ደቂ ፍሉጣትን ሃፋትምን ሰባት ኣበይ’ዮም ዝመሃሩ?

ህይወት ሃብታማትን ፍሉጣትን ሰባት ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ምስጢር ዓወታቶም ምድላይ ኩሉ ግዜ በዳሂ እዩ።

ኣብነታት ነልዕል።

ጁልያ ቻይልድ ፍልጥቲ ከሻኒት፤ ኮሎምቢያዊ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ጋብሪኤል ጋርስያ ማርኬዝ፣ ኣመሪካዊት ስነ ጥበባዊት ታይለር ስዊፍት ከምኡ’ውን መስረትቲ ጉግል ላሪ ፔጅን ሰርጌይ ብሪንን ኩሎም እንታይ የመሳስሎም?

ኩሎም ንኣሽቱ ቈልዑ እንከለዉ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሞንተሶሪ እዮም ተማሂሮም።

ኣብ ኣመሪካ፡ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጅን ዘለወን ጽልዋ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ይፍለጥ።

እቲ ኣገባብ ትምህርቲ ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ።

ተቓላሲ ናጽነት ህንዲ ማህተመ ጋንዲ ናይዚ ቤት ትምህርቲ ኣድናቒ ኰይኑ ህጻናት "ኩሉ ነገር እናተጻወቱ ስለ ዝመሃሩ ናይ ትምህርቲ ጾር ከም ዘይስምዖም" ገሊጹ ነይሩ።

ራቢንድራናት ታጎር ዝተባህለ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ገጣሚ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ሞንተሶሪ ዝጥቀማሉ ህጻናት ብነጻነት ፈጠራዊ ርእሰ-ምግላጽ ክህልዎም ዝሕግዝ መርበብ ኣበጊሱ።

እቲ ኣገባብ ግን ብሓቂ ይሰርሕ ድዩ?

ጣልያናዊት ዶክተርን መምህርን ማርያ ሞንተሶሪ፡ ህጻናት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ርእሰ-ምሕደራ ከማዕብሉ ዘተባብዕ ፍሉጥ መትከላታ ካብ እትነድፍ ልዕሊ ሓደ ዘመን ኰይኑ ኣሎ።

ናታ ህይወት ሕልማ ንምስዓብ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ክትጻረር ዝደፈረት ኣንስታያዊት (ፌሚንስት) ዘዘንቱ ዘተባብዕ ዛንታ ኣለዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም መገዲ ሞንተሶሪ ዝጥቀማ ብውሑዱ 60 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

እቲ ዘገርም ግን፡ ረብሓታት ትምህርቲ ሞንተሶሪ ሕጂ’ውን ኣካታዒ ምዃኑ እዩ።

እዚ ብኸፊል ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ሳይንሳዊ ምርምር ንምክያድ ብዘሎ ባህርያዊ ጸገማት ዝመጽአ ኰይኑ፡ እቶም ዘለዉ መጽናዕትታት ከቢድ ነቐፌታ ኣጋጢምዎም እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ እዮም ተመራመርቲ ንገለ ካብዞም ጉዳያት ክፈትሕዎም ዝኸኣሉ።

ማሪያ ሞንተሶሪ፡ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ጣልያን ቺያራቫለ ብ1870 ተወሊዳ።

ወለዳ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበሩ ፍሉጣት ሓሰብትን ምሁራትን ዝሕወሱ ዝነበሩ ገስገስቲ’ዮም ነይሮም።

እዚ ንቑሕ ስድራቤታዊ ሃዋህው ንሞንተሶሪ ካብ ካልኦት ኣብቲ እዋን ዝነበራ መንእሰያት ኣዋልድ ብዙሕ ብልጫታት ሂብዋ።

"ደገፍ ኣዲኣ ንገለ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ነይሩ፤ ንኣብነት ድሕሪ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ እያ ተመዝጊባ” ትብል ኣባል ቦርድ ኣካየድቲ ኦፔራ ናዚዮናለ ሞንተሶሪ ኤልዲ ታቪያኒ።

