ቲክቶክ፡ ስለምንታይ'ዩ ዓቢይ ስግኣት መንግስታት ዝኸውን ዘሎ?

ቲክቶክ፡ ኣብ ኣሜሪካ እገዳ ክግበረሉ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ውሕስነት ሳይበር ዝምልከት ዓለማዊ ክትዕ ዳግማይ ኣለዓዒልዎ ይርከብ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ፡ ገለ ሰባት ስክፍታ ሃገራዊ ድሕነት ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖም፡ ብደረጃ ሃገር እቲ መተግበሪ ንኽእገድ ዝጠልቡ ጻውዒታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ኮንግረስ ንዝካየድ መስርሕ ፍርዲ መርገጺ ክሕዝ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳን ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡ ሰበስልጣን መንግስቲ ቲክቶክ ካብ ተሌፎናት ሰራሕተኛታት ይእግዱ ኣለዉ።

እንተዀነ ሾ ዚ ቸው ንኣዋርሕ፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝመደበሩ ናይ ቪድዮ መድረኽ ውሑስ ምዃኑ ክምጕት ጸኒሑ'ዩ።

ቻይና፡ ኣሜሪካ ነቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ኩባንያ ንምዕፋን ስግኣት ውሕስነት ሳይበር ኣጋኒና ኣላ ክትብል'ኳ እንተኸሰሰት፡ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም መሳርሒ ስለያ ክውዕል ይኽእል'ዩ ብዝብል ክሲ ግን ኣብ ኣሜሪካ ብግዴታ ንኽሽየጥ ወይ ድማ ፍጹም እገዳ ንኽግበረሉ ዝጠልብ ጻውዒት ብናህሪ ይህነጽ ኣሎ።

ኣብ 2020፡ ነቲ ዓቢ ዓወት ዝዀነ መተግበሪ ኣብ ኣሜሪካ በቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ክእገድ ካብ ምርኣይ ንቕሩብ ኣምሊጦም፡ ብዛዕባ እቲ ቲክቶክ ዘስዕቦ ሓደጋታት ውሕስነት ሳይበር ግን መዓልታዊ ማዕበላዊ ሕቶታት ኣጋጢምዎም እዩ።

ሳላ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ሕጋዊ ብድሆታት፡ እቲ ክትዕ ብዓቢኡ ዕዉት ከይኮነ ተሪፉ - ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 2021 ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ እማመ ትራምፕ ምስ ሰረዞ እቲ ጉዳይ ተዓጽዩ።

ዳርጋ ካብ ቲክቶክ ባዕሉን ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መነባብሮኦም ካብቲ መተግበሪ ዝረኽቡ ሚልዮናት ጸልውትን ሓባራዊ ትንፋስ ቅሳነት ተሰሚዑ ክበሃል ይኽእል።

ሕጂ ግን፡ ከምቲ እቲ ዝተጠውየ ቅርጺ ዘንጸባርቕ ምልክት ንግዲ እቲ መተግበሪ፡ ናብቲ መበገሲና ተመሊስና ኣለና።

ብዘይካ ሕጂ እቲ ሓደጋ ዝያዳ ልዑል እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትራምፕ እቲ መተግበሪ ክእገድ ሓሳብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ቲክቶክ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 800 ሚልዮን ግዜ ካብ ኢንተርነት ወሪዱ (ዳውንሎድ ተገይሩ) ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቍጽሪ ናብ 3.5 ቢልዮን ከም ዝበረኸ ሴንሰር ታወር ዝተበሃለ ኩባንያ መርመራ መተግበሪ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊኡ ኣብ መንጐ ቻይናን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝብርኽ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ክውሰኽ እንከሎ፡ ዓለማዊ መጻኢ ቲክቶክ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዘይተረጋገጸ ምዃኑ ንጹር ይኸውን።

ስለዚ እቶም ንቲክቶክ ዝምልከቱ ሰለስተ ስክፍታታት ውሕስነት ሳይበር እንታይ እዮም? እቲ ኩባንያ’ኸ እንታይ ምላሽ ይህብ?

