ዲፕሲክ፡ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ቻይናዊ ኪነታዊ ብልሒ ብዛዕባኡ እንታይ ንፈልጥ?

ስርሓት ቻይና ዝዀነ ዲፕሲክ ተሰምዩ ዘሎ ሓድሽ ኪነታዊ-ብልሒ [ኪብ]፡ ዘለዓለ ደረጃ 'ዳውንሎድ ዝተገብረ' መተግበሪታት ኣፕል-ስቶር ብምሓዝ፡ ንኣውፈርቲ መሲጡ፣ ዕዳጋ ስቶክ-ቴክ ድማ ኣናዊጹ።

እዚ ብልሒ፡ ብ20 ጥሪ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ብቕጽበት እዩ ኣቓልቦ ሞያውያን ኪነታዊ ብልሒ፡ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን መላእ ዓለምን መሲጡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነዚ ክስተት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩባንያታት ኣሜሪካ፡ "ንኽትዕወት ምውድዳር" ኣብ ዝብል መትከል ንኸተኵራ ዘነቓቕሕ መዘኻኸሪ ደወል እዩ ኢሉ።

ዲፕሲክ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ? እቲ ቴክኖሎጂ፡ ዘይከምቲ ኣብዚ ዓውዲ መሪሕ ምዃኑ ዝግለጽ ኦፐን-ኤኣይ [OpenAI] ዝኣመሰሉ ሞዴላት፡ ኣመና ውሑዳት ብዝዀኑ ምዕቡላት 'ቺፕ' ስለ ዝተጠቕመን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብዝወሓደ ወጻኢታት ስለዝተሃንጸን ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ተኽእሎ እዚ፡ ነቲ ኤሌክትሮንያዊ ቺፕ ዘፍሪ ዓርሞሽሽ ትካል ኤንቪድያ፡ ብሰኑይ ዳርጋ 600 ቢልዮን ዶላር ካብ ዋጋኡ ከንቈልቍል ምኽንያት ኰይኑ - እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ሓደ መዓልቲ ክሳራ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

ዲፕሲክ ነቲ ኣሜሪካ ልዕልና ቴክኖሎጂ ኣንጻር ቻይና ከተረጋግጽ፣ በቲ ኻልእ ድማ ቻይና ነቲ ድፍኢት ንምግታእ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ'ውን ሕቶታት ኣልዒሉ እዩ፤ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ገደባት ኣሜሪካ ምዕቡላ ቺፓት፡ ናብ ቻይና ከይለኣኽ ምእጋድ'ዩ ነይሩ።

ቻይና ግን፡ ነቲ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን፡ ጉዳይ ኪነታዊ ብልሒ [ኤኣይ] ቀዳምነት ክወሃቦ ዘሕለፎ መምርሒ፡ ዳርጋ በጽፊ እያ ኣዕብያቶ። እታ ሃገር ካብቲ ነዊሕ ክትፍለጠሉ ዝጸንሐት ምህርቲ - ክዳውንትን ኣቝሑ ገዛን ናብ ምዕቡል ቴክኖሎጂ - ቺፕስ፡ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርትን ፤ኪነታዊ ብልሒን ኣብ እትሳገረሉ ዘላ እዋን፡ ዲፕሲክ ዝኣመሰሉ ትካላት ምቛም ወሳኒ እዮም።

ብዛዕባ ዲፕሲክ እንታይ ንፈልጥ?

ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ ዲፕሲክ ከም ቻትጂፒቲ [ናይ ኣሜሪካ]፡ ብኪነታዊ ብልሒ ቻትቦት እዩ ዝሰርሕ።

እዚ፡ ካብ ኣፕ ስቶር ዝኣመሰሉ መኽዘናት መተግበሪ ብናጻ ዝወርድ ኰይኑ፡ ዲፕሲክ "ሕቶታትኩም ንምምላስን ህይወትኩም ብብቕዓት ንምድንፋዕን" ዝተዳለወ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ሓይሊ ዝህቦ ሞዴል ኪነታዊ ብልሒ ግን 'R1' ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣስታት 670 ቢልዮን መለክዒታት ኣለዎ፤ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ክፉት ምንጪ ዘለዎ ዓቢ ቋንቋ ሞዴል ይገብሮ ይብል፡ እቲ "ስለምንታይ ኢና ማሽን እነሰልጥን" [Why Machines Learn: The Elegant Math Behind Modern AI] ዝብል መጽሓፍ ዝደረሰ ኣኒል ኣናንታስዋሚ።

ከምቲ ንቻትጂፒቲ ሓይሊ ዝህብ ኦፐንኤኣይ - O1 ሞዴል - ኣብ ሕሳብ፡ ኮዲንን ርትዓውነትን/ምኽንያታውነትን ሓያል ምዃኑ ይንገር።