እዚ ትካል፡ ሞንተሶሪ ንኣገባባት ትምህርታ ክትምርምርን ከተስፋሕፍሕን ዘጣየሸቶ እዩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ስድራ ሞንተሶሪ እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ዝነበረ ዓውዲ ሕክምና ክትመሃር ዝነበራ ውሳነ ደጊፎም ኣተባቢዖምዋ።

"ስድራቤት ማርያ ሞንተሶሪ ኩሉ ግዜ ንማሕበራዊ ጉዳያት ኣዝዮም ተኣፈፍቲ እዮም ነይሮም" ትብል ታቪያኒ።

ሞንተሶሪ ክሳብ ትባጽሕ፡ ከም ቃልሲ ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ይስፋፍሑ ነይሮም’ዮም።

"ኣገዳሲ መወከሲ ነጥቢ ካልኦት ናይቲ ዘመን ደቂ ኣንስትዮ ትውክል ነይራ።"

ሞንተሶሪ ብ1896 ትምህርታ ምስ ወድአት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ ወለንታዊት ተሓጋጋዚት ኰይና ስራሕ ጀመረት።

ኣብኡ ድማ ናይ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ትኣሊ ነይራ።

እተን መምሃሪ ክፍልታት ውሑድ ናውታትን ጥራይ እዩ ነይሩወን።

ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ቆልዑ ኣብ መሬት ምስ ዝወደቐ ቅጫ ብሓያል ስምዒት ክጻወቱ ረኺባቶም ትብል ኣብ ስፔን ተመራማሪት ስነ ልቦናን ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ናቫራ ካትሪን ለኩየር።

"ድሕሪኡ መበገሲ ገለ ስንክልናታት ኣእምሮ ምስ ድኽነት ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ሓሲባ"።

ትኽክለኛ መምሃሪ ናውቲ እንተሃልዩ፡ እዚኦምን ካልኦት መንእሰያትን ክሕብሕቡ ከም ዝኽእሉ ሞንተሶሪ ኣሚና።

እዚ፡ ሞንተሶሪ ተመሃሮ ኣብቲ ተኣፋፊ ናይ ቁልዕነቶም ግዜ ዘተኮረ ሓድሽ ኣገባብ ትምህርቲ ንኸተማዕብል ኣሰር ኰይኑዋ።

ኩሉ እቲ ናይ ትምህርቲ ናውቲ ድማ ብዓቐን እቶም ቈልዑ ክኸውንን ንኹሉ ህዋሳት ስምዒቶም ዝገዝእን ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺ ነይሩዋ።

ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ብናጽነት ክንቀሳቐስን ናይ ፈጠራን ጸገማት ናይ ምፍታሕ ክእለቱ ክጥቀምን ክፍቀደሉ ይግባእ- ትብል።

መምህራን ድማ ነቶም ህጻናት ብዘይ ምግዳድ ይኹን ምቕጻዕ ይድግፉ ነበሩ።

ሞንተሶሪ ንፈለማ እዋን ኣብ 1907 "መውዐሊ ህጻናት" ከፊታ።

ቀስ ብቐስ ድማ ምስ ጋንዲ ሓዊሱ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ራእይ ዘለዎም ሰባት እውን ርክብ ፈጢራ።

ምናልባት ዘገርም ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ጣልያን ኣብ 1922 ፋሽሽታዊ ስርዓት ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ መጀመርታ ምንቅስቓሳታ ተቐቢሎምዎ።

ነዊሕ ከይጸንሑ ግን፡ ነቲ 'ህጻናት ሓሳቦም ብናጽነት ክገልጹ ኣለዎም' ዝብል ኣገባብ ክቃወሙዎ ጀሚሮም።

ታቪያኒ ከም እትብሎ እንተዀይኑ ውርሻታት ሞንተሶሪ ወትሩ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ከምኡ'ውን "መሰላት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን'ዩ ነይሩ። ፋሽሽታውያን ግን ንስራሓን ዝናኣን ክምዝምዙ ይደልዩ ነይሮም።"

እቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት፡ ኣብ ትምህርታዊ ትሕዝቶ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ጽልዋ ከሕድር ምስ ፈተነ ጸገማት ክፍጠሩ ጀሚሮም።

