ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክስድር ዝገበሩ ጸሓፊ

ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ሓርበኛ፡ ዲፕሎማት፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣቦ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ እታ ሃገር እዮም።

እታ ደጋጊማ ምስ ስሞም እትዝከር ክሳብ ሎሚ ዝናኣ ዘይሃሰሰ፡ "ፍቅር እስከ መቃብር" (ፍቕሪ ክሳብ መቓብር) ዘርእስታ ብ1965 ዝተሓትመት መጽሓፎም ሓወልቶም እያ።

እታ ሽዑ ብብዙሕ ህዝቢ ዝተነበትን ንዓመታት ኣብ ሬድዮ ዝተተረኸትን ዓባይ መጽሓፍ ዝሰዓቡ ወለዶታት ዘድንቑዋን ቍም ነገራን ስነ-ጥበባዊ ጽባቐኣን ዘይሃስስ ክላሲካዊት ስነ-ጽሑፍ ነበረት።

እታ መጽሓፍ ዝተሓትመትሉ ዘመን፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ (ዓባይ ብሪጣንያ) ንመጀመርያ ጊዜ ንኢትዮጵያ ዝበጽሓሉ፡ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ስርዓቱ ዘጽንዓሉን ስልጣኑ ዘደልደለሉን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ብዝላ ዝሰጎመሉ እዋን ነበረ።

ብኻልእ ሸነኹ ከኣ ኤርትራውያን፡ ብተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ሕቶኦም ክስማዕ ጸዊዖም ሰማዒ ምስ ሰኣኑ ብተቓውሞን ኣድማን ድምጾም ዘስምዑሉ፡ ክብሮምን መሰሎም ምስተጋህሰን ከኣ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩሉን ከም ሳዕቤኑ ብዙሕ ሰብ እተኣስረሉን ብጭካነ ዝጸንተሉን እዋን ነበረ።

እንተኾነ ኣብ መዳይ ስነ-ፍሑፍ መጺእካ እታ ዓቢ ኣድናቖት ዘትረፈት ንመስፍናዊ ጠባይን ኣካይዳን እቲ ሕብረተሰብ ብዝግባእ እተንጸባርቕ፡ " ፍቅር እስከ መቃብር" ፍቕሪ ክሳብ መቓብር ዘርእስራ መጽሓፍ እንኮላይ ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ትንበበሉ ዝነበረት ዘበን እዩ።

ኣብቲ እዋን ስርዓት ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ትግርኛ ናብ ኣምሓርኛ ተለዊጡ ቈልዑ ኣብ ክንዲ "ዓርኪ ተመሃራይ" "ለማ በገበያ" ዝኣርስቱ መጻሕቲ መለማመዲ ንባብ ዝመሃርሉ ዝነበሩ እዋን ነይሩ።

"ፍቕሪ ክሳብ መቓብር፡ ታሪኽ፡ ባህልን ልምድን፡ መነባብሮ ሰባትን እትገልጽ "ሕቡእ ፖለቲካ" ዝሓዘለት መጽሓፍ ብምዃና ተመሊስናን ደጋጊምናን ከነንብባ እትግብኣና መጽሓፍ'ያ'' ይብል ተመራማሪ ዳዊት መስፍን።

ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከምዘገልገለ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

''ንኵነታት ህዝብን ስርዓት መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴን ብቐረባ ዝፈልጡን እቶም ዝጽሕፍዎም ዝነበሩ ዛንታታት'ውን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ናብራ ነይሩ'' ክብል ዳዊት ይዛረብ።

ትሕዝቶ "ፍቕሪ ክሳብ መቓብር"

እታ 35 ምዕራፋትን 552 ገጻትን ዘለዋ መጽሓፍ ብዛዕባ ፍቕሪ በዛብህ ዝተባህለ ወዲ ሓረስታይን ሰብለወንጌል ዝተባህለት ጓል ሃብታምን ኰይኑ፡ እቲ ዝነበረ መስፍናዊ (ጉልታዊ) ስርዓትን ባህልን ብከመይ ኣገባብ ንፍቕሮም ከም ዝተጻብኦም እትገልጽ ዛንታ'ያ።

እታ መጽሓፍ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ሞንጎ ምርኡያትን ዝተደቝሱን ወይ ከኣ ዘይምዕሩያን ደርብታት ዝነበረ ሰላሕታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ዉሽጢ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ንድኻን ታሕተዋይ ደርብን ዝደቍስ ዝነበረ ሽርሒ ኣጕሊሓ እተርኢ ዛንታ ብምዃና ኣብ ልብን ኣእምሮን ኣንባቢ ብቐሊሉ ክትሰርጽ ከኣለት።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ዛንታ እቲ ህዝቢ ዝርእዮን ዝምኰሮን ዝነበራ ናብራ ብጽሑፍ ኣቐሚጣ ሰውራዊ መንፈስ ክሰፍን ዝደረኸት'ያ ክበሃል ይከኣል።

