ለምን ሲሳይ፡ ንዓለሙ ብግጥሚ ዝጐበጠ ጐብለል

ለምን ሲሳይ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ በቶም ኣበዮ ቈልዑ ዘዕብዩ ስድራ ቤታት ዝርከቡ ቈላዑ ተሓሊቑ ምስ መንግስታዊ ትካል መዕበያ-ቈላዑ ዝገጥምን ድምጾም ብዓውታ ዘቃልሕን ሰብ እዩ።

ለምን ሲሳይ ባዕሉ ኣብ እንዳ መዕበያ-ቈልዑ ስለ ዝዓበየ፡ ናብራ ናይ’ቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈላዑን መናእሰይን ኣጸቢቑ ስለ ዝግንዘቦ፡ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ብናይ መድርኽ መደርኡ፡ መጻሕፍቱ፡ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኻልእ ኣጋጣሚታት ኣቢሉ ኵነታቶም ብምግላጽ ምትዕርራይ ንክተኣታቶ ህርድግ ዝብል ስሙይ ሰብ’ዩ።

ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ኰነ ዓለም ብዝጽሕፎም ግጥምታቱን ጽሑፋቱን ዓቢ ተፈላጥነት ዘጥረየ ሰብ’ዩ።

ብዝሓለፈ ቅነ-ልደት፡ ሳሊ ፊሊፕስ ዝተባህለት፡ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ዝሰዓረት ተዋሳኢት/ኮሚድያን/ኣቕራቢት ፊልምታት፡ ምስ ለምን ሲሳይ ተራኺባ ሓደ ግሩም ዝዀነ መደብ ተሌቪዥን ቢቢሲ ኣቕሪባ ነይራ።

እቲ ትሕዝቶ መደባ፡ ብዛዕባ ለምን ሲሳይ ኰይኑ፡ ምስኡ ኸኣ ምስ በዓላት ልደት ብምትእስሳር ብንእሽትኡ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ እንታይ ዓይነት ልደት የሕልፍ ከም ዝነበረ ብምፍታሽ፡ ብዝነበረን ዘሎን ኵነታቱ ኣዋሂዳ ሓደ መሳጢ ዛንታ ከተቕርብ ከኣለት።

ለምን ሲሳይ ብንእሽትኡ ኸሎ’ዩ ካብ ኣዲኡ ተፈልዩ ኣብ ሓደ ጓና ስድራ ቤት (ቈላዑ ዘዕብዩ ስድራ) ዝተወስደ።

ሳሊ ፊሊፕስ ብመደባ ኣቢላ፡ ተዘክሮታት ለምን ብምጕርጓር፡ ከምኡ’ውን ሕሉፍ ታሪኹ ከመይ ኢሉ ኣብ ስነ-ጽሑፍን ግጥምን ደፊኡ ከም ዘእተዎ፡ ብጽሑፋቱ ኣቢሉ ድማ ነቶም ኣብ መዕበያ ስድራቤታት ዝርከብ ቈላዑን መናእሰይን ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዝገብር ከተቕርብ ከኢላ።

ብመጀመርታ ሓበሬታ ብዛዕባ መዕበያ-ቈላዑ ...

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቶም ልዕሊ 90,000 ኣብ ትሕቲኡ ዝእለዩ ቈላዑ ንመብዛሕትኦም ምስ ዝናብዩ ስድራቤታት’ዩ ዘጸግዖም፤ ዘድሊ ንዋታውን ማሕበራውን ሓገዝ ከኣ ይገብረሎም። እቶም ቈላዑ ምስ ጓና ክዓብዩ ግን ብዙሕ ሽግር’ዩ ዜጓንፎም። ገሊኦም ብጽቡቕ ይዓብዩ’ዮም፡ እንተ ገሊኦም ግን ኣይቀስኑን’ሞ ኣይሰልጦምን’ዩ።

እቶም ቈላዑ ካብ ዝተበተነ ሓዳር፡ ብዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ሽግራት ዝተበልዑን ዝሰልከዩን ስድራ፡ ካብ ግዳም ዝመጹ ዑቝበኛታት ... ወዘተ ዝመጹ እዮም።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ መቐበሊ ስደተኛታት ናብ ፈቐድኡ ኣለይቲ ስድራቤታት ይውዝዑ’ሞ ኣብኡ ይዓብዩ።

ለምን ሲሳይ መን’ዩ?