ብ1934 ሞንተሶሪን ወዳን ካብ ጣልያን ክወጽኡ ወሲኖም።

ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኣ ብ1952 ክሳብ እትመውት ግን ብዛዕባ ኣገባባ ትምህርቲ ክትጽሕፍን ከተማዕብልን ጸኒሓ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣብያተ ትምህርቲ ሞንተሶሪ ኣለው፤ ኩለን ግን ብኦፔራ ሞንተሶሪ ኣፍልጦ ዝረኸባ ኣይኰናን።

ገለ መሰረታዊ መትከላት ግን ከም ዘየዛብዓ ይፍለጥ።

እቲ ሓደ መምህራን ለጋሳት ኣለይቲ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ብዝተኻእለ መጠን ህጻናት ዘካይዱዎም ንጥፈታት ብውሑድ ምትእትታው ዓበይቲ ክዛዝምዎ ወይ ክዓዩዎ ምትብባዕ ፈጢሩ እዩ።

"ደቅና ባዕሎም ምምሕዳር ይመሃሩ" ትብል ማርያም ፌሮ።

ንሳ፡ ርእሰ መምህር ኣብ ፓለርሞ ሲሲሊ ዝርከብ ካብ ዝውለዱ ሒደት ኣዋርሕ ዝገበሩ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ዘለው ህጻናት ዝቕበል ቤት ትምህርቲ ኢኮስኩላ ሞንተሶሪ እያ።

ኣብ ኢኮስኩላ ዝወሃቡ ገለ ትምህርትታት ምስቲ ኣብ ካልኦት ቅድሚ መባእታዊ ትምህርቲ ዝወሃቡ ከም ሒሳብን ሙዚቃን ዝመሳሰሉ እዮም።

"ግብራዊ ህይወት" ዝበሃል ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝነበረ ትምህርቲ’ውን ይወሃቦም።

እዚ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ዝፍጸም ግብራዊ ዕማማት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ተመሃሮ ከም ንመማህርቶም ዝስተ ማይ ምቕራብ ዝበሉ ንጥፈታት የካትት።

መምህራን ማይ ናይ ምፍላሕ ሓላፍነት ይወስዱ፤ እቶም ቈልዑ ድማ ናይ ምጽራይን ምቕራብን ስራሕቲ ይሰርሑ።

"ኣብ እዋን ቁርስን ምሳሕን'ውን ርእሶም ክኢሎም የቕርቡ፤ ተራኦም ሓልዮም መግቢ ሒዞም ኣብ ጠረጴዛ ኣንቢሮም ንመማህርቶም የገልግሉ" ትብል ፌሮ።

እዚ ኣገባብ፡ ዓርስኻ-ምኽኣል ከምኡ’ውን ምትሕብባር ዝብሉ ክብርታት ከማዕብሉ ይሕግዞም።

ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ኣብ ሓደ ክፍሊ ይምሃሩ፣ ንኣብነት ቈልዑ ሽዱሽተ ዓመት ነቶም ደቂ ሰለስተ ዓመት ይሕግዙ።

ኣብ መንጎ ተማሃሮ ንሕንሕ ንከይፍጠር ዝወሃብ ፈተና ወይ ነጥቢ የለን።

እቶም ቈልዑ መታን ኣብቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ንጥፈት ከድህቡ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ ሰለስተ ሰዓታት እዩ ዝወስድ።

እቶም ናውታት ትምህርቲ ድማ ብኹሉ ህዋሳት ዝድህሰሱ ኰይኖም ዝተዳለው እዮም።

እዚ ግን፡ እቲ ኣብ ልሙድ ኣገባብ ትምህርቲ ዝጭበጥ ረብሓታት የምጽእ ድዩ?

ቀሊል ሕቶ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ክትምልሶ ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ንፍሉይ መዳያት ቤት ትምህርቲ ሞንተሶሪ ረብሓታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ሓደ ነገር ይሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ንምፍላጥ ዝጥቀመሉ ደረጅኡ ዝሓለወ ሳይንሳዊ መስርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ንምትግባር ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ እዩ።

መብዛሕትአን ኣብያተ ትምህርቲ ሞንተሶሪ ካብ ክፍሊት ናጻ እየን። ቈልዑ ኣብ ትምህርቶም ውጽኢታዊ ንክዀኑ፡ ሃብቲ ወለዲ ዘይኰነ፡ ንደቈም ዝገብሩዎ ክትትልን ደገፍን እዩ።

