እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ቪድዮ መጥቃዕቲ ድብያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ዘርጊሑ
እስላሚክ ስቴይት (ዳዕሽ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሎሙሉ ዝበሃል ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ዘርኢ ምስሊ ቪድዮ ዘርጊሑ።
እቲ ኣብ ናይ ዳዕሽ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ መመሓላለፊ (ኣፕ) ዝተፈነወ ምስሊ ቪድዮ ንምንታይ ክሳብ ሕጂ ተታሒዙ ጸኒሑ ግን ኣይተፈልጠን።
ትሕዝቶ ናይ'ቲ ቪድዮ ድማ ጥረ (ዘይተኣረመ ወይ ኤዲት ዘይተገብረ) ብካሜራ ናይ ቆቢዕ (ሄልመት) ናይ ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት ዝተቐድሐ ምስሊ የጠቓልል።
እቲ ምስሊ ቪድዮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ዳዕሽ ከምዝተፈጸመ ይእምት።
እቲ ምስሊ፡ ተማእዛዝነቶም ንመራሒ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል ባቕዳዲ ዝገልጹ ብዝመስሉ ደረቕ ስእሊ ዕጡቓት ናይቲ ኣብ ሳሕል ዝመደበሩ ምስ ዳዕሽ ጥምረት ዘለዎ ኣልቃዒዳ ጀምዓት ኑስራት ኣል ዋል ሙስሊሚን ዝተባህለ ጉጅለ ይጅምር።
እቲ ዝተባህለ ተማእዛዝነት ንዳዕሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብብዙሓት ተንተንቲ ተዘሪቡሉ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ብናይ ዳዕሽ ተሌግራም ኣይተዋዓውዐን።
በዓልቲ ቤት ናይ ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣሜሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ መጸናንዒ ቴሌፎን ደዊሉ በዓል ቤትኪ "ወተሃደር ክኽተብ እንከሎ ንምንታይ ይኽተብ ከምዘሎ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ" ኢሉ ኣብኪዩኒ ኢላ ምስ ተዛረበት እቲ ምቕታል ናይቶም ወተሃደራት ብዙሕ ኣዛሪቡ ነይሩ።
ብመሰረት ጸባጻብ ናይ ቢቢሲ ሞኒተሪን (ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝከታተል ትካል ቢቢሲ)፡ ኣብቲ ምስሊ ናይ'ቲ ቪድዮ ብዙሓት ዕጡቓት ኣብ ሓደ ምድረ-በዳ ዘወር ክብሉን ነቲ ድብያ ንምፍጻም ዝኸደሉ ዘለዉ ብዝመስል ዓይነት ኣጓይያ ክጎዩን ይራኣዩ።
ጸኑሑ ድማ፡ ብሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝተቐድሐ ዝመስል ምስሊ የርኢ።
ኣብ ሓደ ህሞት፡ እቶም ወተሃደራት ኣሜሪካ ምስ'ቶም ኣጥቃዕቶም ክታኾሱ እንከለዉ ዝምሰል ምስሊ የርኢ።
ቀፂሉ ድማ ምስሊ ሓደ ዝሞተ ዝመስል (ኣሜሪካዊ) ወተሃደር የርኢ።
እቲ ቶኽሲ ድማ ነቲ ዝቐድሕ ዝነበረ ወተሃደር ሓዊስካ፡ ኩሎም እቶም ወተሃደራት ክሳብ ዝቕተሉ ቀጺሉ።