እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኢድ ኣልበርት ኣንስታይን ዝተጽሓፈ ደብዳበ 2.9 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ
ጽንሰ ሓሳባት እምነት ኣልበርት ኣንስታይን ዝሓዘ ብኢድ ዝተጽሓፈ ደብዳበ እቲ ፈላስፋ፡ 2.9 ሚሊዮን ዶላር ማለት'ውን 84 ሚሊዮን ብር ዋጋ ኣውጺኡ።
'ደብዳበ እዝግሄር' ዝተብሃለ እዚ ደብዳበ ኣብ 1954 ዓመተ ፈረንጂ ዝተጽሓፈ ኾይኑ፡ ኣብ ኒውዮርክ ንጨረታ ቐሪቡ 1.5 ሚሊዮን ዶላር ከውጽእ'ዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ዝኾነ ሳይንቲስት ኣንስታይን፡ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኤሪክ ጉትካይንድ፡ ካብ ስራሕቱ ንሓዲኦም ምላሽ ክህቦ፡ በዓል ሓደ ገጽን ፈረቓን ዝሓዘ ጽሑፍ ጽሒፉ'ዩ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ሳይንስን ሃይማኖትን ዘሎ ክትዕ ዘንጸባረቐ ጽሑፍ'ዩ።
"እዚ ብሕታዊ ናይ ውልቂ ደብዳበ ኣንስታይን ቅድሚ ምማቱ ሓደ ዓመት ቐዲሙ ዝተጽሓፈ ኾይኑ፡ ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ኣረዳድእኡ ብግልጺ ዘስፈረ'ዩ" ተባሂሉ።
ብቋንቋ ጀርመን ዝተጽሓፈ እዚ ደብዳበ፡ ብእዝግሄር ምእማን ጣቋ የብሉን ይብል።
"እዝግሄር ዝብል ቃል ንዓይ ትርጉም የብሉን፤ ውጽኢትን መግለጽን ሰብኣዊ ድኽመት'ዩ" ኢሉ ኣብ ደብዳብኡ ዝጸሓፈ ኣንስታይን፡ "መጽሓፍ ቕዱስ ድማ፡ እኩብ ጥንታዊ ታሪኻት ክብሪ ዝወሃቦም ሰባት'ዩ" ኢሉ።
እዚ ሰብ፡ ብዛዕባ ኣይሁዳዊ መንነቱ ድማ፡ "ልክዕ ከም ካልኦት ሃይማኖታት፡ እዚ'ውን መርኣያ ጥንታዊ ኣጉል እምነት'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
"ብዝለዓለ ክብሪ ዝውከለሉ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ሓለፋ ክብሪ ኣይህቦን"።
ደብዳበ ኣንስታይን ናብ ጨረታ እንትቐርብ ንፈላማ እዋን ኣይኮነን። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ንሓደ ጣልያናዊ ተምሃሪ ኬምስትሪ ዝተጽሓፈን፡ ክረኽበካ ኣይደልን ዝብል መልእኽቲ ዘለዎን ጽሑፍ፡ 6100 ዶላር ተሸይጡ'ዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ማዕዳ ብሓጎስ ምንባር ዝሓዘለ ጽሑፍ ኣብ እየሩሳሌም 1.56 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ'ዩ።
እዚ "ካብ ዓወትን፡ ዓወት ሒዙዎም ዝመጽእ ተኸታታሊ ምስኣን ዕረፍትን፡ ዝተረጋግአን ትሕትና ዝተመልኦን ህይወት፡ ልዑል ደስታ የመንጪ" እትብል ሓንቲ ሙሉእ ሓሳብ ዝሓዘ ደብዳበ'ዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ኣልበርት ኣንስታይን እንታይ ትፈልጡ?
- ቫዮሊን ይጻወት
- ክዛረብን ክኸይድን ዝሕቱል'ዩ ነይሩ
- ርእሱ ካብቲ ዝተለመደ ውጽእ ዝበለ ነይሩ
- ስደተኛ'ዩ ነይሩ
- ኻልኣይ ፕሬዝደንት እስራኤል ናይ ምኻን ዕድል ነይሩዎ
- ፍሉጥ ስእሉ፡ ምስሓቕ ምስ ደኸሞ'ዩ ተሳኢሉ