ጀነራል ጻድቃን፡ 'ድሮናት' ኣብ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተራ ነይሩወን ይብል

ኣባል ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቢቢሲ 'ኒውዝ ኣወር' ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ኣብቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ኲናት ግደ ከምዝነበረን ተኣሚኑ።

ዝበዝሑ ካብ ሓይልታቶም ኣብ ውሽጢ ዶባት ክልል ትግራይ ከምዝርከቡ'ውን ገሊጹ'ሎ።

እቲ ጀነራል፡ ሓይልታት ኤርትራ ገለ ክፋል ሰሜናዊ ትግራይ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ'ውን ተዛሪቡ። እንተኾነ ግን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገሊጾም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መሕትት ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ'ሎ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ መራሕቲ ትግራይ፡ ካብ'ቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ምፍላጦም ይዝከር።

እቲ ኲነታት ደው ናይ ምባል ውሳነ ንሰላማዊ ፍታሕ መገዲ ንምጽራግ ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ጀነራል ጻድቃን ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2021 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዘካየድዎ ዘለዉ ኲናት ይዛዘም ምንባሩ'ዩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁጽጻር ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ምንባሮም ይዝከር።

ብድሕሪኡ ግን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብቐጥታ ዝተመርሐ መጥቃዕትታት ብኹሉ ኣንፈታት ስለዝተፈነወሎም ክስሕቡ ከምዝተገደዱ'ዮም ሰብመዚ መንግስቲ ዝገልጹ።

ብሰሉስ 21 ታሕሳስ 2021 ምስ ጀነራል ጻድቃን ዝተገብረ ቃለ-መሕትት እንሆ፤

ቢቢሲ፡ ኣብ ዓውደ-ኲናት ዝረአ ዘሎ ምቅይያራት ብኸመይ ትገልጾ?

ጀነራል ጻድቃን፡ ዝበዝሐ ክፋል ሓይልታትና ኣብ ውሽጢ'ቲ ብሕገመንግስቲ ዝፍለጥ ክፋላት ትግራይ ይርከብ። ኣብ ጉዕዞ ዘለዉ ወይ ንሓለዋ ዝተረፉ ገለ ሓይልታት ይህልዉ ይኾኑ። ዝበዝሐ ክፋል ሓይልታትና ግን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ'ሎ። ክትዝንግዖ ዘይብልካ፡ ነዚ ፖለቲካዊ ውሳነን፡ ናይ ምስሓብ ስርሒታትን፡ ምሉእ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኤርትራን ሓይልታት ጥምረት ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ወሲድናዮ። ገለ ሓይልታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሕጂ'ውን ኣብ ገለ ክፋል ሰሜን ትግራይ ኣለዉ። ኣዘዝቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርሒታት ይውጥኑ ኣለዉ። ናይ መካናይዝድ ኪኢላታቶም ንኣሃዱታት መካናይዝድ ኢትዮጵያ ይእዝዙ ኣለዉ። ንሰላም ዕድል ንምሃብ፡ ሓይልታትና ክንስሕብ ወሲንና፡ ድሮ'ውን ዝበዝሐ ክፋል ሓይልና ናብ ትግራይ ስሒብናዮ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ምስሓብ ናይ ዳርጋ ኩሎም ሓይልታትኩም ናብ ትግራይ ፖለቲካዊ ውሳነ'ዩ ኢኻ ትብል ኣለኻ። ብዙሓት ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ግን፡ ናብ ድሕሪት ዝመለሰኩም ወተሃደራዊ ዓወታት መቃናቕንትኹም፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻርኩም ዝተጠቕምሎም ናይ ውግእ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት)ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተመጠጡ መስመራት ቀረባትኩም ብምትዕንቓፎም እዩ? እዚዶ ኣይኮነን ቀንዲ ምኽንያት ምስሓብ ሓይልታትኩም?

