እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጽሓፍ ምንባብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ክመሓየሽ ይሕግዝ
እንተድኣ ዝበዝሐ ግዜኻ መጽሓፍ ብምንባብ የሕሊፍካዮ፡ ጽቡቕ ወረ ትሰምዕ።
መጽሓፍቲ፡ መዘናግዕቲ ጥራይ ዘይኮኑ ንጥዕና ኣእምሮኻን ንሓድሕዳዊ ዝምድናኻ ምስ ሰባት ንምምዕባል ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ።
መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ከም ዘረጋግጽዎ፡ ምንባብ ናይ ምስትብሃልን ምዝካርን ዓቕምኻ የዕዝዞ ጥራይ ዘይኮነ ጭንቀት ኣብ ምውጋድ`ውን ሓጋዚ ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ዝተመጣጠነ መግቢ ምብላዕን ኣካልዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ጥዕናና ኣብ ምዕቃብ ኣዝዮም ወስነቲ ዝኾኑ፡ መዓልታዊ ምንባብ ድማ ንምንቅስቓስ ጭዋዳታት ሓንጎልናን ነቲ ምሉእ መዓልቲ ብሻቕሎት ተዋሒጡ ዝወዓለ ኣካላትና ኣብ ምዝናይ ይሕግዝ።
ግዜኻ ብሓጎስ ንምሕላፍ ምንባብ ድማ ኣብ ነብስኻ ክትንየትን ክትተኣማመንን ክሕግዘካ ከሎ ነቲ ምልክታት ንምርሳዕን ጭንቀት ድማ ደው ንምባልን ይሕግዝ።
ጽቡቕ መጽሓፍ ምንባብ ልክዕ ነብስኻ ኣብ ውሽጢ ሓዳስ ዓለም ምእታው ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ልበወልዳዊት ዓለም ከም ዘሎኻ ድማ ይስምዓካ።
ካብቲ ዝወዓልካዮ ኣህላኽን ኣሻቓልን ኩነታት ድማ ይኣልየካ።
ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ገለ መጽሓፍቲ ምስ ገጸ ባህርያት ናይቶም ቀንዲ ሰብ ዛንታ ስለ ዘተኣሳስረካ፡ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ትሳቐ ከም ዘየሎኻ ይስምዓካ።
ጽቡቕ መጽሓፍ ቀንዲ መሓዛ ኣብ ምፍዋስ ጥዕናኻ ክኸውን ከሎ፡ ተደናጋጻይ [ሓላዪ] ክትከውን ድማ ይገብረካ።
እዘን ዝስዕባ ሸውዓተ ነጥብታት ገለ ምንባብ ካብ ዝህቦ ረብሓታት እየን፡
ክትዛነን ሻቕሎትን ከተውግድ ይሕግዝ
ብመሰረት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሶሴክስ ዝተግብረ መጽናዕቲ፡ ምንባብ ዓቐን ሻቕሎት ብ65 ሚኢታዊት ይንኪ።
እዚ ዝቐረበ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ ድማ፡ ምንባብ ሓንጎልናን ምሉእ ኣካላትናን ክዛነ ዝሕግዝ እንኮ ምንቅስቓስ ኢዩ።
ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ፡ ድሕሪ ብርቱዕ ውዕሎ ኣካላትካ ብስራሕ ምስ ዝደክም፡ መጽሓፍ ብምልዓል ነብስኻ ካብዛ ዓለም ንሒደት ሰዓታት ብምእላይ ሓንጎልካን ኣካላትካን ተዛኒ።
ተደናገጽቲ ይገብረና
ኣብ ክፍላ 90ታት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት ኣምር ናይ ተደናጋጽነት ክርድኡ ኣኽኢልዎም።
