እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማዳጋስካር፡ ኣብ ስታድዮም ብዝተፈጠረ ምጽቕቃጥ 16 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ማዳጋስካር፡ መበል 59 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ንምኽባር ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ ዝነበርዎ እስታድዮም ብዝፈጠረ ምጽቕቓጥ 16 ሰባት ሞይቶም።
ክሳብ ሕጂ'ዃ ንጹር እንተዘይኮነ፡ ሰብ መዚ ግን ድሕሪ ምዝዛም ወተሃደራዊ ሰልፊ ሰባት ካብ እስታድዮም ንምውጻእ ኣብ ዝፈተንሉ እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።
እዚ ኣብ ርእሰ ከታማ ማዳካስካር ዝኾነት ከተማ ኣንታናናሪቮ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓያሎ ሰባት'ውን ከቢድን ፎኲስን መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ተሓቢሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እስታድዮም ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ልዕሊ 30 ሰባት ምቁሳሎም ዝዝከር'ዩ።
ሰብ መዚ ማዳጋስካር፡ ሰብ ንኽወጽእ ማዕጾ ምስ ከፈትና'ዩ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ክብሉ እንከለዉ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ግን ዝበዝሐ መዓጹ ብፖሊስ ምስ ተዓጸወ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ሞት ከም ዘጋጠመ ይሕብሩ።