ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ሕማሙን ናይ መወዳእታ ሰዓታቱን

ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ ብ24 ታሕሳስ 2021 ዓሪፉ።

ንተስፋዬ ገብረኣብ ሓዉን ኣገልጋሊ ቤተክርስትያንን ዝኾነ ሓው ነጋሲ ገብረአብ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ተስፋዬ መጥባሕቲ ገይሩ ሰንበት 26 ታሕሳስ ካብ ሆስፒታል ክወጽእ ትጽቢት እናተገበረሉ ከሎ እዩ፡ ደም ኣብ ውሽጢ ኣካላቱ ፈሲስዎ ሃንደበት ህይወቱ ሓሊፉ።

"ኣብቲ ዝዓረፈሉ መዓልቲ ንጎሆ፡ ምስ ተስፋዬ ሰንበት ካብ ሆስፒታል ከምዝወጽእ ኢና ነውግዕ ነይርና። ሃንደበት ግን ሄሞግሎቢኑ [ኣብ ውሽጢ ደም ዘሎ ተሸካሚ ኦክስጅእን] ካብ 11 ናብ 4 ወሪዱ። እቶም ሓካይም ከድሕንዎ ፈቲኖም እዮም። እንተኾነ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል'ኳ ክበጽሕ ኣይከኣላን" ኢሉ።

ናይ መወዳእታ ሰዓታት ተስፋዬ

ተስፋዬ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዘውግዕዎ፡ ሓውዩ ካብ ሆስፒታል ብዛዕባ ምውጻእ ከምዝነበረ ሓው ነጋሲ ይዝክር።

ካብ ሆስፒታል ወጺኡ ዝዓርፈሉ ቦታ ኣብ ምድላው እዮም ነይሮም። በዓልቲ ቤቱ'ውን ናብ ናይሮቢ ንምምጻእ ናይ በረራ ትኬት ቆሪጻ ትዳሎ ነይራ።

"እቶም ሓካይም ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣተው ኣነ ካብኡ ወጺአ። ካብኡ ሄሞግሎቢኑ ወሪዱ ተባሂሉ። ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ ውሽጣዊ ናይ ደም ምፍሳስ እዩ። ከሕግዝዎ ፈቲኖም ኣይከኣሉን፤ ዓሪፉ"።

ተስፋዬ ናብ ናይሮቢ ንሕክምና እዩ መጺኡ፤ መጥባሕቲ ምስተገብረሉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ሒሽዎ ነይሩ።

"ኣብ ዓራት እናሃለወ ይስእሎ ነይረ። ሰባት 'ከመይ ኣሎ?' ምስ በሉኒ ስእሊ ይልእኸሎም ነይረ። ተስፋ ኣይቆረጸን ነይሩ"።

እንተኾነ፡ ካብቲ ሆስፒታል ክወጽእ እዩ ካብ ዝተባሃለሉ ክልተ መዓልቲ ቀዲሙ ዓሪፉ።

ሕማሙ እንታይ እዩ ነይሩ?

ቅድሚ ክልተ ወርሒ እዩ ሓሚሙ። ነጋሲ ከምዝብሎ፡ ተስፋዬ ሃንደበት ኣብ እግሩ ሕበጥ ወጺእዎ። ንነዊሕ ሰዓታት ላፕቶፕ ኣብ እግሩ ገይሩ ይጽሕፍ ስለዝነበረ፡ ናይቲ ሕማም ምኽንያት ንሱ እዩ ኢሉ ዕሽሽ ኢልዎ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ሕበጥ እናወሰኸ ምስካደ፡ ኣብ ኣስመራ ናብ ሆስፒታል ከይዱ።

እቲ ሕበጥ ናይ ደም ምርጋእ እናምጸአ ከምዝኾነን ካልእ ሕማም ከይህልዎን ብምስጋእ፤ ዝሐሸ ሕክምና ናብ ዝረኽበሉ ሆስፒታል ክኸይድ ይንገሮ።

ኣብቲ እዋን፡ ተስፋዬ እቲ ሕማም ክንድዚ ዘስግእ ገይሩ ኣይረኣዮን። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ግና ናብ ናይሮቢ መጺኡ።