ከም ብዙሓት ካልኦት ቻይናውያን ሞዴላት ኤኣይ - 'ባይዱ' ብኤርኒ ወይ ዶውባኦ ብባይትዳንስ - ዲፕሲክ እውን ኣመና ዝሰልጠነ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ ተነቀፍቲ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ነቲ መተግበሪ ብዛዕባ'ቲ፡ ኣብ ቻይና ፍጹም ዘይለዓል ነውሪ ዝዀነ ኣርእስቲ ጃምላዊ መቕዘፍቲ፡ ማለት 'ብ4 ሰነ 1989 ኣብ ኣደባባይ ቲያንመንን እንታይ ኣጋጢሙ?' ክብል ምስ ሓተቶ፡ ዲፕሲክ ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብ ምላሹ፡ "ይቕሬታ፡ ነዛ ሕቶ ክምልሳ ኣይክእልን እየ፤ ኣነ ዘይጐድእ መልሲ ብምሃብ ንኽሕግዝ ዝተዳለወ ኪነታዊ ብልሒ እየ" ኢሉ።

ኪነታዊ ብልሒ ንምስልጣን መስርሕ ሳንሱር መንግስቲ ቻይና ኣጸጋሚ ክገብሮ እዩ ተባሂሉ ይፍራሕ ነይሩ። ዲፕሲክ ግን፡ ክፉት ምንጪ ብዘለዎ ሞዴል ዝሰልጠነ እዩ ዝመስል፤ እዚ ድማ ዝተሓላለኹ ዕማማት ንኽፍጽም ዘኽእሎ ኰይኑ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ዝተወሰኑ ሓበሬታታት ክሰትር ከምዝኽእል ክግመት ይከኣል።

ነዚ ድማ ቻይና፡ ኣመና ሕሱር ብዝዀነ ዋጋ ክትገብሮ ከም ዝኸኣለት ትገልጽ፤ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝገብሩ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ ነዚ ብልሒ'ዚ ንምስልጣንን ንምፍራይን ኣስታት 6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝተገብረ ይግምቱ። እዚ ድማ ካብቲ ቴክኖሎጅያዊ ትካላት ኣሜሪካ ዘህለኻኦ ቢልዮናት ዶላራት ኣመና ዝወሓደ ምዃኑ እዩ።

እዚ ብኸመይ ከም ዝገበርዎ ግን ክሳብ ሕጂ ብንጹር ዝፍለጥ ነገር የለን። መስራቲ ዲፕሲክ፡ ነቲ ካብ መስከረም 2022 ጀሚሩ ናብ ቻይና ከይለኣኽ ዝተኣገደ፡ መኽዘን ሞዴል A100 ዝዀነ ቺፓት ኤንቪድያ ከምዝሃነጸ ይግለጽ።

እዚ እክብ - ኣስታት 50 ሽሕ ዝግመት - ቺፓት ምስ ካልኦት ዝሓሰሩን ብተዛማዲ ውሱን ርቀት/ብቕዓት ዘለዎም ብምሕንፋጽ፡ ከምዚ ዝበለ ሓያል ብልሒ ዘለዎ ፍርያት ከውጽእ ከምዝኸኣለ እዮም ክኢላታት ዝኣምኑ።

ድሕሪ ዲፕሲክ መን ኣሎ?

ዲፕሲክ ኣብ ታሕሳስ 2023 ብሊያንግ ወንፈንግ ተመስሪቱ፤ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ናይ መጀመርያ ዝዓበየ ሞዴል ቋንቋ ኪነታዊ ብልሒ ኣውጺኡ።

ብዛዕባ እቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዠጂያንግ ብኤሌክትሮኒክ ኢንፎርሜሽን ኢንጅነሪንን ኮምፒተር ሳይንስን ዝተመረቐ ሊያንግ ብዙሕ ዝፍለጥ የለን፤ እንተዀነ ሕጂ ዓቢይ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ረኺቡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ኣብ ዘአንገዶ ኣኼባ ተራእዩ። እዚ ድማ ዲፕሲክ ኣብ ኢንዱስትሪ ኪነታዊ ብልሒ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዘግሃደ ኣጋጣሚ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

ሊያንግ ዘይከም ብዙሓት ካብ ሲሊኮን ቫሊ ዝመጹ ኣመሪካውያን ኢንተርፕረነራት ኪነታዊ ብልሒ.፡ ኣብ ፋይናንስ እውን ድሕረ ባይታ ኣለዎ።

ንሱ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓደ ሃይ-ፍላየር [High-Flyer] ዝበሃል ትካል ኰይኑ፡ እዚ ኪነታዊ ብልሒ ተጠቒሙ ፋይናንሳዊ ዳታ ብምቕማርን ብምትንታንን ውሳነ ወፍሪ ዝህብ ትካል እዩ። ኣብ 2019 ሃይ-ፍላየር ኣብ ቻይና ልዕሊ 13 ሚልዮን ዶላር ዘዋህለለ ናይ መጀመርታ ናይ ከምዚ ዓይነት ቅመራ ትካል ኰይኑ።

ሊያንግ ኣብታ ዓመት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ "ኣሜሪካ ቍጽራዊ [ቀመር] ንግዳዊ ጽላት ከተማዕብል እንተኽኢላ፣ ቻይና ዘይተማዕብለሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?" ኢሉ።