1. ቲክቶክ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓበሬታ [ዳታ] ይእክብ’ዩ

ወሃቢት ቃል ቲክቶክ፡ እቲ መተግበሪ ዳታ ዝእክበሉ መንገዲ "ምስ ኣሰራርሓ ኢንዱስትሪ ዝሰማማዕ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ነቐፍቲ ብተደጋጋሚ ቲክቶክ ካብ ተጠቀምቲ ኣዝዩ ብዙሕ መረድኢታት ይእክብ’ዩ ክብሉ ይኸሱ። ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ ኢንተርነት 2.0 ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ሳይበር ዝሰርሑ ተመራመርቲ ዝዘርግሕዎ ጸብጻብ ውሕስነት ሳይበር መብዛሕትኡ ግዜ ከም መርትዖ ይጥቀስ።

ተመራመርቲ፡ ምንጪ ኮድ ናይቲ መተግበሪ ኣጽኒዖም፡ እቲ ኣፕ "ካብ ዓቐን ንላዕሊ መረድኢታት ምእካብ" ከም ዘካይድ ጸብጺቦም።

ተንተንቲ ከም ዝበልዎ፡ ቲክቶክ ከም መቓምጦ ተጠቀምቲ፡ ዝጥቀምሉ ዓይነት መሳርሒን ኣብ መሳርሒኦም እንታይ ዓይነት ካልኦት መተግበሪታት ከም ዘለዎምን ዝኣመሰሉ ዝርዝር ሓበሬታታት ይእክብ።

ይዅን እምበር፡ ብሲቲዘን ላብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መርመራ፡ "ምስ ካልኦት ህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኻት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቲክቶክ ተመሳሳሊ ዓይነት መረድኢታት ብምእካብ ባህርያት ተጠቀምቲ ይከታተል" ክብል ደምዲሙ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን ብኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ጆርጅያ ኣብ ጥሪ ዝወጸ ጸብጻብ፡ "ኣብዚ እቲ ቀንዲ ሓቂ መብዛሕትኦም ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መተግበሪታት ሞባይልን ተመሳሳሊ ነገራት ይፍጽሙ’ዮም" ክብል ገሊጹ።

2. ቲክቶክ መንግስቲ ቻይና ንተጠቀምቲ ንምስላይ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ

ወሃቢት ቃል ቲክቶክ፡ እቲ ኩባንያ ምሉእ ብምሉእ ነጻ ምዃኑን "ንመንግስቲ ቻይና መረድኢታት ተጠቀምቲ ኣይሃብናን፡ እንተንሕተት ነይርና'ውን ኣይምሃብናን" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንክኢላታት ብሕታዊነት’ኳ ዘቘጥዕ እንተዀነ፡ መብዛሕትና ግን መጠን ውልቃዊ መረድኢታት ኣሕሊፍካ ምሃብ ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንገብሮ ውዕል ምዃኑ ንቕበል ኢና።

ኣገልግሎቶም ብነጻ ንኽንጥቀም ብምፍቃድ ብዛዕባና ሓበሬታ ኣኪቦም ኣብ መድረኾም መወዓውዒ ንምሻጥ ይጥቀሙሉ፣ ወይ ድማ ነቲ መረድኢታትና ናብ ካልኦት ኣብ ኢንተርነት መወዓውዒ ክልእኩ ዝደልዩ ትካላት ይሸጡ።

ነቐፍቲ ምስ ቲክቶክ ዘለዎም ጉዳይ፡ እቲ መተግበሪ መደበሩ ኣብ በይጂን ብዝዀነ ባይትዳንስ ዝበሃል ትካል ቴክኖሎጂ ዝውነን ብምዃኑ እዩ፡ እዚ ደም ከም ዘይኣመሪካዊ ቀንዲ መተግበሪ ፍሉይ ይገብሮ። ንኣብነት ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ስናፕቻትን ዩትዩብን ኵሎም ተመሳሳሊ መጠን መረድኢታት ዝእክቡ’ኳ እንተዀኑ፤ ግን ኵሎም ኣብ ኣሜሪካ ዝተመስረቱ ኩባንያታት እዮም።

