ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግሪንላንድ "ንድሕሪት ምባል የለን" ኢሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንግሪንላንድ ክቈጻጸራ ዝብል ምፍርራሕ ብዕጽፊ ብምውሳኽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ንድሕሪት ምባል የለን" ብምባል፡ "ግሪንላንድ ግድን'ያ" ክብል ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንግሪንላንድ ንምሓዝ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝተሓተተሉ "ክትርእዩ ኢኹም" ኢሉ'ዩ ሓጺር መልሲ ሂቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቍጠባዊ መድረኽ ዓለም "ናብ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነት ዓለም ንኣቱ ኣለና" ኢሉ ከጠንቅቕ እንከሎ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ድማ "ናብቲ ናይ ቀደም ስርዓተ ሕጊ ኣልቦ ኣይንምለሰን" ኢሉ።

ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ናብ ዳቮስ ክኣቱ ምዃኑን፡ ኣብኡ ድማ "ብዛዕባ ግሪንላንድ ብዙሕ ኣኼባታት ክካየድ መደብ ከምዘለዎን" ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ነዊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ከምቲ ዝሓብናዮ ብጽቡቕ ይኸደልና ኣሎ" ኢሉ።

ንግሪንላንድ ንምቍጽጻር እቲ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ካብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ምውጻእ ድዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ "ብዅሉ መዳይ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ክንዳይ ዝገበረሉ የለን" ድሕሪ ምባል "ኔቶ ሕጕሳት ክዀኑ'ዮም ንሕና'ውን ሕጕሳት ክንከውን ኢና፡ [ንግሪንላንድ] ንዓለማዊ ጸጥታ ኢና ንደልያ" ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኣመሪካ ሓገዝ ምስ ዘድልያ ንኣመሪካ ንምሕጋዝ ክመጽኣ ይኽእላዶ ይኾና ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።

"ኣነ ይፈልጥ'የ፡ ንሕና ንኔቶ ንምድሓን ክንመጽእ ኢና፣ ንሶም ንዓና ንምሕጋዝ ግን ምመጽኡዶ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣለኒ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ 32 ኣባላት ኣለዋኦ፣ ኣመሪካ ከኣ መበል 12 ርእሳ ሓንቲ ካብተን መስረትቲ'ያ።

ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ ዝቘመሉ ሓደ ዕላማ ነጻነትን ጸጥታን ብሓባር ኴንካ ምውሓስ ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ዓንቀጽ 5፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ዝፍጸም ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣባላት ከምዝተፈጸመ ይሕሰብ ዝብል'ዩ።

ጋዜጠኛ ንትራምፕ ንግሪንላንድ ንምቍጽጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምጥቃም መደብ እንተሃልይዎ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ርእይቶ የብለይን" ኢሉ ብምምላስ፡ ክጥቀም'የ ወይ ኣይክጥቀምን'የ ክብል ኣይደለየን።

ምኒስተር ኢንዳስትሪን ባህርያዊ ሃብትን ግሪንላንድ ናጃ ናታኒለስን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ነበርቲ ግሪንላንድ ብጠለባት እቲ ፕረዚደንት "ተደናጊሮም'ዮም" ክትብል ገሊጻ።

"ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን ኢና፣ ብዛዕባ'ዚ ድማ ኣዚና ንጹራት - እንታይ ክንከውን ከምእንደሊ ንኽንውስን ኣብ መሰላትናን ኣብ ባህልናን እንታይ ስለዘበርከተ'ዩ" ብምባል ናብ ትራምፕ ዝቐንዐ ሕቶ ኣቕሪባ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ዳቮስ ዝካየድ መድረኽ፡ ትራምፕ ብማክሮንን ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩትን ዝተላእከሉ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ንጋዜጠኛታት ኣርእዩ።

ኣብቲ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ዘርኣዩ 'ስክሪንሾት' ማርክ ሩተ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል መንገዲ ንምርካብ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ክኣትወሉ እንከሎ፡ ማክሮን ድማ "እንታይ ትገብር ከምዘለኻ ኣይርድኣንን'ዩ" ኢሉ'ዩ ጽሒፍሉ።

ትራምፕ ምስዚኦምን ምስ ካልኦት መራሕትን ኣብ ፓሪስ ኣኼባ ክውድብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደረ ለይን ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዳቮስ ዝጀመረ ኣኼባ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኣርክቲክ ኣብ ዝምልከት ኵለን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ውፉያት ምዃነን ገሊጻ።

እዚ ኸኣ ብሓባር ኴንካ ጥራይ ክዕየ ከምዝኽእል ብምግላጽ ነቲ ትራምፕ ኣንቢርዎ ዘሎ ታሪፍ "ዘይቅኑዕ" ውሳነ'ዩ ኢላቶ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ግሪንላንድ ንምቍጽጻር ዝወስዶ ስጕምቲ እንድሕር ተቋዊመነኦ ካብ 1 ለካቲት ጀሚሩ ካብ 8 ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝልኣኽ ዝኾነ ዓይነት ንብረት 10 ሚኢታዊት ቀረጽ ከምዘንበር'ዩ ገሊጹ ዘሎ።

ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለይን ኣብ መደረኣ ሕብረት ኣውሮጳ ጉዳይ ልኡላውነት ግሪንላንድን ዴንማርክን "ኣብ ዘተ ዝኣቱ ኣይኰነን" ብምባል ኣብ ጎነን ኣለና ኢላ።

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርነይ'ውን ሃገሩ ንዓንቀጽ 5 ናይ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከምእትድግፍ ብምግላጽ፡ ንመግለጺ ኡርሱላ ቮን ደር ለይን ዘራጉድ መግለጺ ሂቡ።

"ምስ ግሪንላንድን ዴንማርክን ብጽኑዕ ደው ኢልና፡ ነቲ መጻኢ ግሪንላንድ ናይ ምውሳን ዘለዎም ፍሉይ መሰል ድማ ምሉእ ብምሉእ ንድግፎ" ኢሉ።

ማክሮን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ "ልዕልና ሕጊ" ከም ዝመርጽ ሓቢሩ።

ማክሮን ናብ "ቦርድ ሰላም" ቓዛ ንኽጽንበር ንዝቐረበሉ ዕድመ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ወይንን ሻምፓኝን ፈረንሳ 200% ቀረጽ ከንብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ንቀረጽ መዋገዪ ልዑኡላውነት ሃገራት ምጥቃም "ብመትከል ዘይቅቡል'ዩ" ብምባል ንምፍርራሕ ትራምፕ ኮኒንዎ።

ማከሮን ሓደ ካብቶም ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ትራምፕ ዘንበሮ ታሪፍ ግብረመልሲ ክህበሉ ዝጕስጕሱ ዘለዉ መራሕቲ'ዩ።

ገለ ገለ ምንጭታት'ውን ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንግዲ ደው ከብሎ መደብ ከምዘለዎ ይሕብሩ።