ፈረንሳዊ ደራሲ ያን ሞይስ ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ንፍቕሪ ብቑዓት ኣይኮናን ኢሉ

ፈረንሳዊ ደራሲ ያን ሞይስ፡ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታ ጓል ኣንስተይቲ ከፍቕር ከም ዘይኽእል ብምግላጹ ኣደዳ ነቄፌታ ኮይኑ።

ያን ሞይስ ዕድሚኡ ልዕሊ ሓምሳ ኮይኑ፡ ምስ መጽሄት ማርየ ክላየረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት'ዩ ልዕሊ ሓምሳ ዕድሚአን ደቂ ኣንስተዮ ንክፍቀራ ብቑዓት ከም ዘይኮና ተዛሪቡ።

ያን ሞይስ፡ "ከም ምርጫይ ንኣሽቱ ይፈቱ፡ ኣካላት 25 ዕድሚአን ደቂ ኣንስተዮ ብርቂ'ዩ፤ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣይኮነን" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብርቱዕ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ብዙሓት ኣስታት ሓምሳ ዕድሚአን ተዋሳእቲ ሆሊውድ ሃል ቤሪን ጀኒፈር ኣኒስተንን፡ ኣብ ቦታ ርኢቶ ብምልጣፍ ንርኢቶ ያን ሞይስ ይቓወሙ ኣለዉ።

ፈረንሳዊ ደራሲ ያን ሞይስ፡ ኣቕራቢ መደባት፡ ኣላዩ ፊልምን ተሸላሚ ስነ-ጽሑፍን እዩ።