ዓበይቲ ግድላት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ 'ሓድሽ ፍጥረት' ኳንተም ኮምፒዩተር

ሓደ ካብ ቀንዲ መለለዪታት ናይዚ በጽሒናዮ ዘለና እዋን ዘገርም ናህሪ ሰውራ ቴክኖሎጂን ስነ-ፍልጠትን'ዩ።

እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ዝውሕዝ ማዕበል ሓበሬታን ከም ህቦብላ ዝነፍስ ወረን ኣብዚ ዘይነጽፍ ዛራ መሃዝነትን ፈጠራን ዝምርኰስ'ዩ።

እዚ መስርሕ'ዚ ድሮ ንዓይነትን ሜላን ናብራና ቀይርዎስ፡ ንኣተሓሳስባና ንምቍጽጻር ይደናደን ኣሎ።

ሓደ ካብዚ ኪነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ኰይኑ፡ ፈጢርዎ ዘሎ ዕድልን ስግኣትን ቀንዲ ዛዕባ ናይዛ ዓለም ኰይኑ ይርከብ።

ብሕጂ ኸ እንታይ ኰን ክመጽእ ይኽእል ይኸውን? ናይ ብዙሓት ሕቶ'ዩ።

ኩባንያ ቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት ሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓውዲ መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ትካላት ዓለም'ዩ።

ንዕዳጋ ድጂታላዊን ኮምፒተራዊ ዓለምን ንምዕብላል ወይ እንተ ወሓደ እጃም ንክህልዎ ሓደስቲ ፍርያት ኣብ ምውጻእ ይርከብ።

እዚ ብቢልዮነር ዓለም ቢል ጌትስ ዝውነን ትካል፡ ንሓያለ ዓመታት ሓያል ዓቕሚ ዘለዎ ኮምፒዩተር ንምስራሕ ኣብ ቀጻሊ ምርምር'ዩ ጸኒሑ።

እንነሆ ድማ ከም ኣካል ናይዚ ጥሙሕ ሓድሽ 'ቺፕ' (ደቂቕ ንዋይ ኮምፕዩተር) ከም ዝመሃዘ ኣፍሊጡ'ሎ።

እዚ 'ማጆራ 1' ተባሂሉ ዘሎ ምህዞ ነቲ ዝሕለም ዘሎ ዘይተኣደነ ግድላት ዓለም ኣብ ሓጺር ህሞት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ 'ኳንተም ኮምፕዩተር' ንምስራሕ ወሳኒ ግደ ዘለዎ'ዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ኳንተም ኮምፕዩተራት ንምስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል'ዩ ክንገር ጸኒሑ።

እዚ ሓድሽ ቺፕ ግን ድሮ ባናኡ ክርአ ዘኽኣለ ይመስል።

ደጊም ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ክግሃድ ከም ዝኽእል'ዩ ማይክሮሶፍት ኣበሲሩ ዘሎ።

እዚ 'ቶፖሎጂካል ኮንዳክተር' (ጸገማት ዝጻወር ባህሪ ዘለዎ ባእታ) ብዘለዎ ጥረ-ነገር ዝተሰርሐ ቺፕ ከፍሪ ምኽኣሉ "መቐይሮ" ዝዀነ ገስጋስ ምዃኑ'ዩ ማይክሮሶፈት ዝገልጽ።

ምስቲ ንታሪኽ ኮምፒዩተር ዝቐየረ ሰውራ 'ሰሚኮንዳክተር' ዝዳረግ ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ይንየት።

ክኢላታት ንቢቢሲ ከም ዝበልዎ ግን፡ ኣገዳስነት ናይዚ ሓድሽ መጽናዕትን ኣብ ቅመራ-ኳንተም (ኳንተም ኮምፕዩቲንግ) ንምግምጋም ተወሳኺ ሓበሬታ ከድሊ'ዩ።

ሓላፊ ናይቲ ቺፕ ብምስራሕ መሪሕ ቦታ ዘለዎ ትካል ንቪዲያ ዝዀነ ጀንሰን ሃውንግ፡ "ከሰርሕ ዝኽእል" ኳንተም ኮምፒዩተራት ድሕሪ 20 ዓመት ክቕልቀል ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ክፍሊ ኳንተም ሃርድዌር ማክሮሶፍት ዝሰርሕ ክኢላ ተክኒክ ቸታን ናያክ ብወገኑ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ብዛዕባ ኳንተም ኮምፕዩተር ንዝጸንሐ ሕዱር ኣተሓሳስባ ዘናውጽ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ብዙሓት ሰባት ቅመራ-ኳንተም፡ ማለት ኣብ ግብሪ ክሰርሕ ዝኽእል ኳንተም ኮምፒተራት ንኽግሃዳ ዓሰረተታት ዓመታት ክወስድ ምዃኑ'ዮም ክገልጹ ጸኒሖም፡" ዝብል ናያክ፡ "እዚ [ማጆራ 1) ግን ኣብ ክንዲ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ከም ዝተረፎ ዘርኣየና ይመስለኒ፡" ይብል።

