እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ፡ መን'ዩ?
ማእኸል ትምህርቲ ጥንታዊት ግሪክ ዝነበረት ከተማ ኣቴንስ፡ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝፈለሱ ሰባት፡ ስነ-ኸዋኽብቲ፣ ጂኦሜትሪን ካልኦትን ናይ ፍልስፍና ምህሮታት ይቐስሙላ ነይሮም።
ኣብ መብዛሕትኡ ባህልን ኣተሓሳስባን ምዕራባውያን ጽዕንቶ ዘሕደረ'ዩ ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ኣብ 6ይ ክፍለ-ዘመን ዝተቐልቀለ ፍልስፍና'ውን ብግሪካውያን ዝማዕበለ እንትኾን፡ ንኣሪስቶትል ዝመሃረ ፕላቶ ዝብሃል ብሉጽ ተምሃራይ ዝነበሮ ሶቅራጠስ፡ 'ኣቦ ፍልስፍና ግሪክ' ተባሂሉ ይስመ።
እዞም ፈላስፋታት ንህይወት፣ ሞትን ዓለምን ዝህቡዎ ትርጉም ብዕድመ ንዝበልጽዎም ሰባት ብምምጓት፡ ዘመናዊ ዝብሉዎ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ንምፍጣር ይጽዕሩ ምንባሮም ይግለጽ።
ኣብ 16 ክፍለ-ዘመን ብ1592 ዓ.ም ዝተወልደ፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ኣኽሱም ካብ ሕብረተሰብ እቲ ዘመን ዝተፈለየን ውጽእ ዝበለን ኣተሓሳስባ ዝነበሮ፡ ካብ ድኻ ሓረስታይ ዝተወለደ ዘርኣያእቆብ ዝተብሃለ ፈላስፋ ነይሩ።
እዚ ፈላስፋ በቲ እዋን ካብ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ብምዃኑ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ኤውሮጳውያን ኾኑ ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ፡ 'ኢትዮጵያዊ ኾይኑ፡ ብኸመይ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልዎ ይኽእል?' ኢሎም ጽሒፎም'ዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መስራትን ኣተሓባባርን ማእኸል ቅዱስ ያሬድ ማእኸላይ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፋት ኢትዮጵያን መጽናዕታት ብራናን ሓጎስ ኣብርሃ (ዶክተር)፡ ካርሎ ኮንቲሮስኒ ዝተብሃለ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጥልያናዊ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ብብራና ዝተጽሓፈ ኣተሓሳስባ ዘርኣያእቆብ ክረክብ ከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ካብ ኢትዮጵያውያን ክወጽእ ስለ ዘይኽእል፡ ጣሊያናዊ ፈላሲ ዝጸሓፎ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩ የልዕል።
ድሕሪ እዚ ጥልያናዊ ጸሓፊ ዝመጽኡ ናይ ኤውሮጳ ጸሓፍትን ሙሁራትን ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ሓድጊ ድማ ተመሳሳሊ ተለላ ተኸቲሎም፡ እዚ ፈላስፋ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሎም ጽሒፎም፤ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ከም ፕሮፌሰር ጌታቸው ሃይለ ዝበሉ 'ዘርኣያእቆብ ወዲ ኣኽሱም ዘይኮነ ወዲ ጎንደር [ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ በጌምድር] ምዃኑ' ጽሒፎም እዮም።
ኣብ ክሊ እዞም ክትዓት ግን፡ ብግእዝ ዝተጽሓፈ ቦኽሪ መጽሓፉ እንተርኢናዮ፡ ኣብ ኣኽሱም ዝተወልደ ወዲ ሓረስታይ ምዃኑ'ዩ ዘረጋግጸልና ይብል ዶክተር ሓጎስ።
"ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ ግን እቲ ሽዑ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ንካህናት ኣኽሱም ስለ ዘይጥዓሞም፡ ካብ ኣኽሱም ተሰዲዱ'ዩ። ኣብ መገዲ'ውን ጸዲፉ ነይሩ፤ መወዳእታ ኣብ ጎንደር እንፍራዝ ደብረማርያም ይነብር ነይሩ። ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብምርድዳእ ድማ፡ ናብራ መስሪቱ ወሊዱ'ዩ ዝብል ታሪኽ ኢና ንረክብ" ይብል።
ስለምንታይ ተሰዲዱ?
