ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ብ80 ሽሕ ብር ዋሕስ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ከምዘፍተሐ ገሊጹ

ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ተኣሲሮም ዝነበሩ ንቴሌቪዥን ነበድ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ኣባላቱ፡ ናይ 80 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣትሒዙ ክፍትሑ ከምዝገበረ ገሊጹ።

እቶም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብቋንቋ ሶማል ንዝፍኑ ጣብያ ቴሌቪዥን ነበድ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ቅድሚ ሰሙናት እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡

እቲ ማሕበር ካብ ሓደ በዓል ሃፍቲ ብር 80 ሽሕ ተለቂሑ ውሕስና ኣትሒዙ ብዓርቢ እቶም ኣባላቱ ክፍትሑ ከምዝገበረ ገሊጹ፡፡

ጋዜጠኛታት ኢብራሂም ሑሴን፣ ሰልማን ሙኽታር፣ መሓመድ ቃሲምን ሂርሲ መሓመድን ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1 ሕዳር 2014 ዓ/ም ረፋድ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡

3 ሕዳር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፖሊስ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድ 10 መዓልቲ ክወሃቦ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፡ እቶም ጋዜጠኛታት ን 10 መዓልቲታት ተኣሲሮም ክጸንሑ መጋባእያ ወሲኑ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብቲ ዝተባህለ መዓልቲ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን 17 ሕዳር ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ድማ መዝገቦም ብዘይምቕራቡ ጉዳዮም ከምዘይተርኣየ ኣባል እቲ ማሕበር ዓብዱረዛቕ ሸኽ ሑሴን ተዛሪቡ፡፡

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ 27 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ረቡዕ ጉዳዮም ከምዝተርኣየ ዝገልጽ ዓብዱረዛቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እቶም ጋዜጠኛታት ብዋሕስ ክፍትሑ ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዓቃቢ ሕጊ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ስለዝገለጸ እቲ መጋባእያ ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ ኢሉ፡፡

ጠበቓ ቆጺሩ ነቲ ጉዳይ ክከታተል ዝጸነሐ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል፡ ንሕድሕድ ጋዜጠኛ ዝተሓተተ ናይ ብር 20 ሽሕ ዋሕስ ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ተለቂሑ ከምዝኸፈለ ገሊጹ፡፡

በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ብዓርቢ ከምዝተፈትሑ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣያን ሽኩሪ ዑስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

እቶም ጋዜጠኛታት ምስ ዝሰርሕዎ ስራሕ ተተሓሒዙ ንዝቐረበሎም ክሲ፡ እቲ ዘስረሖም ትካልዶ ኣይኮነን ወጻኢ ክሽፍን ዘለዎ? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣያን ‘‘ከምቲ ዝኾነ ጋዜጠኛ ሓላፍነቱ ዝዋጻእ ንሕና እውን ከም ማሕበር ኢና ግዴታና ተዋጺእና፡፡ ስለዚ መሪጽና ዝገበርናዮ ዘይኮነስ ሓላፍነትና ኢና ተዋጺእና ’’ ኢሉ፡፡

ንሱ ነቲ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ተለቂሖም ዘትሓዝዎ ናይ ውሕስና ገንዘብ፡ ካብ ኣባላቶም ኣኪቦም ከምዝኸፍልዎ እውን ተዛሪቡ፡፡

ቢቢሲ ናይ ቴሌዚዥን ነበድ ኣካይዲት ስራሕን ናይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ሚኒስተር ነበርን ፊልሰን ሓሰን ኣቦ ናብ ዝኾኑ ኣቶ ዓብዱላሂ ብተደጋጋሚ ስልኪ ደዊሉ ክረኽቦም ኣይከኣለን፡፡

ኣቶ ዓብዱላሂን እቶም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታትን ክእሰሩ ምኽንያት ዝኾነ መደብ ኣብቲ ጣብያ ቴሌቪዥን ተሓላሊፉ ምባሉ ይዝከር፡፡

ኣቶ ዓብዱላሂ ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተፈትሑ ጓሎም ፊልሰን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ፡፡

ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ስዒቡ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብቲ ክልል እናተመሓየሽ ዝመጸ መሰል ናጻ ሚድያ ከምዘዳኽም ዝገለጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል፡ "መንግስቲ ናጽነት መራኽብቲ ብዙሃን ከኽብር፣ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን እቲ ጣብያ ናብ ስርሑ ክምለስን" ሓቲቱ ነይሩ፡፡

መንግስቲ መሰል ጋዜጠኛታት ከኽብርን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማሕበራት ጋዜጠኛታት ብወገኖም ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ሓላፊ እቲ ማሕበር ኣቶ ኣያን ጸዊዑ፡፡