ብርግጽ ገለ መጽናዕትታት ንዕብየት ህጻናት ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘርእዩ ኰይኖም ተራእዮም ነይሮም፤ እንተዀነ ውጽኢት ኣገባብ ሞንተሶሪ ድዩ ወይስ ብዘለዎም ድሕረ ባይታ ዝመጽአ ብዛዕባ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን።

ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ኣንጀሊን ሊላርድ፡ ኣብ ሚልዋኪ ኣሜሪካ ዝርከብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ሞንተሶሪ ብምርኣይ መጽናዕቲ ክትገብር ፈቲና።

ሊላርድ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ዘርኣዩዎ ምዕባለ ብምትንታን፡ እቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ሞንተሶሪ ዝኸዱ ህጻናት ምስቶም ኣብተን ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝተማህሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ዝሓሸ ትምህርቲ፡ ክእለት ቁጽሪ፡ ኣፈጻጽማን ማሕበራዊ ክእለትን ከም ዘለዎም ክትርዳእ ክኢላ።

እዚኦም፡ ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኦም ዝሓሸ ክእለት ምዝንታው ዛንታ ኣርእዮም።

እዞም ውጽኢታት ኣወንታዊ እኳ እንተዀኑ፡ እዚ ብተዛማዲ ኣብ ንኡሽቶ ኣብነት ዝተመርኰሰ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሆስፒታሊየር ዩኒቨርሲቲ ቫውዶይስ ተመራማሪት ዝዀነትን መምህር ሞንተሶሪ ዝነብረትን ሶላንጅ ደነርቮድ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሞንተሶሪ ዝመሃሩ ህጻናት ዝለዓለ ፈጠራ ክህልዎም ከም ዝኽእልን፡ እዚ ድማ ብግዲኡ ምስ ዝሓሸ ኣካዳሚያዊ ውጽኢት ከም ዝተኣሳሰርን ትገልጽ።

ደነርቫውድ፡ እቲ ብልጫታት ካብቲ እቶም ህጻናት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታት መሪሕነት ሒዞም ካብ ዝረኽብዎ ተመኩሮ፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ጸገም ናይ ገዛእ ርእሶም መፍትሒ ንምርካብን ካብ ጌጋታቶም ናይ ምምሃርን ዕድል ዝውስኽ ምዃኑ ትግምት።

እዚ ኩሉ ድማ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ኣተሓሳስባ ከተባብዕ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ "ፈተነን ጌጋን ክትገብር ውሑስ ቦታ'ዩ" ትብል።

እቲ ዘገርም ግን ሎሚ ብዙሓት ብሽም ማርያ ሞንተሶሪ ዝጽውዓ ኣብያተ ትምህርቲ እቶም ሞንተሶሪ እትኽተሎም ዝነበረት ኣገባባት ኣይኽተላን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስልጠና መምህራንን ኣፍልጦን ዝህባ ወግዓውያን ትካላት ሞንተሶሪ ኣለዋ።

ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ንርእሰ-ምሕደራ ህጻናት ዝምልከት መትከላት፡ ወይ ንውሓት ናይቲ ናይ ትምህርቲ ክፍለ-ግዜታት ብሓቂ ከይሓቖፋ፡ ንሓደ ዝንባለ ጥራይ ክኽተላ ይኽእላ እየን ዝብል ስክፍታ ዘለዋ ልኩየር "ሓቀኛ ትምህርቲ ሞንተሶሪ ክትረክብ ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ" ትብል።

እቲ ኣገባብ ኣብ ምትግባር ቀጻልነት ዘይምህላዉ፡ ኣብ መዐቀኒታት ረብሓታት ኣገባብ ሞንተሶሪ ምልውወጥ ምህላው የርኢ።

ሞንተሶሪ ግን፡ ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርታ ካብ እትኸፍት ልዕሊ 100 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ምስ ክልሰ ሓሳባ ዝቃለሱ ብዙሓት መምህራ ብምህላዎም እዚ ንምዕቃብ ዝግበሩ መጽናዕታትን ስራሕትን ቀጺሎም ኣለው።