ማዳጋስካር፡ ኣብ ስታድዮም ብዝተፈጠረ ምጽቕቃጥ 16 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ማዳጋስካር፡ መበል 59 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ንምኽባር ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ ዝነበርዎ እስታድዮም ብዝፈጠረ ምጽቕቓጥ 16 ሰባት ሞይቶም።
ክሳብ ሕጂ'ዃ ንጹር እንተዘይኮነ፡ ሰብ መዚ ግን ድሕሪ ምዝዛም ወተሃደራዊ ሰልፊ ሰባት ካብ እስታድዮም ንምውጻእ ኣብ ዝፈተንሉ እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።
እዚ ኣብ ርእሰ ከታማ ማዳካስካር ዝኾነት ከተማ ኣንታናናሪቮ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓያሎ ሰባት'ውን ከቢድን ፎኲስን መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ተሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እስታድዮም ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ልዕሊ 30 ሰባት ምቁሳሎም ዝዝከር'ዩ።
ሰብ መዚ ማዳጋስካር፡ ሰብ ንኽወጽእ ማዕጾ ምስ ከፈትና'ዩ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ክብሉ እንከለዉ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ግን ዝበዝሐ መዓጹ ብፖሊስ ምስ ተዓጸወ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ሞት ከም ዘጋጠመ ይሕብሩ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







