ንስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ ዘበራበረ ደራሲ ቺነዋ ኣቸበ

እታ ብነፍሲሄር ቺንዋ ኣቸበ ዝተጻሕፈት "ረሞቝታ ነገራት" ዘርእስታ በዅሪ መጽሓፉ ካብተን ዝበለጻ መጻሕፍቲ ዓለምና ዝኾነትሉ ምኽንያት ብሒደት ቃላት ንምቕራቡ የሸግር።

እስከ እታ መጽሓፍ በቲ ዝተጓነጸፈቶ ዓወታት ንጀምር። ሓደ እዋን ቺንዋ ኣቸበ ባዕሉ ዝበሎ ክንጠቅስ ...

"ህቡብነት መጽሓፈይ ኣብ ሕብረተ-ሰበይ (ሕብረተ-ሰብ ናይጀርያ ምዃኑ'ዩ) ከመይ'ሉ ከም ዝተተኰሰ ብቐሊሉ ክገልጾ እኽእል። ንመጀመርታ ጊዜ ህዝቢ ናይጀርያ ስእሉን ታሪኹን ኣብታ መጽሓፍ ብቓላት ተቐቢኡ ስለ ዝረኣየ'ዩ ክብል እኽእል።

"ነጸብራቕ ምስልናን ታሪኽናን ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ ዝረኣናሉ ፈለማ እዋን ምሉኣት ሰባት ምዃንና ፈሊጥና። እወ፡ ንሕና ፍርቂ ሰባት ኣይኰንናን፡ ምሉኣት'ምበር። ወዮ ከምቲ ጆሰፍ ኮንራድ ዝበሎ ንማለቱ ዝተፈጠርና ሰባት ኣይኰንናን። ንሕና ንማለቱ ዝተፈጠርና ዘይኴንናስ በቃ ዘበልና ሩሕ ዘሎና ሰባት ኢና።"

ንምዃኑ ጆሰፍ ኮንራድ (1857-1924) ሓደ ፍሉጥ ጸሓፊ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ኣፍሪቃውያን ኣብ መጽሓፉ ዜስፈሮ ጥረ ርእይቶ ንቺንዋ ኣቸበ ክወሓጠሉ ስለ ዘይከኣለ ብዛዕባኡ መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ።

ናብቲ "ረሞቝታ ነገራት" ዘመዝገበቶ ዓወታት ክንምለስ። እዛ ብ1958 ዓመት ዝተጻሕፈት፡ ማለት ደራሲ ኣብ 28 ዕድሚኡ፡ ልዕሊ 20 ሚልዮን ቅዳሓት ዝተሸጠት፡ ኣብ 50 ቋንቋታት ዝተተርጐመት: ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ድማ ከም እምነ-ምዕራፍ እትርአ መጽሓፍ፤ ኣብ ናይጀርያ ይዅን መላኣ ዓለም ከም ዓይነተኛዊትን ዘመናዊትን ኣፍሪቃዊት ናይ እንግሊዘኛ ድርሰትን'ያ ትሕሰብ።

ካብ'ቶም ብርክት ዝበሉ ኣቸበ ዝደረሶም መጻሕፍቲ "ረመቝታ ነገራት" እታ ዝበለጸት መለለዮኡ'ያ። ዀይና ድማ ብዙሕ ክለሳን ነቐፌታን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምራትን ተኻይድዋ'ዩ። ኣብ ኣካድምያዊ ማዕከናትን ኣብያተን ምርምርን ዓቢ ቆላሕታ ብምርካባ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መናእሰይ ተማሂሮምላ'ዮም።

ተፈላጥነት'ታ መጽሓፍ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተወሰነ ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ህንዲ፡ ኣውስትራልያን ደሴታት ኦሺያንያን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ትምህርቲ ዓቢ ቆላሕታ ረኺባ'ያ።

ታይም መጋዚን (Time magazine) ን "ረመቝታ ነገራት" ሓንቲ ካብ'ተን እምብዛ ዝበለጻ ትውፊታውያን መጻሕፍቲ ኢሉ ይገልጻ።

ኢንሳክሎፒድያ ብሪታኒካ፡ እቲ ኣብ ዓለምና ጽቡቕ ስም ዘሎዎ ትካል ስነ-ጽሑፍ፡ ን "ረሞቝታ ነገራት" ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣዝየን ብሉጻት 12 መጻሕፍቲ ኢያ ክብል ይገልጻ።

ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ

እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ'ታ ዛንታ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ናይጀርያ'ዩ - እዚ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ ማለት'ዩ። እቲ ዛንታ 'ከመይ ኔርና ድሓር ጸዓዱ ምስ መጹ ኸኣ ኣብ ምንታይ ተለዊጥና' ንዚብል ዛዕባ ኣልዒላ ንዝነበሩ ዝተጋህዱን ነገራት ኣበርቲዓ ትፍትሽ። ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብመበል ዓሰርተ-ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ምስ መጽኡ ዜተኣታተዉዎ ቅልስ ብልበ-ወለድ ዛንታ ተዘንቱ - ባህላዊ ነውጺ፡ ዝቖሰሉ ያታውያን ክብርታት፡ምግርጫዋት ስርዓተ-እምነታት ...ወዘተ።

