ማሊ፡ 'እቶም ሬሳታት ብሓዊ ዝነደዱ'ዮም'

ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ክፋል ማሊ እትርከብ ቁሸት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሶባን-ኩ ዝተባህለት ኣብ ጥቓ ከተማ ሳንጋ እትርከብ ዓዲ'ዩ ተኻዪዱ።

ሬሳታት ናይቶም ግዳያት ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ይቕጽል'ኳ እንተሎ፡ ብሓዊ ዝነደደ ሬሳታት ናይ 95 ሰባት ከም ዝተረኽበ ግን ሰበስልጣን ገሊጾም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ጥራይ ሓያሎ መጥቃዕትታት ኣብታ ሃገር ከም ዝተኻየደን፡ መንቀሊኦም ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝፍጠር ግጭታትን፡ ካብ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዝፍኖን'ዩ።

ኣብ መንጎ ሃዲኖም ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረ ዶጎንን፡ ሰበኽሳግማውያን ፉላኒን ቀጻሊ ግጭት ከም ዝርአ ይግለጽ።

ዛጊት ናይዚ መጥቃዕቲ'ዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን።

"ኣብዚ እዋን'ዚ 95 ሬሳታት ናይ ሲቪላውያን ረኺብና ኣሎና። እቶም ሬሳታት ብሓዊ ዝነደዱ'ዮም። ነቶም ካልኦት ንምርካብ ንደሊ ኣሎና" ክብል ሓደ በዓልስልጣን እቲ ከባቢ ንኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ዶንጎን ንዘመናት ኣብ ማእከላይ ማሊ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዝበዝሕ ሂወቶም ብሕርሻ ዝነባበሩ'ዮም።

ብኣንጻሩ፡ ዝበዝሑ ብሄረ ፉላኒ፡ ብጉስነት ዝነብሩ ሰበኽሳግማውያን ኮይኖም፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ ኣፍሪቃ እናተንቀሳቐሱ ሂወቶም ይመርሑ።

ኣብ መንጎ ሓረስቶትን፡ ጓሶትን ንነዊሕ ዝጸንሐ ግርጭት እኳ እንተሎ፡ ኣብ 2012 ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ክንቀሳቐሱ ድሕሪ ምጅማሮም ግና፡ እቶም ግጭታት ወሲኾም'ዮም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

እቶም መብዛሕትኦም ኣስላም ዝኾኑ ማሕበረሰብ ፉላኒ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ናይ እስላማውያን ምንቅስቓስ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ይሕመዩ።

ፉላኒ ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍኖ መጥቃዕቲ 'ዳን ና ኣምባሳጉ' ዝተባህለ ብማሕበረሰብ ዶጎን ዝቖመ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ማሕበር ዝፍጽሞ'ዩ ክብሉ ይኸሱ።

ኣቐዲሙ ኣብ ሶባነ-ኩ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ነበርቲ ናይታ ከተማ ተቐቲሎም።

ኣብ መጋቢት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ፡ 130 ኣባላት ብሄረ ፉላኒ ተቐቲሎም። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ባህላዊ ክዳን ሃደንቲ ዶጎን ዝተኸድኑ ምንባሮም ይፍለጥ።

ድሕሪ'ዚ መጥቅዕቲ'ዚ፡ መንግስቲ ማሊ ነቲ ማሕበር ኣጊድዎ። ይኹን 'ምበር፡ እቲ ማሕበር፡ ዕላምኡ ርእሰ-ምክልኻል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሞ ብምሕባር፡ ዕጥቁ ከውርድ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ ግንቦት ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብሄራት ዘሎ ወጥሪ ከም ዝኸፍአን፡ ህላወ ሕሉፋት ጉጅለታት ነቲ ኩነታት ከም ዘጋደዶ'ውን ይገልጽ።

ኣብ 2013 ኣብ ሰሜን ማሊ ብዝኸፈትዎ ምልዕዓል፡ ዳርጋ ፍርቂ'ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ናብ ርእሰከተማ ባማኮ ይግስግሱ ነይሮም፡ ብሰራዊት ፈረንሳ ዝተደገፈ ሓይልታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ምድረበዳ ሳሃራ ክሳብ ዝመልሶም።

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብኣማኢት ዝቑሰሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።