ዳይረክተር ማእከል ሳይንስ ኳንተም ኣመሪካዊ ኦክ ሪጅ ናሽናል ላቦራቶሪ ተራቪስ ሃምብል፡ ማይክሮሶፍት ቀልጢፉ መርኣያ ዝዀና ኳንተም ኮምፕዩተራት ከፍሪ ከም ዝኽእል ዝሰማማዕ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ስራሕ ከድሊ ምዃኑ ግን የመልክት።

"እቲ ነዊሕ ዕላማ ንጸገማት መጠነ ሰፊሕ ተጠቃምነት ኳንተም ኮምፒዩተራት ንምፍታሕ፡ ነዘን መርኣያታት ዝዀና ዝያዳ ምምዕባል ክሓትት'ዩ፡" ድማ ይብል።

'ኳንተም ኮምፕዩቲንግ' እንታይ'ዩ?

ትጽቢት ኳንተም ኮምፕዩተራት ኣማኢት ወይ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝወስድ ንጥፈታት ናብ ካልኢታት፡ ደቓይቕ ወይ ሰዓታት ምውራድ'ዩ።

ኳንተም ኮምፕዩቲንግ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስርዓተ-ቴክኖሎጂታት ሚልዮናት ዓመታት ዝወስድ ቅማረታት (ካልኩሌሽንስ) ከሕጽር'ዩ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ።

እቲ ሕልሚ ክግሃድ እንተ ክኢሉ፡ ኣብ ሕክምና፡ ስነቀመም (ኬሚስትሪ) ካልኦት ኣገደስቲ ዓውድታትን ዘገርም እወታዊ ረብሓታት ክፈጥር'ዩ።

እዞም ሎሚ ኣብ ኢድና ዘለዉ ኮምፕዩተራት፡ ላፕቶፓትን ተለፎናትን ክፈትሕዎም ዘይክኣሉ ኣገደስቲ ብድሆታት ኣለዉ።

እዘን ዓለም ትጽበየን ዘላ ሓያላት ኳንተም ኮምፕዩተራት ኣብ ኢድ ደቂሰብ እንተ ኣትየን ግን፡ እቶም ጸገማት ብቐሊሉ ክፍትሑ ይኽእሉ'ዮም።

ሓደስቲ ኣፋውስ ኣብ ምፍራይ ይዅን ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሓያላት ባትሪታት ኣብ ምምሃዝ ድማ ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ።

ነዚ ዓንተር ኮምፕዩተር ንምስራሕ ዝተፋለለያ ትካላት ሲሊኮን ቫሊ (ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ መደበር መሃዝቲ ትካላት) ቢልዮናት ዶላራት ብምውጻእ ይቀዳደማ ምህላወን ይፍለጥ።

ማይክሮሶፈት ግን ነቲ ጉዳይ ካብ ናይ ኵሎም ፍልይ ብዝበለ ኵርናዕ'ዩ ኣትዩዎ ዘሎ።

ኳንተም ኮምፕዩተር ምስራሕ ፈለማ 'ቶፖኮንዳክተር' (ቶፖሎጂካል ኮንዳክተር) ኣብ ምፍጣር ዝምርኰስ'ዩ ኣካይዳ ማይክሮሶፈት።

እዚ ኣማዕቢልዎ ዘሎ ምህዞ ተጠቒሙ ከኣ "ቶፖሎጂካል ስቴት" ዝተባህለ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ 'ሓድሽ ፍጥረተ-ነገር' (new state of matter) ይፈጥር። እዚ ሓድሽ ፍጥረት ዝብሃል ዘሎ፡ ጋዝ፡ ፈሳሲ ወይ ዝጭበጥ ነገር (ሶሊድ) ዘይኰነ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ብኽለሰሓሳባት (ቲዮሪ) ጥራይ ዝዝረበሉ ዝነበረ'ዩ።

እዚ ማለት፡ ነቲ ዝሕሰብ ዘሎ ኳንተም ኮምፕዩተር ንምስራሕ ኣብቲ 'ማጆራን' ዝተባህለ ንባዕሉ ብኽለሰሓሳባት ጥራሕ ዝርአ ዝነበረ ነገር ዝምርኰስ'ዩ ክኸውን።

ክብ ወይ ግብ?