ጀነራል ጻድቃን፡ ሓደ ረቛሒ ኣይኮነን ክብል ኣይክእልን። እንተኾነ ግን፡ እንኮ ረቛሒ ኣይኮነን። ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጽና ክንምርሽ እንከለና፡ እቲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ምድላዋትን ማዕረ-ማዕረ እቲ ወተሃደራዊ ገስጋስና ኣይከይድን ነይሩ። እቲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ኩነታት ኣብ ቦትኦም ኣይነበሩን። [ስለዚ] ሓደ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝነበረና ረቛሒ'ዩ ነይሩ። ብፍላይ፡ ንዓቢ ሰራዊት ዝምግብ ነዊሕ ናይ ቀረብ [ሎጂስቲክስ] መስመር ኣብ ዝነበረና እዋን፡ ቀረብ ይኹን ሰራዊት ዘበጻጽሓ መካይና ቁልዓት ዒላማታት ናይ ድሮናት'የን ዝኾና። ስለዚ፡ እተን ድሮናት ኣብ መገብቲ መስመራትና ጽልዋ ነይሩወን።

ቢቢሲ፡ ኣንጻርኩም ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ምዕራብ ኣለዉ፡ ገለ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብ ሰሜን ትግራይ ኣለዉ ኢልካ፡ ስለምንታይ ጻዕርታትኩም ኣብኦም ዘየተኮርኩም? ንኣዲስ ኣበባ ንምኻድ ክቱር ድሌት [ጥሙሕ] ስለዝነበረኩምዶ ይኸውን?

ጀነራል ጻድቃን፡ ኣይኮነን። ፈለማ ንጹር ክኸውን ዘለዎ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምራሽ ሃቐነ ኣይነበረን። ነቲ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንውድኦ ድሌት ነይሩና ይኸውን። ብኣተሓሳስባና፡ ናብ ደቡብ ገጽና ምድፋእን፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ፖለቲካዊ ጥምረት ምፍጣር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ብምግባር ንኹሉ ዘሳትፍ ብልዝብ ዝተበጽሐ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምርካብ፡ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ከብቅዕ ዝሓጸረ መንገዲ'ዩ ኢልና ኢና ሓሲብና።

ቢቢሲ፡ ፖለቲካዊ ድርድር ክህሉ ድሌት ከምዘለኩም ብዙሕ ግዜ ተዛሪብካ ኣለኻ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ንኣስታት] ሰላሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብምዃኑን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብስምኩም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰነደ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ካልኦት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምፍጻሞም፡ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝፈርሓኩምን፡ ክትሳዓሩ ምድላዩን ኣይትቕበሎንዶ?

ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ኲናት'ዩ። ኣብ ጀነቫ ዘሎ፡ [ቤትምኸሪ] ሰባዊ መሰላት፡ ነቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ይኹን ብሓይልታት ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ መሰላት ንምጽራይ ሓደ ጉጅለ ኪኢላታት ከቕውም ወሲኑ'ሎ። ብሓጎስ ተቐቢልናዮ ኣለና። ብዛዕባ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ውሽጢ [ክልላት] ኣምሓራን ዓፋርን ዝገበርዎ ሓቲትካኒ፡ እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣዝዩ ይኸፍእ። ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ግፍዕታት ዝተፈጸሙ እንተልዮም፡ እቲ ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ኢትዮጵያን፡ ብሓይልታት ወጻኢ፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዓቢን ዘስካሕክሕን'ዩ። እቲ ሓደ ክብሎ ዝኽእል፡ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተወሰነ እቲ ናይ መጀመርታ ቅኑዕ ስጉምቲ'ዩ፡ ናብ ባይታ ብምኻድ ድማ'ዩ ዝበለጸ ፍርዲ [ክወሃብ ዝኽእል]።

--------

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወኑ፡ ኣብ ትግራይ ንህወሓት ንምጥቃዕ ሰፊሕ ወተደራዊ ወፍሪ ናይ ምግባር ትልሚ ከምዘይብሉ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብሰሉስ ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን እዚ ዝበለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ኣምባሳደራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ከምዝኾነን፡ ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ዝለቐቑ ስለዝተስዓሩ እዮም ድማ ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ደሴ፡ ኮምቦልቻ፡ ላሊበላን ወልድያን ዝርከብዎም ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ከምዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ኲናት ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክቐውም ወሲኑ።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝዘተየ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ሕጂ'ውን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

በቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኸሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ኮሚሽን ካልእ "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ኣለዎ ብምባል ተቓዊሞንኦ ኣለዋ።

ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕትሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።