዎ ከምዝተፈቐደ ሓቢራ።
ወሃቢቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ፡ ግብረ ራዕዳዊ ተባሂሉ ንዝተበየነ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ቃለ መሕተት ምክያድ ብሕጊ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ከም ዝገለፀሉ ሲፒጄ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣፈኛ፡ ዕላማ እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ውድብ (ንኦነግ) ብብርኪ ዓለም ተፈላጢ ንምግባር እዩ ብምባል፡ ፖሊስ ነቶም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕርቦም ንሲፒጄ ብስልኪ ተዛሪቡ።
ብምኽንያት መንግስቲ እታ ሃገር ዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ተኣሲሮም ይርከቡ።
ሲፒጄ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ኤርትራ ቀፂላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ፅባሕ እቲ ፀብፃብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ፀጥታ ተኣሲሮም።
ዓለም ለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ኣፍሊጡ።
ስድራ እቶምኣብዚ ሰሙን ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት’ውን ደሃይ ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊፆም’ዮም።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዝርከብሉ ኩነታት ክፍለጥን ሰባት ክበፅሕዎም ክፍቀድን ሓቲቱ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኩነታት ጋዜጠኛ እያስፔድ ተስፋየ፣ ክብሮም ወርቁ፣ መዓዛ መሓመድን ታምራት ነገራን ንምፍላጥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረብ ከምዘሎ ሓቢሩ።