ኣብ ኢንስተግራም ብዝለጠፈቶ ጽሑፍ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ዝጽበያ መንእሰይ

ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኦሌስያ ክሪቭትሶቫ ብብዝሒ ካብ ትምህርቲ ክትቦክር እያ ጸኒሓ።

ጓል 20 ዓመት ኦሌስያ፡ ፖሊስ መዓልታዊ ምንቅስቓሳ ዝከታተለሉ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ እግራ ኣሲሮምላ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ትርከብ።

ገበና እንታይ እዩ?

ኦሌስያ ጸረ ኲናት ዝዀኑ ጽሑፋት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጽሓፍ እያ ተኣሲራ።

ሓደ ካብኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብቲ ሩስያን ዝጐበጠታ ክሬሚያን ዘራኽብ ድልድል ዘጋጠመ ሓደጋ ነትጒ ዝምልከት እዩ።

ኦሌስያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዛዕባ እቲ ድልድል ኣብ ኢንስታግራም ዝገልጽ ዛንታ ጽሒፈ ነይረ፤ ዩክሬናውያን በቲ ሓደጋ ከመይ ከም ዝተሓጎሱ ዝገልጽ ጽሑፍ እዩ” ትብል።

እዚ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ንመሓዝኣ እውን ኣካፊላ ነይራ።

ሽዑ እዩ እቲ ድራማ ዝጅምር።

"ምስ ኣደይ ብተሌፎን እናዕለልኩ እንከለኹ፡ ማዕጾ ገዛይ ተኸፊሩ፤ ብዙሓት ፖሊስ ኣትዮም። ስልከይ ወሲዶም ኣብ መሬት ክድቅስ ኣዚዞምኒ” ትብል ኦሌስያ።

ኦሌስያ ራዕዲ ብምምኽናይን ንዕጡቕ ሓይልታት ሩስያ ብምጽላምን ተኸሲሳ፤ በዚ ምኽንያት ክሳብ 10 ዓመት ክትእሰር ከምእትኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

"ዝዀነ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ገለ ነገር ብምልጣፉ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ይፍረዶ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝቐርቡ ጸብጻባት ይርኢ ነይረ’የ፤ ብዙሕ ኣቓልቦ ግን ኣይሃብኩን፤ ምዝራበይ ድማ ቀጺለ" ትብል።

ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኖርዘን ፌደራል ዝዀነት ኦሌስያ፡ ሕጂ ሽማ ኣብ ወግዓዊ ዝርዝር ኣሸበርትን ኣኽረርቲን ሩስያ ሰፊሩ ኣሎ።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝትኩስን እስላማዊ ጉጅለን ኣብ ሓደ ዝርዝር ከም ዝኣተኹ ምስ ፈለጥኩ፡ ጽላለ’ዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ” ኢላ።

ብመሰረት ሕጊ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ብቴሌፎን ከይትዛረብን ኣብ ኢንተርነት ከይትጥቀምን ተኸልኪላ ኣላ።

ኦሌስያ ኣብ የማናይ እግራ ውቃጦ ኣሎ - ምስሊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከም ሳሬት ተሳኢሉ፡ "ዓቢ ሓወይ ይዕዘበካ ኣሎ" ዝብል ጽሑፍ ኦርዌሊያን ኣለዎ።

ኣብ ጉዳይ ኦሌስያ፡ ዓቢ ሓው ዘይኰነ መሓዙታ ዝዀኑ ተማሃሮ እዮም ንጉዳያ ዝከታተሉ ነይሮም።

"ሓደ መሓዛይ ኣብ ሓደ ዕላል ብዛዕባይ ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ልኢኹለይ፤ እዚ ብዛዕባ ከመይ ጌረ ኣንጻር እቲ 'ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት' ከም ዝነበርኩ ዝገልጽ እዩ። መብዛሕትኦም ኣካል እዚ ዕላል ዝነበሩ ሰባት፡ ተማሃሮ ታሪኽ እዮም። ኣብዚ፡ ንሰብ መዚ ኣሕሊፎም ክህቡኒ ድዮም ኣይህቡንን ይዛተዩ ነይሮም" ትብል።

ቢቢሲ ካብቲ ናይ ጉጅለ ዕላል ዝተወስደ ቁንጫል ርእዩ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ርእይቶ፡ ኦሌስያ "ናይ ስዕረትን ኣኽራሪን ባህሪ ዘለዎም ምልዕዓል ዝፈጥሩ ጽሑፋት” እያ ጽሒፋ ብምባል ይኸስስ።

“መጀመርታ ሽማ ንምጽላም ንፈትን። ድሕሪኡ ዘሎ ኣገልግሎት ጸጥታ ክኣልዮ’ዩ።"

ካልእ ድማ፡ "ምውጋዝ ግቡእ ሃገራውያን እዩ" ይብል።

ጸኒሑ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርዝር መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ምስ ተነበበ፡ ኦሌስያ ኣሽማት ገለ ተማሃሮ ኣለለየቶ።

ክረምሊን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ቃል ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ሙሉእ ወራር ንምግላጽ እትጥቀመሉ እዩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ህዝቢ ሩስያ "ሓቀኛታት ሃገራውያን ካብ ረሳሕን ከዳዓትን" ክፈልዮም ይጽውዕ ነይሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ነቐፍቲ እቲ ኲናት ብቕዲ ሶቭየት ዝውግዝ ጸብጻባት ይቐርብ ኣሎ።

እዚኦም ድማ ብዛዕባ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ሓበሬታ ኣሕሊፎም ዝህቡ ተማሃሮ ይርከብዎም።

ኣንጻር እቲ ወራር ህዝባዊ ነቐፌታ ምቕራብ - እዚ ድማ ነቐፌታ ካልኦት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዳግማይ ምልጣፍ ዘጠቓልል እዩ - ሓደገኛ እዩ።

ሰበስልጣን ሩስያ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ መጥቃዕቲ ፍጹምን ዘይንቕነቕን ደገፍ ክህልዎም ትጽቢት ኣለዎም።

እንተዘይደጊፍካዮ እንተወሓደ ስቕ ክትብል ትጽቢት ይግበረልካ።

ስቕ እንተዘይበልካ፡ ተቓውሞ ንምቕጻዕ ዝዓለመ ተኸታታሊ ዓፋኒ ሕግታት ኣሎ።

እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ሰራዊት "ናይ ሓሶት ሓበሬታ" ምዝርጋሕን “ሽም ምጥፋእ” እቲ ሰራዊትን ዝኽልክል ሕግታት የጠቓልል።

ኦሌስያ ናብ ቤት ፍርዲ ክትከይድ ጥራይ እዩ ካብ ገዛ ክትወጽእ ዝፍቀደላ።

ጠበቓታት ነቲ ኣብ ምንቅስቓሳ ዝነበረ ገደብ ንኽልዓል ንዳያኑ ከእምኑ ይፍትኑ ኣለዉ።

ዳኛ ግን ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክትጸንሕ ፈሪዱ።

"መንግስቲ ንክትዕ፡ ንዲሞክራሲ ወይ ንናጽነት ዘፍቅድ ዓቕሚ የብሉን። ንኹሉ ሰብ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከእትውዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ሸላታት ክውድኡ እዮም” ትብል ዶሊስያ።