እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማዳጋስካር፡ ሓደጋ ነፋሪት ስዒቡ ን12 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ዝሓምበሰ ሚኒስተር
ማዳስካራዊ ሚኒስተር ድሕሪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ነፋሪት ህይወቱ ንምድሓን ን12 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ከምዝሓበሰ ተዛሪቡ።
ካብቲ ባሕሪ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ክወጽእ ዝረአ ሚኒስተር ፖሊስ እታ ሃገር ሰርጅ ገሌ፡ ብዝደኸመ ድምጺ"ዝሞቶሉ እዋን ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብታ ሓደጋ ዝበጽሓ ሆሊኮፕተር ካልኦት ምስኡ ዝጸንሑ ክልተ ሰራሕተኛታት ድሕነት ድማ ብህይወት ተሪፎም።
እቲ ሚኒስተር ሓዊሱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ሓደጋ በጺሕዋ ዝጠሓለት ሰባት እተጓዕዝ ጀልባ ከድሕኑ እዮም በታ ሆሊኮፕተር ይንቀሳቐሱ ይሮም።
ብምኽንያት ሓደጋ እታ ጀልባ ብውሕዱ 39 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ ስለልጣን መንግስቲ ብሰሉስ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ ራጆሊና፡ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝስኣኑ ግዳያት ዝተሰመዖ ሓዘን ምስ ገለጸ፡ እቶም ኣብ ምድሓን ሰባት ተዋፊሮም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩን ሓሚሶም ዝተረፉን እቲ ሚኒስተር ዝርከቦም ሰራሕተኛታት ድሕነት ድማ ንኢዱ።
ሓደጋ እታ ነፋሪት ስለምንታይ ከምዘጋጠመ ዛጊድ ምኽንያታ ኣይተፈልጠን።
እቲ ካብ ሰዓት 7፡30 ናይ ምሸት ክሳብ 7፡30 ናይ ንጎሆ ዝሓመሰ ወዲ 57 ሚኒስተር ዝበጽሖ ጉድኣት የለን።
ከቢድ ቁሪ ይስመዓ ከምዝነበረ ግና ተዛሪቡ።
"ኣባላት ስድረይ፣ መሳርሕይን ኣባላት መንግስትን ደሓን ምዃነይ ክፈልጡ ምእታን እዚ ቪድዮ ኣቃልሕዎ፥ ብህይወት ተሪፈ ኣለኹ " ኢሉ ነነበርቲ ማሃምቦ ዝተብሃለት ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ዓዲ ተዛሪቡ።
ሓላፊ ፖሊስ ዛፊሳምባትራ ራቮቪ፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሚስተር ገሌ ሓንቲ ወንበር እታ ሆሊኮፕተር ከም መንሳፈፈፊ ተጠቒሙላ ኢሉ።
"ንሱ ስፖርቲ ኣዝዩ እዩ ዝፎቱ፤ ሚኒስተር ኮይኑ'ውን እዚ ባህሪኡ ኣይቀየረን። ናይ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ ዝኣክል ጉልበት እዩ ዘለዎ" ኢሉ።
ሚስተር ገሌ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ሚኒስተር ኮይኑ ቅድሚ ምሿሙ፡ ኣብ ፖሊስ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣገልጊሉ ተባሂሉ።