ተስፋዬ: 'ሌይምዮሳርኮማ' ዝበሃል ሳሕቲ ዝርአ ኣብ ሻምብቆታት ደም ዝነቅል ሕማም እዩ ሓሚሙ ነይሩ።። ናብ ገፊሕ መዓንጣን ኣብ ከባቢ ከብዲ ናብ ዝርከቡ ቲሹ ተዘርጊሑ ብምንባሩ ሓካይም ነቲ ረቂቕ መጥባሕቲ ንምክያድ በዳሂ ከም ዝነበረ ሓው ነጋሲ ገሊጹ።

"ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ዝኣንተረ [ጽኪ] ነገር ከምዘለዎ ተነጊሩና። ከይተፈለጦ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ እዩ፤ ካብኡ ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ኣትዩ፤ መጥባሕቲ ኣካይዱ ምምሕያሽ ኣርእዩ ነይሩ። ዘስግእ ነገር ከምዘለዎ'ውን ኣይተነገሮን" ይብል ነጋሲ።

ተስፋዬ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ፍርሓት ከምዘይነበሮ እዩ ዝዛረብ።

መዓልታዊ ኣብ ጥቕኡ ስለዝነበረ የውግዑ ከምዝነበሩ'ውን ይገልጽ።

'ኣብ ውሽጢ ኮማ'

ተስፋዬ፡ መጥባሕቲ ምስተገብረሉ "ብርዕን ወረቐትን ሃበኒ" ከምዝበሎ ይዝክር።

ካብኡ ናይ ዝቕጽል መጽሓፉ ኣርእስቲ 'ኣብ ውሽጢ ኮማ [ዕውለት]' ዝብል ምዃኑ ኣብቲ ወረቐት ጽሒፉ።

ምጽሓፍ ይኸብዶ እንተነበረ'ኳ፡ ኣብ ዓሰርተ ገጽ በጺሑ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ሓው ነጋሲ ከምዝብሎ፡ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበረ ዛንታ፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ምክፍፋልን ጽልኣትን ኣብ ሰማይ ምስ ዘሎ ፍቕሪ እዩ ዘነጻጽር።

"እቲ ታሪኽ ተስፋዬ ኣብ ኮማ ኮይኑ ዝረኣዮ ነገር እዩ ዝመስል። ናቱ ተሞክሮ፣ ኣብ ምድሪ ዘሎ ምክፍፋልን ጽልእን ብምጥቃስ፤ 'ናብ ሰማይ ምስከድካ ግና ኣብዚ ዘይነበርካዮ ፍቕሪ ኢኻ እትነብር' ኢሉኒ ነይሩ"።

ተስፋዬ ኣብ ውሽጢ ቤት ሕትመት ዝርከብ 'ቀይ ዘበን' ዝብል መጽሓፍ ሓዊሱ፡ ዘይተወድኡ ስራሓት ከምዝነበርዎ ይዛረብ።

"ቀይ ዘበን ብዛዕባ ናይ ቀደም ነገስታት፣ ብዛዕባ ባሕረ ነጋሲ ሓጸርቲ ዛንታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ናይ መዘከርታ ደብተሩ ኣርባዕተ ኣርእስቲ ጽሒፉ ነይሩ። ሒሽ ምስ በሎ ድማ 'ሰቆቃው ሰሚራ' ዝብል'ውን ክጽሕፍ ሓሲቡ ነይሩ" ይብል።

ተሰፋዬ ዝመጽእሉ ሓሳባት መዝጊቡ ብምሓዝ ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት እዩ ዝጽሕፎም።

"መጽሓፍ ጀሚሩ ከይወደአ፤ ኣብ ርእሲኡ ካልእ እዩ ዝጅምር" ብማለት ስልቲ ኣጸሓሕፋኡ ይገልጽ።

ደቂ ተስፋዬ

ተስፋዬ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ ነይሩ። ደቁ 12፣ 9ን 8 ዓመት ዕድመ ኣለዎም።

እታ በኹሪ ጓሉ ናቱ ናይ ኣምሓርኛ መጻሕፍቱ ከምእተንብብ ሓው ነጋሲ ይዛረብ።

"ደቁ ንዕኡ እናረእዩ የንብቡ፤ ክጽሕፉ ድማ ይፍትኑ ነይሮም። ምናልባሽ ከምኡ ጸሓፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ክጽሕፍ እንከሎ ካብ ጥቕኡ ኣይርሕቑን ነይሮም። ምስ ስድርኡ ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይሩዎ"።