ንለምን ሲሳይ ሓበን ጸለምቲ’ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ብዙሓት’ዮም። ኣብ ዓውድታት ኢንተርነት፡ ተሌቭዥን፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ግጥሚ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዘመተታት (ጐስጓሳት) ዝሳተፍ፡ ኣብ ዓለም መንእሰያትን ዝተወጽዑን ህቡብነት ዘጥረየ፡ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት መደረ ንከቕርብ ዝዕደም ቍም ነገረኛ ሰብ’ዩ። ንነብሱ ከም ኣብነት እናቕረበ ኸኣ ዕዙዝ ትምህርቲ ይልግስ።

እዚ ትሽዓተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ፡ ሸውዓተ ተዋስኦታት ዘቕረበ፡ ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ናይ ረድዮ (ተዋስኦ) ዝሰርሐ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ናይ መድርኽ መደረታት፡ ቃለ መጠይቓት፡ ናይ ተሌቭዥን ዘተታት፡ ብርክት ዝበሉ ወግዓዊ ብልጫታት ዝተቐበለ ሓያል ስነ ጥበባዊ ለምን ሲሳይ ብ 21 ጉንበት 1967 እዩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሊዱ።

ለምን ሲሳይ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተዘርገሐ ግጥምታቱን መጻሕፍቱን ኣበርክቶኡን ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ብ2021 ብኣበርክቶኡ ተፈላጥነት ረኺቡ መዓርግ (OBE) ተሸሊሙ’ዩ። ብ2012 ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ለምን እቲ ዕላዊ ገጣሚ ናይቲ ዉድድር ኰይኑ ተመርጸ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ዓቢ ዓለምለኻዊ ጠመተ ረኸበ።

ብ2015፡ ብዩኒቨርስቲ ማንቸስተር፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዕዙዝ ተፈላጥነት ረኺቡ ክም ቻንስለር ኰይኑ ንሸውዓተ ዓመት ከገልግል ተመዚዙ’ዩ። ብዩኒቨርሲቲ ሃደርስፊልድ ድማ ናይ ክብሪ ዶክቶርነት ተቐቢሉ።

እቲ ሊስታ ናይ ዝተፈላለዩ ኣበርክቶታትን መዝነታትን ብልጫታትን ነዊሕ’ዩ። ኣብ ሕብረተ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምናዳ ኣብ ዓለም ጸለምትን ዉሑዳን ጕጅለታትን፡ ኣብ’ዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ስም ዘሎዎ ለምን ሲሳይ’ዩ። ዝናን ክብርን ዘትረፈ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ገና ጕዕዞኡ ዘይጨረሰ ሓበን-ብዙሓት’ዩ።

ለምን ወዲ መን’ዩ?

ንለምን ኣዲኡ የማርሸት ሲሳይ ትበሃል። የማርሸት ብዘበን ንጉስ ሃይለስላሴ (1967) ንዓዲ እንግሊዝ ንኽትምሃር ተጓዕዘት። ብኣጋጣሚ ግን ጥንሲ ሒዛ ስለ ዝመጸት ተሸገረት። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዓዲ እንግሊዝ ክተሓባበራ ጀመረ። ኰይኑ ድማ እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ነቲ ቈልዓ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣረከበቶ። ብእኡ ምኽንያት ለምን ምስ ሓደ መዕበያ ጻዕዳ ስድራ ቤት ኣጸግዕዎ። ዛንትኡ ካብኡ’ዩ ዝጅምር። እንተ ኣዲኡ ንብራክኔል (ላንክሸር - ዓዲ እንግሊዝ) ትምህርታ ንኽትጭርስ ትምለስ።