ድሒሩ ሳሕቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ጽላት ኪነታዊ ብልሒ ቻይና "ንዘልኣለም ተጐታቲ ኰይኑ ኣይነብርን እዩ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ቻይናውን ኣሜሪካውን ብልሒ፡ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ፍልልይ ከምዘሎ ኢና ንዛረብ፤ እቲ ሓቀኛ ፍልልይ ግን ኣብ መንጐ መበቆላውነትን ምምሳልን/ምቕዳሕን እዩ ዘሎ፤ እዚ እንተዘይተቐይሩ ግን፡ ቻይና ኵሉ ግዜ ተጐሳሲት ኰይና ክትቅጽል እያ።"

ዲፕሲክ ንምንታይ እዩ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ዓቢይ ምግራም ፈጢሩ ንዝብል ሕቶ እንክምልስ ድማ፡ "ምግራሞም፡ ሓደ ቻይናዊ ኩባንያ ከም ተጐሳሲ ጥራይ ዘይኮነስ ከም መሃዚ ኣብ ጸወታኦም ክጽንበር ካብ ምርኣይ'ዩ ዝነቅል - እዚ ድማ መብዛሕትአን ቻይናውያን ትካላት ዝለመዳኦ እዩ" ኢሉ።

ኩባንያታት ኣሜሪካ ብኸመይ ተሃስየን

ዲፕሲክ ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት ሓደ፡ ነቲ ኪነታዊ ብልሒ ንምስጓም ዓቢይ ባጀትን ዝተራቐቐ ወይ'ውን ዝለዓለ ቺፕን ምጥቃም እቲ እንኮ መገዲ እዩ ዝብል ዝጸንሐ እምነት ከዳኽም ምኽኣሉ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ድማ ብዛዕባ መጻኢ እቶም ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ቺፕ ጥርጣረ ፈጢሩ ኣሎ።

"ዲፕሲክ፡ ብውሱን ጸጋታት ቅመራ ሞዴላት ኪነታዊ ብልሒ ክምዕብሉ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ'ዩ" ይብል ወይ ሳን፡ ተመራማሪ ኪነታዊ ብልሒ።

"ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ምህዞ ዓብላሊ ጫፍ ብልሒ ክረግጽ ዝተሓለነ፡ 157 ቢልዮን ዶላር ከምዘህለኸ ዝግመት 'ኦፐንኤኣይ'፡ ርኡይ ረብሓ ኣየምጽአን፤ እቲ ዝተገብረሉ ገዚፍ መጠን ወጻኢታቱ ድማ ርትዓውነቱ ንምጽራይ ይምርመር ኣሎ።"

ሰኑይ 27 ጥሪ፡ እቲ ኩባንያ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተገመረ ትሑት ዋጋ፡ ንፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ዓለም ኣናዊጹ። እዚ ድማ ነቲ ዓርሞሽሻዊ ትካል ቴክ ዝዀነ ናስዳቕ ብ3 ሚእታዊት ንቝልቍል ኣናጊዕዎ፤ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ኣፍረይቲ ቺፕን ማእከላት ዳታን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መሸጣ እዩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኤንቪዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብ17 ሚእታዊት ብምውራድ፡ ዝኸፍአ ምንቍልቋል ኣመዝጊቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፎርብስ፡ እዚ ቺፕ ዘፍሪ ትካል ብርእሰማል ዕዳጋ ክዕቀን እንከሎ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ኩባንያ ኰይኑ እኳ እንተነበረ፡ ብሰኑይ ግን ድሕሪ ኣፕልን ማይክሮሶፍትን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ወሪዱ፤ ዋጋኡ ድማ ካብ 3.5 ትሪልዮን ዶላር ናብ 2.9 ትሪልዮን ዶላር ነክዩ።

ቻይና እንታይ ምላሽ ትህብ?

ምዕባለ ዲፕሲክ፡ ነቲ ካብ ጽግዕተኛነት ቴክኖሎጂ ምዕራባውያን ክላቐቕ ክቃለስ ዝጸንሐ መንግስቲ ቻይና ዓቢ ሩፍታ ዝህብ ይመስል።

ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዛጊት ዝዀነ ርእይቶ'ኳ እንተዘይሃበ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን፡ ዓበይቲ ትካላት ሲሊኮን ቫሊን ዎል ስሪትን ብሰንኪ'ቲ ንዕዳጋ ስቶክ "ዝገላበጠ" ዲፕሲክ "ድቃስ ስኢነን" ኢለን ከቃልሓ ኣይደንጐያን።

"ምዕባለታት ዲፕሲክ፡ ናይቲ ኣብ ቻይና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቴክኖሎጅያዊ ብቕዓትን መትከል ርእሰ-ምርኮሳን እታ ሃገር ዘመስክር እዩ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሲድኒ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ማሪና ዣንግ።

"ዓወት እቲ ኩባንያ፡ ነቲ ብመንእሰያት ዝድረኽ ዘሎ ሓድሽ ዘመን መሃዝነት ቻይና ዘረጋግጽ ኰይኑ እዩ ዝረአ።"

እዚ ስምዒት እዚ ግን፡ ናብ "ቴክኖሎጅያዊ ተነጽሎ" ክመርሕ ከምዝኽእል'ውን ስክፍታኣ ትገልጽ።