ፈላስፋታት ግሪክ፡ ሒዞምዎም ዝመጽኡ ዝተፈለዩ ሓደሽቲ ሓሳባት፡ መንቀሊ ስደቶም ወይ ማእሰርቶም ኮይኖም'ዮም። ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ'ውን ናይዚ ግዳይ እዩ ኮይኑ።
ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ፡ ኣብ ብሉይን ሃዲስን ኪዳን ገለ ሕቶታት የልዕል ከምዝነበረ ዝገልጽ ዶክተር ሓጎስ፡ ምንኩስና እቲ ብትሪ ዝነቕፎን ዘውግዞን ድንጋገ ቤተ-ክህነት ምንባሩ ይዛረብ።
"ሕሊናን ቃል ቅዱስ-መጽሓፍን ከም ዝነግረና፡ ወዲሰብ ክባዛሕን ክዋለድን'ዩ ጾታ መፍለዪ ዘለዎ። 'ብዝሁ ተባዝሁ ምልኡዋ ለምድር' ብዝብል'ውን ስለ ዝኣምን፡ ንምንኩስና ከም ሓጢያት ይርእዮ ነይሩ" ይብል እቲ ምሁር።
ልዕሉ ኹሉ ድማ 'ዳኛ ደቂሰባት ሕሊና'ምበር ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ ኣይኮኑን፤ ብምኽንያታውነት ኢና ክንኣምን ዘለና' ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዙ ነቶም ካህናት ይቃወሞም ብምንባሩ፡ ካብቲ ዝነበረሉ ከባቢ ክስደድ ከም ዝኽኣለ ይዛረብ።
ንምዃኑ እዚ ፈላስፋ ዝኣምነሉ ነገር እንታይ ነይሩ? እቲ ምሁር ቋንቋ፣ ግእዝን ፍልስፍናን፡ እምነትን ፍልስፍናን ዘይክፈላለ ከምዝኽእል ይሕብር።
ቲኦሶፊ፡ ድማር ፍልስፍናን ቲኦሎጅን እንትኾን፤ መብዛሕቲኡ ናይ ፍልስፍና መሰረት ድማ እምነት ባዕሉ'ዩ።
"ንኣብነት፡ ሃይማኖት ትካላዊ ቅርጺ እንትህልዎ፡ እምነት ዲበ ሰብእ [ሱፐር ሂዩማን] ኣብ ዝበሃሉ ህላወታት ኣብ ምእማን መሰረት ገይሩ፡ ናብ ትካል ክዓቢ ዝኽእል'ዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ ይሓትት. . . ይሓትት እሞ፡ ሓደ ማሕበረሰብ መስተውዓላይ ልቢ እንተሃልዩዎ፡ እዚ ክህልዎ ዝገበረ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ሓደ ፈጣሪ ክህሊ ከም ዝኽእል ይኣምን" ክብል የብርህ ዶክተር ሓጎስ።
ይኹን'ምበር፡ ብሽም ዘልኣለማዊ ዝኾነ ኣካል ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ፡ ብናይ ደቂሰባት ስምዒት ዝተመልኡ ስለዝኾኑ መርሚርና ኢና ክንኣምነሎም ዝግባእ ኢሉ እቲ ፈላስፋ ይካታዕ'ዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ ስነ-ኣመንክዮ [ሎጂክ]፣ ስነ-ኣእምሮ [ኢፕስቲሞሎጂ] ኣብ ዝብሃሉ ኣሚኑ፡ ወዲሰብ ክመራመር፣ ክፈልጥ ኣለዎ፤ ፈሊጡ ድማ ንኻልኦት መርኣያ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ የዘንቱ።
"ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘለው ነገራት ሕሊናና ከም ዝነግረና ይሓስብ ስለዝነበረ፡ ኩሉ ነገር ሕሊና መሰረት ዝገበረ'ዩ፣ ሕማቕን ጽቡቕን መበገሲኦም ሕሊና'ዩ፡ ኢሉ ዝኣምን ብዝበልጸገ መገዲ ዳርጋ ከምቶም ናይ 1920ታት ዝነበሩ ፈላስፋታት ፍራክስ ባከን፣ ሄግል ክመጣጠን ዝኽእል ፍሉይ ፈላስፋ'ዩ" ይብል።