ኣቦኡ ንለምን ግደይ ኢስጢፋኖስ ይበሃል። ኣብ ኢትዮጵያ መገዲ ኣየር ፓይለት ኢዩ ነይሩ። ብ1972 እታ ነፋሪቱ ካብ ሰማይ ወደቐት፣ ብኡ-ንብኡ ሞይቱ። ንምዃኑ፡ ግደይ ኢስጢፋኖስ መበቈሉ ኤርትራዊ ከም ዝነበረ በቲ ዘመን’ቲ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ይምስክሩ’ዮም።

እቶም ናይ ሽዑ ተረኽቦታት ኣብቲ ለምን ባዕሉ ዝደረሶ ተዋስኦ (Something Dark) ሰፊሩ ይርከብ።

ለምን 12 ዓመት ምስ መልአ፡ እቶም ዘዕብይዎ ዝነበሩ ስድራቤት ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መለስዎ። ናይ ድሓን-ኵን ምርኽኻብ ከኣ ነበረ።

ለምን ካብ 12-17 ዕድሚኡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓጸልጸል ዓበየ ። ሰበይ ኢሉ ዝቕበሎ ሰብ ኣይረኸበን። ወዲ 15 ምስ ኰነ ንምንታይ ካብ ኣዲኡ ተፈልዩ ኣብ መዕበያ ክዓቢ ከም ዝተገብር ዘርኢ ወረቓቕቲ ባዕሉ ከንብቦ ኸኣለ። ናይ ሓቂ ስሙ ለምን ሲሳይ ምዃኑ ኸኣ ተረድአ። ስም ኣዲኡ ወላዲቱ የማርሸት ሲሳይ እትበሃል ኢትዮጵያዊት ምዃና ፈለጠ። ኣቦኡ ድማ ጊደይ እስጢፋኖስ።

ለምን እግሪ ምስ ተኸለ ኣዲኡ ወዳ ንክምለሰላ ሓቲታ ከም ዝነበረት ዘርኢ ደብዳቤ’ውን ረኸበ። እዚ ኹሉ ምስ ተገንዘበ ኸኣ ደንጸዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ናይ ሓቂ ሽሙ ክጥቀም ጀመረ፣ ንኣዲኡ ከናዲ ላዕልን ታሕትን ጀመረ። ሽዑ’ዩ በቲ ዘጋጠሞ ኵነታት ናይ ልቡ ስምዒታት ብመልክዕ ግጥሚ ከስፍሮ ዝጀመረ።

ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ንእሽቶ ከተማ ናብ ማንቸስተር ሰገረ። ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኡ ከኣ ስራሕ ጀመረ።

ሽዑ’ዩ ጸሊም ሕብሩ ምስ ካልኦት ጸለምቲ፡ ምናዳ ደቂ ካሪቢያን፡ ኣወሃሂዱ ክንጽብሎ ዝጀመረ። ምስ ሙዚቃ ቦብ ማርሊ፡ ምስ ራስተፈርያን ማሕበረሰብ ተላልዩ ህይወቱ ክሰርዕ ጀመረ። ከተማ ማንቸስተር ብጽቡቕ ተቐበለቶን ተቓባበለቶን።

ለምን ኣብ 21 ዕድሚኡ ንኣዲኡ ረኸባ። ንሳ ኣብ ጋምብያ ዝበሃል ሃገር (ኣፍሪቃ) ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትሰርሕ ነበረት።

ሓንቲ ካብ መጻሕፍቱ

ሓንቲ ካብ’ተን ለምን ሲሳይ ዝደረሰን ብሉጻት መጻሕፍቱ ‘ወርቂ ካብ እምኒ’ (Gold from Stone) ዘርእስታ ብርቱዕ ስምዒት ዝሓዘለት፡ መንእሰይ ካብ ዝነበረሉ እዋን ክሳብ ዝዓቢ ዝጸሓፎም ግጥምታት ሓዚላ ዝቐረበት፡ ብኣንበብትን ብዓበይቲ ማእከል-ሚድያታትን ድማ ኣድናቖት ዝረኸበት መጽሓፍ’ያ።

