"ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣጸዊዑ ዓሚጹኒ"

ምንጪ ስእሊ, Fatou Jallow
ንግስቲ ጽባቐ፡ ጓል 23 ዓመት ጋምብያዊት ፋቶ ጃሎ፡ ኣብ 2015፡ በቲ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ጋምብያ ዝነበረ ያህያ ጃማ ከም ዝተዓመጸት ገሊጻ።
ፋቶ ጃሎ፡ ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር፡ ካልኦት ገበናት ጾታዊ ዓመጽ'ውን ከም ዘለውዎ ዘርኢ ጭብጥታት ናብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ሁማን ራይት ዎች' ኣቕሪባ ኣላ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ኢኳተርያል ጊኒ ዝነብር ዘሎ ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር ያህያ ጃማ፡ ነዚ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ኣመልኪቱ ኸዘራርቦ ፈቲኑ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ሰልፊ ኤ ፒ ፒ ኣር፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ያህያ ጃማ ዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ያህያ ጃማ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝኸውን ግዜ አይነበሮን፡ ምቕሉልን ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዘለዎን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጋምብያ ከኣ ኣኽብሮት ኣለዎ" ክብል ብጽሑፍ መሊሱ።
ፋቶ ጃሎ፡ ነዚ ወዲ 54 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ያህያ ጃማ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ግቡእ ፍርዱ ክወስድ ከም እትደልዪ'ያ ትዛረብ።
"ነዚ ዛንታ ከም ዘይናተይ ሓሲበ ክርስዖ ፈቲነ'የ፡ ሕጂ ግን ተዛሪበ ያህያ ጃማ ዝገበሮ ሰብ ክሰምዖ ኣለዎ፡ ንሱ ከኣ ፍርዱ ክረክብ ኣለዎ "ትብል ፋቶ ጃሎ።
ያህያ ጃማ፡ ንጋምብያ ን22 ዓመታት ኣብ ዝመራሓሉ ብቕትለትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጽሞ ብዝነበረ ግፍዕን ክስታት ይቐርበሉ እዩ።
ኣብ ጥሪ 2017 ብዞባውያን ሓይልታት ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ያህያ ጃማ ኣብ 1994፡ ወዲ 29 ዓመት እንከሎ'ዩ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ፋቶ ጃሎ ኣብ 2014 ፡ ጓል 18 ዓመት እንከላ ንግስቲ ጽባቐ ጋምብያ ኮይና ምስ ተሮቕሐት ኣብ ርእሰ ከታማ ጋምብያ፡ ከተማ ባንጁል ምስ ፕረዚደት ያህያ ጃማ ተራኺባ።
በዚ ዝጀመረ ርክብ፡ እቲ ፕረዚደንት ከም ኣቦ ኮይኑ ክምዕዳ፡ ህያባትን ገንዘብን ክህባ ናብ መንበሪ ገዛኣ'ውን መስመር ማይ ከም ዝእተወላ ትዛረብ።
ኣብ ሓደ ናይ ድራር ዕድመ ንክትምርዓዎ ከም ዘሓተታን ከም ዝኣበየቶ'ውን ትገልጽ።

በዛዕባ ያህያ ጃማ ብሓጺሩ
- ወዲ 29 እንከሎ ኣብ 1994 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ሒዙ
- ኣብ 2013 ኣምላኽ ዕድመ እንተሂብዎ ንቢልዮን ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ
- ኣብ ፖሎቲካ ተቀናቐንቱ ዝነበሩን ንክቐተሉ ትእዛዝ ሂቡ
- ኣብ 2007 ንኤድስ ከሐዊ ዝክእል ሓይልን ክእልትን ከም ዘለዎ ሓቢሩ
- ኣብ 2008 ግብረሶዶማውያን ከም ዝስየፉ ኣጠንቒቑ
- ኣብ 2004 ኣካላት ጸጥትኡ ንጋዜጤኛ ደይዳ ሓይድራ ኣይቐተልዎን ኢሉ
- ኣብ 2016 ኣብ ምርጫ ምስ ተሰዓረ ካብ ሰልጣን ምውራድ ስለ ዝኣበየ ብዞባውያን ሓይልታት ኣብ ጥሪ 2017 ካብ ስልጣን ተኣልዩ
- ኣብ ኢኳተርያል ጊኒ ተሰዲዱ ይነብር ኣሎ

ኣብ 2015 ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃይማኖታዊ ጽንበል ኣሎ ተባሂላ ከም ዝተወሰደት፡ እንተኾነ ኣብ ክንዲ ናብ ቤተ መንግስቲ ናብ መንበሪ ቤት እቲ ፕረዚደንት ብሓይሊ ከም ዝወሰድዋ ትሕብር።
"ድሕሪ እዚ እንታይ ከም ዝስዕብ ኣይጠፋኣንን፡ ምምርዓው ስለ ዝኣበኽዎ፡ እቲ ዝደልዮ ብሓይሊ ገይሩ" ትብል።
ብድሕሪ እዚ እቲ ዝወረዳ ክትጻወሮ ስለዘይክኣለት ናብ ሃገረ ሴኔጋል ተሰዲዳ፡ ብመገዲ ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ድሕነታ ንምሕላው ናብ ካናዳ ከም ዝተሰጋገረት ትሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