እታ መጽሓፍ ንቕጽበት ተቐባልነት ዝረኸበትሉ ምኽንያት ብኣፋትል ፍቕሪ ዝተኣሳሰረት ዛንታ ብምዃና ጥራይ ዘይኰነስ መስትያት ሕብረተ-ሰብ ኰይና ንህዝቢ ኣብ ከመይ ዓይነት ዓዘቕቲ ከም ዝነበረ ከተርኢ ብምኽኣላ'ዩ።

እታ ዛንታ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ከመይ ከም ዝነበረት፡ እቶም ባህልታትን ልምድታትን ናይ'ቲ ዘመን ከመይ ኢሎም ምስ ጥቕምታት ላዕለዎት ደርቢ ተኣሳሲሮም ከም ዝነበሩ፡ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ወጽዓ ተቐቢሉ ባዕሉ ነቲ ሓንኳል ስርዓት ይከናኸኖ ከም ዝነበረ ተርኢ።

"ፍቕሪ ክሳብ መቓብር" ኣመና ዉርይትን ፍትውትን ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ዘመን ሃይለስላሴ፡ ደርጊ፡ ድሕሪ ደርጊ ትሽዓተ ጊዜ ተሓቲማ።

ኣብ ትምህርቲ ዓለም፡ ተመሃሮ መጻሕፍቲ ናይ ዓበይቲ ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ - ከም ሃዲስ ኣለማየሁ፡ በዓሉ ግርማ፡ ኣቤ ጉበኛ፡ ጸጋየ ገብረመድህን፡ መንግስቱ ለማ፡ ዳኛቸው ወርቁ፡ ማሞ ዉድነህ - ዝንብብሉ እዋን ነበረ።

ኰይኑ ድማ መልእኽቲ ናይ'ታ መጽሓፍ ኣበዮ ኵርንዓት ሃገር በጺሑ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ

ሃዲስ ኣለማየሁ ብ 17 ጥቅምቲ 1909 ካብ ኣቦኦም ቀሺ ኣለማየሁ ሰሎሙን ሃይሉ፡ ኣዲኦም ወይዘሮ ደስታ ኣለሙ (ጓል ቀሺ) ኣብ ኣውራጃ ደብረማርቆስ እትርከብ እንዶዳም ኪዳነ ምህረት ዝስማ ቍሸት'ዩ ተወልዱ።

ኣባሓጎኦም (ብኣዲኦም) ኣብ ገዳም ናይቲ ቍሸት ናይ ዜማ ቤተክርስትያን መምህር ስለዝነበሩ፡ ሃዲስ ካብኦም፡ ካብ ፊደል ግዕዝ ጀሚሮም ክሳብ ኣቕላስያዊ ትምህርቲ ብዙሕ'ዮም ተማሂሮም።

ሃዲስ ኣብቲ ገዳም ብኣቕሽሽቲ ተኸቢቦም ባህልን ጸሎትን ቤተክርስትያን፡ ቅኔን ዜማን እናተማህሩ ክዓብዩ ጀመሩ። ብ1925 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ከኣ ብሽወደናውያን ሚስዮናውያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም ቋንቋ እንግሊዘኛ ብግቡእ ተማህሩ። ጸኒሖም፡ ብሓገዝ ራእሲ ሃይሉ ተኽለሃይማኖት ናይ ጎጃም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኰነን ኣትዮም ብፍልጠት ሰጒሞም።

ሃዲስ ቅድሚ ህብቡነቶም ሓያል መምህር ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም፣ ኣብ ሓይሊ ትምህርቲ ብዕቱብ ዝኣምኑ ሰብ ነበሩ ይበሃል። ብዙሕ ዘይዝረበሉ ድማ ንፉዕ ገጣሚ ምንባሮም'ዩ።

ብ 1935፡ ድሮ ጣልያን ንኢትዮጵያ ምጕባጣ፡ ሃዲስ ንደብረማርቆስ ተመሊሶም ንደቂ ዓዶም ከባራብሩ ጀመሩ - ኣብ ምክልኻል ሃገር ምእንቲ ክዋፈሩ። ኣብ ትሕቲ ራእሲ እምሩ ሃይለስላሴ ኰይኖም ድማ ብመጀመርታ ኣብ ሰሜን ኣብ መስመር ግንባር ተሰለፉ፣ ጸኒሖም ድማ ከም ደባይ ተዋጋኢ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንሃገሮም ተኸላኸሉ።

ኣብ 1896: ኣብ ዉግእ ዓድዋ፡ ኢትዮጵያ ንጣልያን ብምስዓር ንክብሪ ጣልያን ባይታ ከም ዝዘብጥ ገይሩዎ ነበረ። እቲ ስዕረት'ቲ ንጣልያን ክዋሓጠሎም ስለ ዘይከኣለ ሕኒኦም ንክፈድዩ ዝተኣልመ ወራር ከምዝነበረ ይግለጽ።

