እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቲክቶክ ብሰብመዚ ካናዳ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ
ተቖጻጸርቲ ሓለዋ ሚስጥራውነት ካናዳ፡ ኣብ ቲክቶክ ብዛዕባ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ኣብ ዝእከብሉ ኣገባብ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ብቻይናዊ ግዙፍ ኩባንያ 'ባይትዳንስ' ዝውነን ቪድዮ መዘርግሒ መድረኽ፡ ዝእክቦ ሓበሬታ ናብ ቻይና ከም ዘልሕዂ ስክፍታታት ምፍጣሩ ስዒቡ እዩ መርመራ ዝግበረሉ ዘሎ።
እዚ ስጉምቲ ካናዳ፡ ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ነቲ ትካል "ንምክልኻል" ነቲ መተግበሪ ከጥፍኡ ድሕሪ ምእዛዞም ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
ቲክቶክ፡ ሚስጥራውነት "ቀዳምነት ዝወሃቦ" ምዃኑ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሚስጥራውነት ካናዳ፡ እቲ መርመራ ምስ ኣውራጃዊ ተቖጻጸርቲ ሚስጥራውነት ኩቤክ፡ ብሪቲሽ ኮሎምብያን ኣልበርታን ኮይኑ ከም ዝጀመሮ ገሊጹ።
እቲ መርመራ "ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝተሰምዑ ክሲታት፡ ከምኡ'ውን ምስ ናይ ቲክቶክ ኣተኣኻኽባ፡ ኣጠቓቕማን ኣገላልጻን ውልቃዊ ሓበሬታን ዝተኣሳሰር ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ምውጸኦም" ስዒቡ’ዩ ተጀሚሩ።
"እቲ ትካል ኣሰራርሓ ምስ ሕጊ ሚስጥራውነት ካናዳ ዝሰማማዕ ድዩ ኣይኮነን" ንምጽራይ ዝዓለመ እዩ።
እቶም ተቖጻጸርቲ ሚስጥራውነት፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ቲክቶክ 'ናእሽቱ ምዃኖምን፡ ዝዓበየ "ሚስጥራውነት ህጻናት ንምሕላው ኣገዳስነት" ከም ዘሎን ገሊጾም።
እቲ ኩባንያ ናይ ግልጽነት ግዴታታቱ የማልእ ድዩ ኣይማልእን ክምርምሩ እዮም።
ወሃቢ ቃል ቲክቶክ፡ እቲ መርመራ፡ እቲ ኩባንያ ንሚስጥራውነት ካናዳውያን ብኸመይ ከም ዝከላኸል "ብትኽክል ንምንጻር ዝሕግዝ" ዕድል ከምዝኾነ ገሊጹ።
ካናዳ ሓንቲ ካብተን ቻይና ነቲ መተግበሪ ተጠቒማ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንምእካብ ወይ ረብሓኣ ከተሰጉም ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ዘለወን ሃገራት እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ሆላንድ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ካብቲ መተግበሪ ክርሕቑ ከምዝመኸሩ ይንገር።
ኣብ ኣመሪካ ድሮ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል እገዳ ተኣታትዩ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ካብ ገለ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ንሰበስልጣን መንግስቲ ቲክቶክ ከይጥቀሙ ንምእጋድ ዝቐረበ ጻውዒት ይቃወም ኣሎ።
ኣደ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣሊሻ ኬርንስ ብወገና፡ ልክዕ ከም'ቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንሰራሕተኛታቱ ነቲ መተግበሪ ከጥፍኡ ትእዛዘ ዝሃበ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡ ክትገብር ዝጽውዕ ጓስጓስ ትመርሕ ኣላ።
ቲክቶክ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ቻይና ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ዝምልከት መረዳእታ ክትረክብ ከምዘይትኽእል ገሊጹ ነይሩ።