ርግጽ'ዩ እታ መጽሓፍ ኣዝያ ስለ ዝተወርየትን ብሚልዮናት ከኣ ስለ ዝተነበትን ኣብ ልዕሊኣ ዝፈሰሱ ርእይቶታት ሒደት ኣይኰነኑን። ብዙሓት ነናቶም ርእይቶታት ሂቦምላ'ዮም፡ ኣዝዩ ኣካቲዓ'ኳ ድኣ፡ ጌና'ውን ኣብ ሞንጎ ምሁራን-ታሪኽ፡ ሃያስያን ስነ-ጽሑፍ፡ ተራ ኣንባብያን "እታ ዝበለጸት መጽሓፍ ዲያ ኣይኰነትን" ኢሎም ተቐባቢሎም ይካትዑላ'ዮም።

እቲ ቀንዲ እታ መጽሓፍ ዜስምዓቶ መልእኽቲ ኣፍሪቃውያን ወነንቲ ክፍሊ-ዓለሞም ክነሶም ታሪኾም ብኻልኦት ባዕዳውያን ስለ ዝቐርብ ምስ መንቅባቱ'ዩ ዚቐርብ ዜስምዕ ነበረ። ሓደ ኣፍሪቃዊ ወደ'ባት ብድድ ኢሉ 'እንሆ ታሪኽና ከምዚ ይመስል' ኢሉ፡ እኳ ድኣ ብቛንቋ እንግሊዝ ብምጽሓፉ ንዅሎም ዓበይቲ ጸሓፍትን ተመራመርትን ኣገሪሙዎም እዩ። እታ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን፡ ማለት ከመይ ኣቢሎም ነቲ ዘቤታዊ ባህልን ልምድን እምነታትን ከም ዝበከሉዎ፡ ዘውረደቶ ክሲ ብኣንባቢ ተቐባልነት ረኸበ። እምበኣርከስ ፕሮፈሶር ቺንዋ ኣቸበ በዚ'ዩ ኣውራ ዝፍለጥ።

እታ ዛንታ ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ፍናን ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ዜስዓበቶ ምንቕቓሕ'ያ ትፍለጥ - እሞ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳውያንን ገዛእቲ-ነበርን። መርገጽቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንክብርታት ኣፍሪቃ ከመይ ኣቢሉ ከም ዝደፈሮን ሕንፍሽፍሽ ዜእተወሉን ብ"ኦኮንክዎ" እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይታ መጽሓፍ ኣቢልካ ከም ስእሊ ክረአ ይከኣል።

ኣብ ንእስነቱ ንመጽሓፍ ቺንዋ ኣቸቨ ዘንበበ ዳዊት መስፍን ብዛዕባ እታ መጽሓፍ፡

" ይዝከረኒ ኣብ 1994 ንስራሕ እናተጓዓዝኩ ኣብ ባቡር እየ ኣንበቢያ። እታ መጽሓፍ። ባዕዳውያን ንኣፍሪቃ መጺኦም ከመይ ገይሮም ነቲ ሕጊ እንዳባ ፍንጥሕጥሕ ከም ዘእተውሉ እያ ትነግር። እቲ ዛንታ ብቐጥታ ምስ ታሪኽናን ህይወትናን ስለዝተኣሳሰር ከኣ ኣዝዩ ተንኪፉኒ" ይብል።

ሓደ ሓደ ሰባት ባዕዳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ጽርግያን ባቡርን ብምስርሖም ፋብሪካን እንዱስትርን ብምትካሎም ወይ ሰፋሕቲ ሕርሻ ኮንቺስዩነ ብምፍጣሮም ጽቡቕ ነገር ጥራሕ ዝገበሩ ዝመስሎም እውን ኣለው። እንተኾነ፡ ነቲ ሱርን መበቆልን እቲ ሕብረተሰብ ዝኾነ ባህልን ክብርታትን ስለዝተፈታተኑዎ ኣሉታዊ ተራ እውን ተጻዊቶም እዮም ይብል። ንመጽሓፍ ኣቸበን ካልኦን ዘንበበ ኤልያስ።