ናፍቖት ቢሾፍቱ

ተስፋዬ 22 ነሓሰ 1968 ካብ ኤርትራውያን ቤተሰብ ኣብ ቢሾፍቱ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

ወለዱ ኣብታ ከተማ ወሊዶም ንዓመታት ኣብቡ ይነብሩ ኣለው።

ቅድሚ ዓመታት ካብታ ከተማ እንተወጽአ'ኳ፡ ሓደ መዓልቲ ከምዝምለስ ተስፋ ይገብር ነይሩ።

ከም ኣሕዋት ብዛዕባ መተዓቢቶም፣ ብዛዕባ ዝፈልጥዎም ቦታታት እናዘከሩ የውግዑ ነይሮም።

"ከምዚ ከማና፤ ንሱ'ውን ንቢሾፍቱ ኣዝዩ እዩ ዝፈትዋ። ምትእስሳራት ኣለዎ። ርግጸኛ ዝነበረ ናብ ቢሾፍቱ ከምዝምለስ እዩ ነይሩ። ናፍቖት ነይርዎ። ይሓስብ ነይሩ። ናብ ቢሾፍቱ ምምጻእ ፣ ምርኣይ፣ ምንባር ይደሊ ነይሩ፤ ከይተመልሰ ብምሕላፉ ኣዝየ እየ ዝሓዝን" ኢሉ።

"ምናልባሽ ተስፋዬ ኣብ ቢሾፍቱ ዶ ክቕበር ይደሊ ነይሩ ይኾን?" ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ሓው ነጋሲ፡ "ብዛዕብኡ ኣውጊዕና ኣይንፈልጥን" ምስበለ ናይ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቦታ ግና ብምርጫ ስድራ ከምዝውሰን ተዛሪቡ።

ብነፋሪት ካብ ኤርትራ ናብ ኬንያ ክጓዓዙ እንከለው "ብቢሾፍቱ እያ ትሓልፍ" እናበሉ ምውገዖም ጥራይ ይዝክር።

"ብነፋሪት ናብ ኬንያ ክንመጽእ ከሎና፤ ጸልማት እዩ ነይሩ። ዝኾነ ኣይረእናን። ካብ ኬንያ ክንምለስ ግና፡ ብቢሾፍቱ ኢና ንሓልፍ እናበልና ነይርና። ሞይቱ ኣብ ቢሾፍቱ ካብ ዝቕበር ብህይወት እናሃለወ እንተዝሪኣ ጽቡቕ ነይሩ።"

ክልቲኦም ነቲ ዝዓበይሉ ከባቢ ቢሾፍቱ ፍሉይ ፍትወት ከምዘለዎም፤ ምስ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጽኡ ተጎራቢቶም ከምዝነበሩ ይዝክር።

ተስፋዬ ንዕርክነት ዝመርጾም ሰባት መብዛሕትኦም ናይ ስነጥበብ ሰባት ከምዝኾኑ'ውን ይዝክር።

ተስፋዬን ኣዘራረብቲ መጻሕፍቱን

ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ብዝነበሮ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ናይ ዓውደ ኵናት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ወሲዱ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ባዕሉ ዝጸሓፎ ዛንታ ተሰኒዱ ኣሎ።

ኢህወደግ ኣብ 1991 ንመላእ ኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸራ ከኣ ኣብ ፈለማ 1991 ንላዕለዋይ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ንኣመሪካ ተላኢኹ። ዝተዋህቦ ስልጠና ወዲኡ ምስተመልሰ ኣብ መደበር ረድዩን ተለቪዥንን ኢትዮጵየ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ምስ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ናይ ቀረባ ርክብ ብምምስራት ኣብ ዕቤት እቲ ስራሕ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይዝረብ።

ኣካያዲን ኣሰናዳእን ናይታ ምስ ኢህወደግ ፍሉይ ቅርበት ዝነበራ እፎይታ ዝተባህለት መጽሔት ኣብ ዝበረሉ እዋን ናይ ብዙሓት ጽሑፋቶም ከሕትሙ ዘይከኣሉ ጸሓፍቲ ፍርያት ብተኸታተሊ ቅጽታት ብምሕታም ንብዙሓት ከምዝሓገዘ ዝፈልጡዎ ይነግሩ።

ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ኣብ ቃልሲ ንዘካየዶ ቅያታት ዝነግር "ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ" ዘርእስቱ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ እውን ከምዘሐተመ ይንገር።

ተስፋዬ ኣብ ዝተፈለላየ ትካላት መንግስቲ ኢህወደግ፡ ብሓላፍነት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ምስ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ቅሬታ ብምሕዳሩ፡ ሓያሎ ምስጢራት እቲ ስርዓት ኣብተን "የጋዜጠኛው ማስታወሻ" ከምኡ'ውን "የደራሲው ማስታወሻ" ዝብላ ብኣምሓርኛ ዘሕተመን መጻሕፍቱ ኣቃሊዑ።

ድሕሪ ሕትመት እቲ መጻሕፍቱ፡ ሓያሎ ሰባት "ምሰኦም እንተዘይትነብር'ዶ ክንድዚ ምስጢር ክትፈልጥ ክኢልካ?" ዝብሉዎ እኳ እንተዘይተሰኣኑ፡ ብክእለት ኣጸሓሕፋኡን ኣዘናትዋኡን ናይ ብዙሓት ናእዳን ኣድናቖትን ረኺቡ እዩ።

እታ 'የቡርቃ ዝምታ' ዘርእስታ ብዛዕባ ወጽዓ ህዝቢ ኦሮሞ እትትርኽ መጽሓፉ ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ዓቢ ደገፍ ከተውህቦ እንከላ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ኣንበብቲ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ 'ኣብ ኢትዮጵያ ሽግር ክፈጥር ዝደለየ ሓደገኛ ደራሲ እዩ' ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን።

ብዛዕባ እዚታት ኣዘራቢ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ሓዉ ነጋሲ፡ "ሓደ ዛንታ ውሽጡ እንተተንኪፍዎ፤ ዝጠቅም እዩ ኢሉ እንተሓሲቡ ካብ ምጽሓፍ ንድሕሪት ኣይብልን። ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ዝተፈለየ ጽልኢት ዘለዎ መሲሉ ግን ኣይስመዐንን" ኢሉ።

"ከም ሰብ እንትትሪኦ ዝተፈለየ ሓሲቡ፥ ኣስሊሑ ዝገብሮ ነገር ኣይረእኹን። ከምኡ ዝበለ ነገር ኣይነበረን ኣይህሉን'ውን"።

ነጋሲ፡ ከም ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ፡ "ተስፋዬ ካብ ዝኾነ ጽልኢት ተልዒሉ ዝጽሕፎ ነገር ከምዘየለ እየ ዝፈልጥ" ኢሉ።

ምስቲ ሓቢሩ ዝሰርሐሉ ስርዓት ኢህወዴግ ተጻሊኡ ናብ ስደት ከምዘምረሐ ዝገልጽ ተስፋዬ፡ ኣብ ኬንያ፣ ደቡብ አፍሪቃን ኣብ ኔዘርላንድስን ይነብር ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተስፋዬ ገብረኣብ ናብ መበቆል ሃገሩ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ምሉእ ግዜኡ ኣብ ጽሕፈት ዓለም ተዋፊሩ፡ "የኑረነቢ ማህደር"፡ ከምኡ'ውን፡ "የትራቮሎ ዋሻ" ዝሰመየን ዝበዝሐ ክፋለን ንታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘዘንትዋ መጻሕፍቲ ጽሒፉ።

ሓያሎ ካብ መጻሕፍቱ፡ ብኦሮምኛ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብትግረን ትግርኛን ተቶርጕሙ ኣሎ።

ተስፋዬ 'ቀይ ዘመን' ዝሰመያ መጽሓፍ ኣብ 2022 ናብ ኣንበብቲ ክዝርግሓ ምዃኑ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ብስእሊ ኣሰንዩ ዘርጊሑዋ ነይሩ እዩ።

ተስፋዬ፡ ብፍላይ ኣብ ዘበናዊ ስነ ጽሑፍ ኣምሓርኛ ጎሊሆም ካብ ዝወጽኡ ጸሓፍቲ ሓደ እዩ።