ማዳጋስካር፡ ኣብ ስታድዮም ብዝተፈጠረ ምጽቕቃጥ 16 ሰባት ሞይቶም

ፕረዚደንት እታ ሃገር ናብ'ቲ እስታድዮም ኣብ ዝኣተወሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት እታ ሃገር ናብ'ቲ እስታድዮም ኣብ ዝኣተወሉ

ኣብ ማዳጋስካር፡ መበል 59 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ንምኽባር ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ ዝነበርዎ እስታድዮም ብዝፈጠረ ምጽቕቓጥ 16 ሰባት ሞይቶም።

ክሳብ ሕጂ'ዃ ንጹር እንተዘይኮነ፡ ሰብ መዚ ግን ድሕሪ ምዝዛም ወተሃደራዊ ሰልፊ ሰባት ካብ እስታድዮም ንምውጻእ ኣብ ዝፈተንሉ እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።

እዚ ኣብ ርእሰ ከታማ ማዳካስካር ዝኾነት ከተማ ኣንታናናሪቮ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓያሎ ሰባት'ውን ከቢድን ፎኲስን መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ማዳጋስካር ራጆሊና ንግዳያት ኣብ ሆስፒታል እናበጽሐ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማዳጋስካር ራጆሊና ንግዳያት ኣብ ሆስፒታል እናበጽሐ

ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እስታድዮም ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ልዕሊ 30 ሰባት ምቁሳሎም ዝዝከር'ዩ።

ሰብ መዚ ማዳጋስካር፡ ሰብ ንኽወጽእ ማዕጾ ምስ ከፈትና'ዩ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ክብሉ እንከለዉ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ግን ዝበዝሐ መዓጹ ብፖሊስ ምስ ተዓጸወ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ሞት ከም ዘጋጠመ ይሕብሩ።