እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳዊን ጣልያናዊትን በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ተጨውዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተገሊፁ
መንግስቲ ካናዳ፡ እቶም ኣብ ኣብ ቡርኪናፋሶ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ኩቤካዊት ኢዲትን ጣልያናዊ መፃምዳን መጭዋይቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስግኡ ፡ ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቢሮም።
ጓል 34 ዓመት ኢዲትን ወዲ 30 ዓመት ሉካን፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ታሕሳስ ኣብ ቡርኪናፋሶ ከተማ ቦቦ-ዲኦላሶ ከም ዝነበሩ ተሰሚዑ ነይሩ።
እዞም መፃምዲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ንሰብኣዊ ፕሮጀክት ናብ ቶጎ እናምርሑ እንከለዉ እዩ ሃለዋቶም ዝጠፍአ።
ሓፍቲ ወይዘሪት ኢዲት ፡ መላኒ ብለይስ "ብጣዕሚ ኢና ተጨኒቕና ዘለና፡ ዝነበረና ርክብ ብጋህዲ ተቛሪፁ ኣሎ" ክትብል ፍርሓ ንሲቲቪ ኒውስ ገሊፃ።
"ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ኣይጭነቑን ነይሮም፡ ብመገሽኦም ሕጉሳት እዮም ነይሮም፤ ዕድሚኣ ሙሉእ ናብ ኣፍሪቃ ክትጓዓዝ እያ ትምነ ነይራ" ብምባል ድማ ኩነታት እቶም መፃምዲ ተዛሪባ።
ኣብ ፌስቡክ ብመሓዝቶምን ስድራ ኢዲትን ዝተጣየሸ ጉጅለ ድማ፡ እዞም መፃምድቲ መኪንኦም ንምሻጥ ናብ ኦጋዶጉ የምርሑ ዋላ እኳ እንተነበሩ፡ ናብ ዶባት ቶጎ ወይ ድማ ቪዛ ንምምልካት ከም ዘይተንቀቐሱ ሓቢሩ።
መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶን ዶባት ቶጎን ብዘሎ ስግኣት "ክትራንን ግብረ-ራዕድን" ዜጋታት ከይገሹ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
መንግስቲ ካናዳ፡ ምጥፋእ ሃለዋት እዞም ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ዋላ እኳ እንተ ዘይተረጋገፀ፡ መጭወይቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ስግኣቱ ምግላፁ፡ ራድዮ ካናዳ ፀብፂቡ።
ምጥፋእ ሃለዋት ወይዘሪት በላይስ "ብጣዕሚ ቀዳምነት" ዝወሃቦ ጉዳይ ከም ዝኾነ ድማ ተገሊፁ።