ብ1936 ብጣልያን ተማረኹ፡ ምስ በዓል ይልማ ዴረሳ ዝነበርዎ ጕጅለ፡ ተኣሲሮም ንዓዲ ጣልያን ተወስዱ። ኣብ ዓዲ ጣልያን ክሳብ ሕዳር 1943 ተኣስሩ። ናይ ኪዳን ሓይልታት ንፋሺስቲ ጣልያን ምስ ሰዓሩ ኸኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጽኡ።

ካብ ዓዲ ጣልያን ምስ ተመልሱ ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ክሳብ 1974 ኣገልገሉ። ኣብ እየሩሳሌም (ከም ላዕላይ ቆንስል) ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ ምስ ወይዘሮ ክበበጸሃይ በላይ፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝዓበያ ተራኺቦም ሓዳር መስረቱ።

ብተወሳኺ ሃዲስ ኣለማየሁ ከም ቀዳማይ ተጸዋዒ ናይ ኢትዮጵያ ለጋስዮን ኣብ ዋሺንግተን (ሕ.መ.ኣ.)፣ ዋና ኣማሓዳሪ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ኣገልገሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ከም ሚኒስተር ትምህርቲ ኣገልገሉ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ከም ኣምባሳደር ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተላእኩ።

ኣብ ፍርቂ ስሳታት ብጥዕንኦም ክሽገሩ ስለ ዝጀመሩ ካብ ፖለቲካ ክርሕቁ ፈተኑ። ኣብቲ እዋንቲ'ዮም "ፍቕሪ ክሳብ መቓብር" ዝጸሓፉ።

ከይፈተዉ፡ ኣብ ትሕቲ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ናይ ልምዓት መደባት ሚኒስተር ተሾሙ።

ክሳብ ደርጊ ዝመጽሉ እዋን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ነበሩ። ኣብ ጊዜ ደርጊ ከም ጠቕላሊ ሚኒስተር ንክሰርሑ ብጀነራል ኣማን ዓንዶም ዕድመ ተገብረሎም፣ ግን ይኣኽለኒ ኢሎም ነቲ ጻውዒት ከይተቐበልዎ ተረፉ።

ኣብ ዘመን ደርጊ ነቲ ዝሓቐቐ ፓርላማ ንምትካእ ዝተገብረ ፈተነ ከም ኣማኻሪ ኰይኖም ንኽልተ ዓመታት ኣገልገሉ።

እዚ ዅሉ ብስራሕ መንግስቲ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ልቦም ኣብ ስነ-ጽሑፍ ነበረ። ዕድል ክረኽቡ ድማ መጻሕፍቲ ይጽሕፉ ነበሩ።

ኰይኑ ድማ "የአበሻና የወደኋላ ጋብቻ"፡ "ተረት ተረት የመሰረት"፡ "ፍቅር እስከ መቃብር"፡ "ወንጀለኛው ዳኛ"፡ "የልምዣት"፡"ትዝታ" ዝበሃላ መጻሕፍቲ ንህዝቢ ከቕርቡ ኸኣሉ።

ሃዲስ ኣለማየሁ በቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ዘበርከትዎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብ1999 ናይ ክብሪ ዶክቶርነት ተቐቢሎም'ዮም።

ሃዲስ ኣለማዮሁ ብ7 ታሕሳስ 2003 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 94 ዕድሚኦም ዓረፉ። ሬሳኦም ኣብ ቤት ክርስትያን ቅድስቲ-ስላሴ ይርከብ።

ቅዳሴ ቀብሪ ብፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣቡነ ጵውሎስ ተመሪሑ፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ፈተውቶምን ዝተረኽብሉ ዓቢ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተኻየደ።

ንክብሪ ሃዲስ ኣለማየሁ ኣብ ደብረማርቆስ ሓወልቲ ተተኺሉ ይርከብ፣ ንታሪኾም ዝገልጽ፡ ብኣስፋው ዳምጤ ዝተጻሕፈ "የክቡር ዶክተር ሓዲስ ኣለማየሁ የሕይወት ታሪክ" ዘርእስቱ መጽሓፍ'ዉን ንህዝቢ ቀሪቡ'ዩ።

እታ ዉርይቲ መጽሓፎም ብሲሳይ ኣየነው ናብ እንግሊዘኛ ተተርጒማ'ያ ("Love Unto Crypt")። ናብ ካልእ ቋንቋታት፡ እንኮላይ ናብ ትግርኛ እንተትርጎም ከኣ ንስነ-ጽሑፍ መሀብተመቶ ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት መስፍን።