ንዓመታት፡ ሓገግቲ ኣሜሪካ ከም መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም፡ ዝዀነ ደረጃ ምትእምማን ከም ዘሎ ይግምቱ ነይሮም፤ እቲ በዞም መድረኻት ዝእከብ መረድኢታት ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ብዝኽእል መንገዲ ንሕመቕ ኵነታት ከም ዘይውዕል ይሓስቡ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2020 ዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ቲክቶክ ዝእክቦ መረዳእታ፡ ቻይና "መቓምጦ ሰራሕተኛታትን ኮንትራክተራትን ፈደራል ንምክትታል፡ ንታህዲድ ምቕላዕ ዝውዕል ጸብጻባት ውልቃዊ ሓበሬታ ንምህናጽን ትካላዊ ስለያ ንምክያድን" ከኽእላ ከም ዝኽእል ይኸስስ።

ክሳብ ሕጂ፡ መርትዖታት እዚ ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋ ጥራይ ምዃኑ ይሕብሩ - ኣብ 2017 ዝጸደቐ ዘይንጹር ሕጊ ቻይና ግን ስግኣታት የለዓዕል ኣሎ።

ዓንቀጽ ሸውዓተ ሃገራዊ ሕጊ ስለያ ቻይና፡ ኵሎም ትካላትን ዜጋታትን ቻይና ንጻዕርታት ስለያ ቻይና "ክድግፉ፡ ክሕግዙን ክተሓባበሩን" ከም ዘለዎም ይገልጽ።

እዚ ምሉእ-ሓሳብ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ንቲክቶክ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅለን ኩባንያታት ቻይና ዝጥርጥሩ ሰባት ዝጠቅስ’ዩ።

ይዅን እምበር፡ ተመራመርቲ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ጆርጅያ፡ እዚ ምሉእ-ሓሳብ ካብ ዓውዲ ጽሑፍ ወጻኢ ዝተወሰደ ምዃኑ ይምጕቱ፤ ብተወሳኺ እቲ ሕጊ መሰላት ተጠቀምትን ናይ ብሕቲ ኩባንያታትን ዝሕሉ መጠንቀቕታታት እውን ከም ዘጠቓልል የመልክቱ።

ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ቲክቶክ፡ ሰራሕተኛታት ቻይና ካብ ቻይናውያን ዘይኰኑ ተጠቀምቲ መረድኢታት ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ንሰባት ከረጋግጹ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ታሕሳስ ግን ባይትዳንስ፡ ኣብ በይጂን ዝመደበሮም ሓያሎ ሰራሕተኛታቱ ብርግጽ ብውሑዱ መረድኢታት ክልተ ኣሜሪካውያን ጋዜጠኛታትን፡ "ውሑዳት" ካልኦትን ከም ዝረኸቡን እዚ ድማ መቓምጦኦም ንምክትታልን ምስቶም ሓበሬታ ንመራኸቢ ብዙሃን ይህቡ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰራሕተኛታት ቲክቶክ ይራኸቡ ድዮም ኣይራኸቡን ንምፍታሽ ዝተገብረ ምዃኑን ተኣሚኑ።

ወሃቢት ቃል ቲክቶክ፡ እቶም ነቲ መረድኢታት ዝረኸቡ ሰራሕተኛታት ኣብ ታሕሳስ ከም ዝተባረሩ ገሊጻ።

እቲ ትካል፡ መረድኢታት ተጠቀምቲ ኣብ ኣሜሪካን ሲንጋፖርን ከም ዝቕመጥን ኣብ ቻይና ተዓቂቡ ከም ዘይፈልጥን ኣትሪሩ ይገልጽ።

ኣብ ካልእ ቦታታት እውን መኽዘናት መረድኢታት ንምድላው ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ይሕብር፡ ንኣብነት ኵሉ መረድኢታት ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ክሳዕ 2024 ኣብ ኣየርላንድ ከሰላስል መደብ ከም ዘለዎ የመልክት።

3. ቲክቶክ ከም መሳርሒ ‘ሕጽበተ-ሓንጐል’ ክውዕል ይኽእል’ዩ

ወሃቢት ቃል ቲክቶክ፡ "መምርሒታት ማሕበረሰብና ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብና ወይ ኣብ ዝዓበየ ህዝቢ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ግጉይ ሓበሬታ ይኽልክል፡ እዚ ድማ ኣብ ዝተዋደደ ዘይሓቀኛ ባህርያት ምውፋር ዘጠቓልል'ዩ" ትብል።

ኣብ ሕዳር 2022፡ ዳይረክተር ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ (FBI) ክሪስቶፈር ውራይ፡ ንኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ቻይና... ንጽልዋ ስርሒታት ክውዕል ዝኽእል ናይ ለበዋ ኣልጐሪዝም ክቈጻጸሮ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