ካልእ ዝተግብረ መጽናዕቲ ድማ፡ ምንባብ ንሓንጎልና የበራብሮን፡ ንኻልኦት ናይ ምድንጋጽ ስምዒታትና ከነዐቢ ይሕግዘና።
ልብወለዳዊ መጽሓፍቲ ካብቶም ልብወለዳዊ ዘይኮኑ መጽሓፍቲ ዝያዳ ተደናገጽቲ ክንከውን ይሕግዙ።
ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ሕዉስ ኢዩ፤ ፍልይ ዝበሉ፡ ልብወለዳዊ መጽሓፍቲ ብምንባብ ድማ ዝያዳ ሕውሳትን ተደናገጽትን ክንከውን ይገብረና።
ተዓጻጻፊ ኣእምሮ የማዕብል
ግጥምታት ምንባብ ኣብ ዋህዮታት ሓንጎልና መሳጢ ለውጥታት ይፈጥርን፡ ገለ ክፋላት ናይ ሓንጎልና ድማ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ክኸውን ይገብሮ።
እቲ መስርሕ ምንባብ ግጥምታትን ነቲ ቃላት ድማ ዳግመ ገመጋም ምግባርን ነቲ ናይ ኣእምሮና ተዓጻጻፍነት ክዓብን ናይ ደቂ ሰባት ፍሉይ ባህርያት ንምልምማድን ይሕግዝ።
ናይ ምንባብ ብርቱዕ ድልየት ዘለዎም ኣንበብቲ ኣብ ክንዲ ብልምዲ ዝምርሑ ንነገራት ፈጠራዊ ፍትሓት የናድዩ።
ኣድማዒ ፍወሳ
ኣብዚ ቐረባ እዋን ብብዙሕ ሽግራት ሓልፍካ`ዶ? እንተድኣ ሓሊፍካ ድማ፡ ምስቲ ናትካ ኩነታት ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለዎ ልብወለዳዊ ገጸ ባህርያት ዘንጸባርቕ መጽሓፍ ብምንባብ ዳርጋ ኣድማዒ ፍወሳ ኣብ ነብስኻ ከተካይድ ይሕግዘካ።
መጽሓፍ ምንባብ ንሽግራትካ ፍታሕ ንምርካብ ይሕግዘካ ይብል ክሪስትል ራሰል፡ ተመራማራይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሜሪካ።
ናይ ሓንጎል ምንቅስቓስ የሰስን
ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ፡ ናይ ዛንታ መጽሓፍቲ ምንባብ ኣብ ስነ ኣእምሮኣውን ስነ መትናውን ኩነታት ሓንጎልና ጽልዋ የሕድረሉ።
ምንባብ ምስ ጭዋዳታት ሓንጎልና ዘለዎ ምትእስሳር ብምዝያድ ንናይ ምዝካር ጭዋዳታት ንኽድልድል ይሕግዝ።
ሕማም ረሲዕ ይከላኸል
ምንብባብ ሓንጎልና ኣብ ምብርባር ዓቢ ተራ ስለዘለዎ፡ ነቲ ምድካም ሓንጎልን ምልክታት ሕማም ረሲዕን [ዲሜንሽያ] ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ።
ኣብ ሓንጎል ናይቶም ዘንብቡ ሰባት ዝተገብረ ሕክምናዊ መርመራ ከም ዝሕብሮ፡ ጽቡቕ ከምዝድቅሱን ከምዘይሻቐሉን ኣብ ነብሶም ድማ ዝያዳ ከም ዝተኣማመኑ ይገብሮም።
ምስትውዓል የዕቢ
መጽሓፍቲ ምንባብ፡ ናይ ኣእምሮና ናይ ምስትውዓል ብቕዓት የዕቢ። ናይ ምስትብሃል ኣእምሮኣዊ ክእለት ናይ ካርታ [ማፕ] ምንባብን ምህናጽን መደባት ምውጻእን ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከነካይድ ይሕግዘና።
መደምደምታ
ምንባብ ተላባዒ ሕማም ከምዝኾነ ትፈልጥ`ዶ? ሰብዓን ሓሙሽተን ሚኢታዊት ዝኾኑ ወለዲ ደቆም መጽሓፍቲ ከንብቡ ይደልዩ።
ደቅኻ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ከማዕብሉ ትቃልሰ እንተድኣ ኣሎኻ፡ ፈለማ ኣብ ገዛ ብምንባብ ኣብነት ኩን።