ቺንዋ ኣቸበ ኣብ 28 ዕድሚኡ እዩ ነታ መስተንክራዊት ነባሪት መጽሓፍ ጽሒፉዋ።

ታሪኽ ናይቲ ብ1930 ኣብ ናይጀርያ ተወሊዱ ብ2013 ኣብ 82 ዕድሚኡ ኣብ ከተማ ቦስቶን (ሕ.መ.ኣ.) ዝሞተ ዓቢ ጸሓፊ ኵሉ ሰብ ክፈልጦ ኣሎዎ ምባል ቀሊል'ዩ። ንሱ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ዜተኣታተዎ ለውጥታት ንምዕቃኑ ብሓቂ ኣሸጋሪ'ዩ። ምዕራባውያን'ዮም ንዓበይቲ ስነ-ጽሑፋት ዝውንንዎ ክበሃል ይከኣል፣ ካብ ካልኦት ዓለማት ዝመጽኡ ጸሓፍቱ ዝግብኦም ቆላሕቶ ኣይረኽቡን። ቺንዋ ኣቸበ ግን ኣብቲ መጋርዶ ፈንጢሱ ብምእታው ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ክረክብ ብምኽኣሉ ንብዙሓት መገዲ ጸሪጉሎም'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ናብ ትሕዝቶ'ታ መጽሓፍ ክንምለስ፡ እቲ ዛንታ ብዛዕባ ኦኮንክዎ'ዩ፡ ሓደ ጎበዝ ወዲ ኢግቦ (ዓሌት ናይጀርያ) ብማሕበረ-ሰቡ ዘይድፈር ሰብ ነበረ። ንሱን ስድርኡን ብእንግሊዛውያንን ሚስዮናውያን ዝተኣታተዉ ናይ ኣስገዳድ ለውጥታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ህይወቱ ሰለሎ ከም ዘእተወሉ ትገልጽ። ብሓጺሩ ኣብ ቃልሲ ለውጥን ዕቃበ ባህልን ብምትኳር'ያ ተጻሒፋ።

ኦኮንክዎ፡ ኣብ ዓዱ ዞባኡን እቲ ዝዓበየ ተዋጋኣይን ተጠማጣማይን 'ዩ ነይሩ። ኵሎም የኽብርዎን የድንቑዎን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ሓደ ጌጋ ይፍጽም'ሞ እቲ ዛንታ ብሃንደበት ይጥምዘዝ።

እቲ ካብታ መጽሓፍ እንመሃሮ ትምህርቲ ንሞራል ደቂ-ሰብ ሰፍ ዜብል'ኳ ኣይዅን እቲ ዘየናሕሲ ሓይሊ ንጭውነት ከመይ ገይሩ ከም ዝስዕሮ'ያ ተርኢ።

እታ መጽሓፍ ንብዙሓት ተመራመርቲ ኣፍሪቃ፡ ወይከኣ ብፍሉያት ስነ ጽሑፋት ዝግደሱ ተመራመርቲ ንኸንብቡዋ ትዕደል ዕማም'ያ። ኣብ ኣፍሪቃ ናትና ታሪኽ፡ ናትና ባህሊ፡ ናትና እምነት፡ ናትና መምርሕ-ህይወት፡ ናይ ባዕላትና መራሕቲ፡ ናትንና ክብርን ስልጣኔን ከም ዘሎና ዘይፈልጡ ሰባት ኣሎዉ።

እታ መጽሐፍ ንእሽቶ ግን ከኣ መሳጢት ብምዃና ምስ ጀመርካያ ኣይተቐምጣን ኢኻ። ዋላ እውን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ናይጀርያ ትዛረብ እንተኾነት ምስ ታሪኽ ኤርትራን ከባቢናን እውን ስለዝተኣሳሰር ነቲ ፍጻሜታት ከም ምስሊ እያ ተርእየካ። ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ ዳዊት።

ብዙሓት ቺነዋ ኣቸበ ንወጻእተኛታት፡ "ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ሃገሮምን ታሪኾምን ክጽሕፉ ይኽእሉ እዮም እባ" ዘበለት መጽሓፍ ምዃና ድማ ይዛረብ።

ቺንዋ ኣቸበ ምስ ሞተ ዳርጋ ዓለም ብምሉኡ'ዩ ተዛሪቡሉ። ሚድያ ዓለም (ቢቢሲ/ሲ.ኤን-ኤን/ዘ ጋርድያን/ኒውዮርክ ታይምስ/ዋሺንግተን ፖስት ... ወዘተ) ብሓባራ ብሞቱ ተዛረቡ: ብኣበርክቶኡ ድማ ኣብ ዓምድታቶም ኣስፈሩን።

ኣብነት ቺንዋ ኣቸበ ዓቢ'ዩ። ብዘዕባ ዝዓበየሉ ዓዲ ክጽሕፍ እንከሎ ብዛዕባ ሞትን ህይወትን፡ ሓጎስን ሓዘንን፡ ነውርን ክብርን፡ ኣምልኾን እምነትን፡ ጌጋን ቅኑዕን፡ ቅቡልን ዘይቅቡልን፡ ርኽበትን ድኽነትን፡ ተራ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ሕግታትን ስርዓትን ኣጽፊፉ፡ ንኣንባቢ ብዝስሕብ ኣገባብ ምስ ኣንበሮ ኣንባቢ 'ለካ ከምዚ ኣሎ'ዩ' ክብል ጀመረ፣ዓለም ከኣ ንመጽሓፉ ግብራዊ መልሲ ሃበሉ።

ስለዚ ከኣ እዩ ብፍላይ ኣብቲ እዋን ዝዓበየን ዝተማህረን እሞ ከኣ ነታ መጽሓፍ ክረኽባ ዝኽኣለ ዘየንበባ ኣይክህሉን እዩ ዝበሃል።