ቻትጂፒቲ፡ ታሪኽ ዕላል ገለ ተጠቀምቲ ኣልሒዅ

ኣብ ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ዝተፈጥረ ጸገም፡ ገለ ተጠቀምቲ ኣርእስቲ ዕላል ካልኦት ተጠቀምቲ ክርእዩ ከም ዘኽኣሎም ሓላፊ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ቻትቦት ገሊጹ።

ገለ ተጠቀምቲ እቲ ሰብሰርሖ ብልሒ ናትና ኣይኰነን ዝበልዎ ምስልታት ዝርርባት ቻትጂፒቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ረዲትን ትዊተርን ኣካፊሎም ነይሮም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦፕንኤይ ሳም ኣልትማን፡ በዚ ክስተት እቲ ኩባንያ "ሕማቕ” ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ እንተዀነ እቲ "ኣገዳሲ" ጌጋ ሕጂ ከም ዝተኣረመ ገሊጹ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ግን ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ብሚስጥራውነት ከም ዝተሻቐሉ ይገልጹ።

ቻትጂፒቲ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት (2022) ካብ ዝጅምር ንደሓር መልእኽቲ ሚልዮናት ሰባት መልእኽቲ ንምንዳፍ፡ ደርፍታት ንምጽሓፍን ናይ ኮምፒዩተር ኮዲን ንምስራሕን ከይተረፈ ክጥቀምሉ ጸኒሖም ኣለው።

ነፍሲ ወከፍ ምስ ቻትቦት እትገብሮ ዕላል፡ ድሒርካ ዳግማይ ንኽትሪኦ ኣብ “history bar” ዕላል ናይቲ ተጠቃሚ ይኽዘን እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ምስ ቻትቦት ኣይገበርናዮም ዝበልዎም ዕላላት ኣብ ታሪኾም ክመጽእ ክርእዩ ጀሚሮም።

ሓደ ተጠቃሚ ኣብ ረዲት፡ "ልምዓት ማሕበራውነት ቻይና" ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ከምኡ'ውን ብቛንቋ ማንደሪን ዝተገብረ ዕላላት ሓዊሱ፡ ኣብ ገጹ ከም ዝመጽኣሉ ዘርኢ ስእሊ ኣካፊሉ።

እቲ ኩባንያ ብሰሉስ ንብሉምበርግ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ጌጋ ንምእራም ነቲ ቻትቦት ንሓጺር እዋን ከም ዘሰናኸሎ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ነቲ ናይ ባዕሎም ዕላላት ክረኽብዎ ከም ዘይከኣሉ ገሊጾም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦፕንኤይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን "ቴክኒካዊ መርመራ" ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጌጋ ግን ካብቶም ብሕታዊ ሓበሬታኦም ብመንገዲ እቲ መተግበሪ ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ዝሰግኡ ተጠቀምቲ ስክፍታ ኣስዒቡ'ሎ።

እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ግን፡ OpenAI ናይ ተጠቀምቲ ዕላል ክርእዮ ከም ዝኽእል ዘመልክት ይመስል።

ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይቲ ኩባንያ፡ ከም ምዝኽኻርን መልስን ዝኣመሰሉ ዳታ ተጠቀምቲ ነቲ ሞዴል ንምምሃር ወይ ንምስልጣን ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

እቲ ዳታ ግን ውልቃዊ መለለዪ ሓበሬታ ምስ ተኣልየ ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝኽእል’ውን የመልክት።

እዚ ጌጋ፡ ጉግል ባርድ ዝተባህለ ንቻትቦት ዝመስል መተግበሪ ንጕጅለ ፈተንቲ ቤታን ጋዜጠኛታትን ድሕሪ ምቕራቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኦፕን ኤኣይ ዘማዕበሎ ‘ቻትጂፒቲ' (ChatGPT) ቻት ቦት ኤኣይ ኰይኑ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ዝመስልን ቋንቋ ተጠቒሙ ብኢንተርነት ንዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስ ዝተሰርሐ እዩ።

ኣብ ኦፕንኤይ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ዝዀኑ ጉግልን ማይክሮሶፍትን፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋ መሳርሒታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንምቍጽጻር ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።

ናህሪ ሓደስቲ ፍርያት ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ግን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ወይ ዘይተሓስበ ሳዕቤን ዘለዎም ጸገማት ከይፈጥሩ ብዙሓት ስክፍታታት ኣስዒቦም ኣለው።