ነቲ ንነዊሕ እዋን ሓሳብ ኰይኑ ጥራሕ ዝጸንሐ ሓድሽ ምዕራፍ ምህዞ ኮምፕዩተራት ንምውናን ሓያል ቅድድም'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ናይ ሃታሃታ መስርሕ ዝተበጽሑ ገስጋሳት ምፍላጥ'ውን ኣካል ናይቲ ውድድር'ዩ ኰይኑ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ 2024 ኩባንያ ግጉል 'ዊሎው" ዝተባህለ ቺፕ ከም ዝመሃዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ቺፕ ሰፕቲልዮን (10,000,000,000,000,000,000,000,000) ዓመታት ዝወስድ ዕማም ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ክፍጽም ዝኽእል ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ተኣምር'ዚ ቀዳሞት ወነንቲ ንምዃን ድማ'የን ብዙሓት ትካላት ቢልዮናት ጫሕ ኣቢለን፡ በላሕቲ ሊቃውንቲን ክኢላታትን ብምውፋር ኣብ ቤተፈተነታተን ሓኾት ዝብላ ዘለዋ።

ማይክሮሶፈት ከም ዝብሎ፡ እቲ ንሱ ዝኽተሎ ዘሎ ስትራተጂ "ልዑል ሓደጋ ክሳራን ልዑል ረብሓን" ዘለዎ ምዃኑ ተኣሚኑ'ሎ። እንተዀነ ግና እቲ ክብ ወይ ግብ ዝብል ኣካይዳ ክዕወተሉ ምዃኑ'ዩ ዝኣምን።

"ከምቲ ምህዞ ሰሚኮንዳክተርስ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ስማርትፎናት፡ ኮምፕዩተራትን ኤለክትሮኒክስን ዝፈጠረ፡ ቶፖኮንዳክተርስን ሓድሽ ዓይነት ቺፕን ናብ ስርዓተ-ኳንተም ዘምርሑ'ዮም፡" ይብል እቲ ትካል።

እቲ ዛጊት ኣብ ምፍጣር ኳንተም ኮምፕዩተራትን ቀንዲ ብድሆ ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ 'ኩቢት' (qubit) ዝናኣሰን ቀንዲን ኣካል እዩ።

እዚ ኣዝዩ ቅልጡፍ ባእታ ክትቈጻጸሮ ኣጸጋሚ ኰይኑ ብዙሕ ጌጋታት ክገብር ዝኽእል'ዩ።

መጠን ኩቢት ኣብቲ ቺፕ እናወሰኸ ብዝኸደ ከኣ ዝያዳ ኣድማዒን ዘተኣማምንን እናዀነ ይኸይድ።

ማይክሮሶፈት ነቶም ዝመሃዞም 8 ቶፖሎጂያዊ ኩቢታት ናብቲ ሓድሽ ቺፕ (ማጆራ 1) ከወሃህዶም ከም ዝኸኣለ'ዩ ዝገልጽ። ምስ ካልኦት ትካላት ዘፍረይዎም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝወሓደ'ዩ።

እንተዀነ ግን፡ ናብ ሓደ ሚልዮን ኩቢትስ ብምብራኽ፡ ሓያል ናይ ኮምፕዩተር ዓቕሚ ክፈጥር ምዃኑ'ዩ ዝንየት ዘሎ።

ኣብ እንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ዝምህር ፕ/ር ፖል ስቲቨንሰን ከም ዝበሎ፡ ነቲ ማይክሮሶፍት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ "ኣገዳሲ ስጕምቲ'ዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ሓያል ብድሆ ክጽበዮም ምዃኑ ግን ኣሚቱ'ሎ።

"ክሳብ ዝቕጽል ደረጃታት ዝረጋገጽ፡ ካብ ተስፋ ዝሓልፍ ክኸውን ግዚኡ ኣይበጽሐን፡" ይብል።

ኣብ ስኮትላንዳዊ ዩኒቨርሲቲ ኤድንብራ ፕ/ር ኳንተም ፕሮግራሚንግ ዝዀነ ክሪስ ሂዩነን ንቢቢሲ ከም ዝበሎ ግን ውጥን ማይክሮሶፍት "ዝእመን'ዩ"።

"እዚ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ብድሆታት ዝተበጽሐ ተስፋ ዝህብ ገስጋስ'ዩ። እዚ ዘሕጕስ ፍኖተ-ካርታ ናበይ ገጹ ከብል'ዩ ንዝብል ከኣ ኣብ ዝቕጽላ ሒደት ዓመታት ክርአ'ዩ፡" ይብል።