1921 ክፍለ-ዘመን፡ ሰፊሕ ናይ ስነ-ሂስ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ዘመን'ዩ። ብዛዕባ ሂስ ዘልዓለ ምሁር ኣሪስቶትል ከም ዝኾነ ይንገረሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ሂስ እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዘድሊ ዝገለጸ፣ ዘውግዐ ድማ ዘርኣያእቆብ'ዩ ይብሃል።
እዚ ብኸመይ ምርግጋጽ ይከኣል? ክንብል ዝተወከስናዮ ዶክተር ሓጎስ፡ ሃየስትን ሂስን ኣቐዲሞም ዝነበሩ እንተኾኑ'ውን፡ ብዛዕባ ሂስ ብወግዒ ዘውግዐ ግን ዘርኣያእቆብ'ዩ ይብል።
"ፍልስፍና ነይሩ ፍልስፍና ምዃኑ ምስትብሃል ካልእ ጉዳይ'ዩ [ፍልስፍና እንተነበረ'ውን ፍልስፍና ኢሉ ዝጸውዐ ፓይታጎረስ'ዩ]። ኣብ ሃገርና'ውን ሂስ ነይሩ፤ ከምዘድሊ ግን ኣፍ ኣውጺኡ ንሱ ስለ ዝተዛረበ ናይ መጀመርታ ሃያሳይ ወይ ክሪቲክ እውን ክንብሎ ንኽእል ኢና" ይብል።
ናይዚ ኩሉ መረጋገጺና እንታይ'ዩ?
እቲ እዋን ስሩዕ ሜላ ጽሑፍን ስነ-ጽሑፍን ከም ባህሊ ዘይማዕበለሉ ብምዃኑ፡ ዳርጋ ዝበዝሑ ታሪኻትን ፍጻመታትን ብኣፍ'ዮም ዝዝንተው። ብዛዕባ እዞም ዝተፈላለዩ ሓተታ ተፈጥሮን ኣፈ-ታሪኽን እንሰምዖም ነገራት ክንኣምንን ዘይክንኣምንን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ሃለዋት እዚ ፈላስፋ ብኸመይ ንእመን?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ንግስቲ ኣዜብ፣ ህንደኬ፣ ሳባ እናተብሃላ ዝጽውዓ ደቂኣንስትዮ ንግስቲታት'ኳ እንተሃለዋ፡ መብዛሕትኡ ግን ብኣፈ-ታሪኽን ሓተታ ተፈጥሮን ዝተደገፈ ስለዝኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ንምእማን የጸግም'ዩ ዝብል ዶክተር ሓጎስ፡ ሃለዋት ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ ዘረጋግጸልና ግን "እቲ ጽሑፍ'ዩ" ይብል።
"ናይ ዘርኣያእቆብ ኣብ ብራና መጽሓፍ ግእዝ ዝተጽሓፈ ስለዝኾነ፡ ብናይ ፊሎሎጂ መዐቀኒ ናይ መዓዝ ዘመን ምዃኑ ምፍላጥ ስለ ዝከኣል፡ እቲ ፈላስፋ ኣብዛ ሃገር ምንባሩ የረጋግጸልና" ኢሉ።
እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤተ-ንባብ ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ኣሎ ኣብ ዝብሃል ብራና ዘሎ ጽሑፍ ዘርኣያእቆብ፡ ሰዋስው እቲ ግእዝ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ ሰዋስው ግእዝ ውሽጢ ዘሎ ኣተሓሳስባ ሓደ ጥልያናዊ ወይ ጀርመናዊ መጺኡ ክጽሕፎ ብዝኽእል ቅዲ ከም ዘይተጽሓፈ ይዛረብ።
"ካልእ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ናይ ግእዝ ቅድን ሓሳብን፡ ሓደ ካብ ካልእ ዓዲ መጺኡ ክጽሕፎ ዝኽእል ዓይነት ስነ-ልቦና ዘለዎ ጸሓፋይ ኣይኮነን ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ። ኣብ ኤውሮጳ ዘየለው ዝተፈላላዩ ስነ-ልቦናዊ ኣተሓሳስባታት፡ ግን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘለው ኣብቲ መጽሓፍ ውሽጢ ንረክብ። እቲ ዝተጽሓፈሉ ግዘ ቃላዊ ዘይምዃኑ. . . ተደማሚሩ ብህይወት ምንባሩ ምርግጋጽ ይከኣል" ዝብል ምሁራዊ መርትዖ'ውን የቕርብ።
