ኣመሪካ፡ ትራምፕ ዘልዓሎ ንዴንማርክ ኣሻቒሉ ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመሬት ኣርክቲክ ንምዕዳግ ዝነበሮ ድሌት ድሕሪ ምድጋሙ፡ መንግስቲ ዴንማርክ ድማ ከም ግብረ-መልሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ንምክልኻል ግሪንላንድ ዝውዕል ዓቢይ ባጀት ወሰኽ ከም ዝገበረት ተገሊጹ።

ምኒስተር ምክልኻል ዴንማርክ ትሮልስ ሉንድ ፖልሰን፡ ነቲ ጥሙር-እማመ ንምትግባር፡ ብውሕዱ፡ "ድርብ ኣሃዝ ቢልዮን ገንዘብ፡" ከም ዝተሰልዐ ገሊጹ።

እቲ ምኒስተር፡ ነቲ መግለጺ ዝወጽኣሉ ግዜ፡ "ዘይትጽቢታዊ ኵነት" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ "ፍጹም ኣድላዪ፡" ብምባል፡ ኣመሪካ ንምውናን እታ ዓባይ ደሴት ዘለዋ ድሌት ገሊጹ።

ግሪንላንድ ናይ ገዛእ-ርእሳ ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ዴንማርክ ኰይና፡ ናይ ኣመሪካ ንጥፈታት ህዋ ይካየደላ። ንኣመሪካ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ እዛ ደሴት፡ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝሓጸረ መስመር ትርከብን ልዑል ዕቝር ማዕድናት ይርከባን።

ምኒስተር ፖልሰን፡ እቲ ጥሙር-እማመ፡ ንምዕዳግ ክልተ ሓደስቲ ናይ ኰለላ መራኽብ፡ ክልተ ሓደስቲ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ዓቕሚ ዘለወን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፣ ከምኡ'ውን፡ ክልተ ተወሰኽቲ ጋንታታት ናይ ብኣኽላባት ዝግርሓ ሰረገላታት-በረድ ከጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኑክ ንዝርከብ እዚ ኣርክቲክ ዓቕሚ ኣማላቱ ንምጕልባት ተወሳኺ ምወላ ከም ዝግበረሉን ንሓንቲ ካብ ሰለስተ ህዝባውያን መዓርፎ-ነፈርቲ ናይ ግሪንላንድ ንኸም ኤፍ-35 ዝኣመሰላ ነፈርቲ ውግእ ንምእንጋድ ምምሕያሽ ክካየደሉ ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ ኣርክቲክ ንነዊሕ ዓመታት እኹል ወፍሪ ኣየካየድናን፣ ሕጂ ግን ብዝሓየለ ህላወና ከነረጋግጽ መደብ ኣለና፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ናይታ ሃገር፡ እቲ ጥሙር-እማመ ዝበልዎ ክንደይ ባጀት ከም ዝስልዓሉ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ማዕከናት ዜና ዴንማርክ ግን ኣስታት 12-15 ቢልዮን ክሮን (1.3 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝኸውን ግምተን ኣስፊረን ኣለዋ።

እዚ ብዴንማርክ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ንጽባሕ ናይቲ ብዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ-መራኸቢታቱ፡ "ንኣመሪካ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነትን ናጽነት መላእ ዓለምን ክትብል፡ ንግሪንላንድ ክትውንናን ክትቈጻጸራን ፍጹም ኣድላዪ ኰይኑ ይስምዓ፡" ኢሉ ዝገለጾ ዝወጽአ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ ሙተ ኤገደ ንርእይቶ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ዝወረድና ኣይኰንና፡" ኢሉ። እንተዀነ፡ ግሪንላንዳውያን ምስ ጐረባብቶም ንምትሕብባርን ንግድን ክፉታት ኰይኖም ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጹ።

ተንተንቲ ግና እቲ ጥሙር-እማመ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ምይይጥ ከም ዝጸንሐ፣ ከም ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ ንትራምፕ ገይሩ ክርአ ከም ዘይብሉ ይገልጹ። ዴንማርክ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ኣዝያ ዘንጊዓ ከም ዝጸንሐት ይዛረቡ።

እታ ሃገር ኣንጻር`ቲ ብቻይናን ሩስያን ዝግበር ምጥሓስ ዶባዊ ማያታ እንተ ዘይተኸላኺላ፡ ድሌት ኣመሪካ ንምቍጽጻራ እናዓበየ ክኸይድ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ሜጀር ስቲን ክያርጋርድ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዴንማርክ፡ ትራምፕ ንዴንማርክ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምእንቲ ክትወስድ ጸቕጢ ንምግባር ኢሉ ዝተዛረቦ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምት።

ካብ ዓለም ዝዓበየት ደሴት ግሪንላንድ፡ ኣካል ዴንማርክ እያ። እንተዀነ፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ መንግስቲ ኣለዋ።

ምትእስሳረን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ 1953፡ ግሪንላንድ ካብ ግዝኣት ምዃን ሰጊራ ምሉእ ብምሉእ ኣካል ዴንማርክ ኰይና።

ብመሰረት ቅዋም ናይታ ሃገር ድማ ግሪንላንዳውያን ዜጋታት ዴንማርክ እዮም። እታ ደሴት፡ ርእሰ-ምምሕዳር ሃልዩዋ፡ ምክልኻላ፡ ዝበዝሐ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታት ስርዓተ-ገንዘብን ሓላፍነት ዴንማርክ እዩ።