እቶም ስክፍታታት ዝያዳ ክውስኹ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ቲክቶክ ዝተኣሳሰር ዶውይን ዝተበሃለ መተግበሪ - ኣብ ቻይና ጥራይ ዝርከብ - ብብዝሒ ሳንሱር ስለዝተገብረሉን ትምህርታውን ጥዑይን ትሕዝቶታት ብምትብባዕ ኣብ ኢንተርነት ብብዝሒን ብስፍሓትን ክዝርግሑ ንኽገብር ከም ዝተሃንጸ ስለዝንገርን’ዩ።

ኵለን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ቻይና ብብዝሒ ሳንሱር ዝግበረለን ኰይነን፡ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ወይ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዘበራብር ትሕዝቶ ብሰራዊት ፖሊስ ኢንተርነት ይድምሰስ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ዕብየት ቲክቶክ፡ ኣብቲ መተግበሪ ልዑል ጉዳያት ሳንሱር ነይሮም፡ ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ተጠቃሚት፡ ቻይና ኣብ ዚንጂያን ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዘለዋ ኣተሓሕዛ ብምዝታያ ኣካውንታ ተኣጊዱ፤ ድሕሪ ብርቱዕ ህዝባዊ ግብረ መልሲ፡ ቲክቶክ ይቕሬታ ሓቲቱ ነቲ ኣካውንታ ከፊትዎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ውሑዳት ጉዳያት ሳንሱር እዮም ተራእዩ።

ተመራመርቲ ሲቲዘን ላብ፡ ንጽጽር ቲክቶክን ዶውይንን ኣካይዶም። ቲክቶክ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ሳንሱር ከም ዘይጥቀም ደምዲሞም።

"እቲ መድረኽ ርኡይ ድሕረ-ሳንሱር ኣየተግብርን'ዩ" ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

ተንተንቲ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ጆርጅያ'ውን ከም ነጻነት ታይዋን ወይ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሺ ጂንፒን ዝኣመሰሉ ዋዛ ኣርእስታት ብምድላይ፡ "እዚኦም ኵሎም ቪድዮታት ብቐሊሉ ኣብ ቲክቶክ ክርከቡ ይኽእሉ። ብዙሓት ህቡባትን ብሰፊሑ ዝተዘርግሑን እዮም" ክብሉ ደምዲሞም።

ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋ

እቲ ሓፈሻዊ ምስሊ እምበኣር፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ፍርሒታት - ከምኡ'ውን ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋ እዩ።

ነቐፍቲ፡ ቲክቶክ "ፈረስ ትሮጃን" እዩ ይብሉ፤ ዋላ'ኳ ጐዳኢ ዘይመስል እንተመሰለ ንኣብነት ኣብ እዋን ግጭት ሓያል ኣጽዋር ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ መተግበሪ ድሮ ኣብታ ኣብ 2020 ኣንጻር እቲ መተግበሪን ካልኦት ዓሰርተታት ቻይናውያን መድረኻትን ስጕምቲ ዝወሰደት ህንዲ ተኣጊዱ ኣሎ።

እንተዀነ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ እትገብሮ እገዳ ኣብ ልዕሊ እቲ መድረኽ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ምኽንያቱ ብተለምዶ መሻርኽቲ ኣሜሪካ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ተመሳሳሊ ስጕምቲ ይወስዳ’የን።

እዚ ድማ ኣሜሪካ፡ ቻይናዊ ትካል ቴሌኮም ሁዋዌ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ፋይቭጂ (5G) ከይዋፈር ንምዕጋት ጻውዒታት ብዓወት ምስ መርሐት ርኡይ ኰይኑ'ዩ። እዚ’ውን ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋታት ዝተመርኰሰ ነይሩ።

ብርግጽ እዞም ሓደጋታት እዚኦም ሓደ ኣንፈታዊ መንገዲ ምዃኖም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ቻይና ብዛዕባ መተግበሪ ኣሜሪካ ክትጭነቕ የብላን፣ ምኽንያቱ ንነዊሕ ዓመታት ዜጋታት ቻይና ናብቶም መተግበሪታት ከይኣትዉ ተኣግዲም ጸኒሖም’ዮም።