"እዚ ፈላስፋ ንሕሊና ዝህቦ ዋጋ ልዑል'ዩ"
ፈላስፋ ዘርኣያእቆብ፡ ካብቲ ኣማዕቢሉዎ ዝብሃል እምነት ብዝምንጩ፡ ሕድ ሕድ ሰብ፡ ንዘንበቦ ኹሉ ክኣምኖ ዘይኮነ ክምርምሮ ከም ዘለዎን፡ ተጸጊዑ ዘይኮነ ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ክሕዝ ከም ዝግባእን ዘመላኽት ስብእና ዝነበሮ ፈላስፋ'ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ከም ዘድፍር ዶክተር ሓጎስ ይገልጽ።
"ሰብ ሓቢሩ ይሰቲ፣ የውግዕ፣ ይበልዕ፣ ይዝቲ እምበር ሓቢሩ ክሓስብ ኣይኽእልን። ብምኽንያት ዝተደገፈ ውልቃዊን ስነ ኣምክንዮኣውን ኣተሓሳስባ ክህልዎ ከም ዝግባእ'ዩ ዝነግረና"።
ሕሊናኻ ተሰኪምኻዮ ስለ እትኸይድ ተሓቢእኻ እትገብሮ ነገር ከም ዘየለን ንሕሊናኻ ምንባርን ካብዚ ፈላስፋ ክንወስዶም እንኽእል ክብርታት ኮይኖም፡ "ንሕሊና ዝህቦ ዋጋ ልዑል ብምዃኑ፡ ከምቲ ሎሚ ብናይ ሓሶት ናይ ፌስቡክ መጥቀሚ ከፊትካ ክትጻረፍ ከም ዘይትኽእል'ዩ ዝነግረካ" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ'ውን ይሕብር።
ብኻልእ ወገን ኣፈላላያት ከም ሓደጋ ወይ ጸላኢ ዘይኮነ፡ ከም ጸጋ ምቕባል ክንርዳእ ይግባእ ዝብል ዶክተር ሓጎስ፡ ሰብ ኩሉ ክቡር ምዃኑ፡ ብሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዘርኢ ኾነ ኣልእ ከይፈለኻ ክኽበር ከም ዘለዎ እቲ ፈላስፋ ካብ ዝሓለፎ ህይወት ምምሃር ከም ዝክኣል ይጠቅስ።
እቲ ፈላስፋ "ናይ ዓለም ዓብዪ ጸገም ናይ ግዘ መንፈስ ዘይምርዳእ'ዩ፤ ናይ ኩሉ ጥበብ መጀመርታ ናይ ግዘ መንፈስ ምርዳእ'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘባእሱና ነገራት ሃጸያት [ነገስታት] ዝሰርሑዎም ሕማቕን ጽቡቕን ክንግምግም ከለና፡ በዚ ናይ ሕዚ ግዘ መንፈስ ስለ ዝኾነ'ዩ። ግዘ ንድሕሪት ተመሊስኻ ክትጉዓዞ ከም ዘይትኽእል ካብ ዘይምርዳእ ብዙሕ ነገር ስለ እትኸስር፡ ኩሉ ማሕበሰረብ ግዘ መንፈስ ተረዲኡ ለውጢ ዘመን ተረዲኡ ብኡ ተለላ ክጉዓዝ ይግባእ" ከምዝበለ እቲ ምሁር ይዛረብ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ መስራትን ኣተሓባባርን ማእኸል ቅዱስ ያሬድ ማእኸላይ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፋት ኢትዮጵያን መጽናዕታት ብራናን ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ (ዶክተር)፡ ታሪኽ ህይወትን ፍልስፍናታትን ዘርኣያእቆብን መዘምሩ ወልደህይወትን ዘዘንቱ መጽሓፍ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ኣዳልዩ ኣሎ።