ንኣብነት ‘ዘ ደይሊ መይል’ (The Daily Mail) ንለምን ሲሳይ፡ ነታ መጽሓፍ ብምቕራቡ፡ ክገልጾ ኸሎ፡ “ብኣቀራርብኡ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዩ ኦሪጂናል ጸሓፍቲ ዝኾነ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መሪሕ ተራ ዝጻወት ዘሎ ገጣሚ፡ እቶም ብትብዓት ዝገጥሞም ኣርእስትታት ልቢ ዝነኽኡ’ዮም። እዚ ኣብ ‘ወርቂ ካብ እምኒ’ ዘርእስታ መጽሓፉ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ለምን ዘሎዎ ዓቕሚ፡ ዕዙዝ ስምዒት፡ ሕርቃኑ፡ ሰብኣውነቱ ዘርኢ ዀይኑ ... ብርሃንን ተስፋን ዝዓሰሎ ትንግርታዊ ተውህቦ ዘለዎ ገጣሚ’ዩ” ብምባል ይገልጾ።

መእተዊ ናይ’ቲ መጽሓፍ ብከምዚ ዝስዕብ ይጅምር ... ህይወት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንበር ከም ዘለዎ ንከረድእ፡ ጸልማትን ብርሃንን ኣራኺቡ የዛርቦም ...

“ንገረኒ’ስከ፡ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ትኽእሎ?” ኢሉ ተወከሶ ጸልማት ንብርሃን፣

“መዓስ ኢኻ ትበራበር፡ አረ ነቲ ብርሃን’ከ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ትዝርግሖ?”

“እዋእ! ኣነስ ኣቕሊለ’የ ዝርእዮ” ኢሉ መለሰ ብርሃን ንጸላም።

“ሃዲአ፡ ደይ ሓደ’ሳዕ ኣብ መዓልቲ’የ ዝፍንዎ” ... ኢሉ መለሰ ይበሃል።

እቲ ዘገርም፡ ለምን ወዲ 17 ዓመት ከሎ፡ ኵነታት ስለ ዘይጠዓሞ ካብ መዕበያ ወጺኡ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ እታ ፈለማይቲ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ባዕሉ በቲ ዝዓቖሮ ገንዘብ ተጠቒሙ አሕተማ። ኣበየ ቦታን ጽርግያን ወጺኡ፡ ኣብ ዊጋን ዝተባህለ ከተማ - ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታ ምዃኑ’ዩ - ባዕሉ ይሸጣ ነበረ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግጥምታት ናይ ምጽሓፍ ድልየት እናዓበየ ከደ። ሕጂ ኸኣ እንሆ ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ገጠምቲ ዓዲ እንግሊዝ ኰይኑ ግጥምታቱ ከም እምነ-ምዕራፍ ኰይኖም ኣብ ማርሞ ተወቒሮም ይርከቡ፣ መጻሕፍቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዕስራ ሃገራት ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ዕላል ምስ ሳሊ ፊሊፕስ

ለምን ምስ ሳሊ ከዕልል ከሎ ዳርጋ ኩሉ’ዩ ዳሕዲዉዎ ክበሃል ይከኣል። ካብ ሕጻኑ ጀሚሩ፡ ኣቦኡ ኣይፈልጥ ኣዲኡ፡ ነቶም ዘዕበይዎ’ምበር ካልእ ሰብ ኣይፈልጥን’ዩ ነይሩ። ምስኦም ዜሕለፎ ጽቡቕ እዋን፡ ዘሕለፎ ልደት ሓደ-ብሓደ ክጽብጽብ ምስምዑ ዘገርም’ዩ፣ ድሓር ግን ኣብ ዓሰርተ-ክልተ ዓመቱ፡ ክድርብይዎ ኣይተጸበየን።

ነቲ ዕላል ዝሰምዐ ሰብ ንብዓቱ ይስዕሮ’ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነን። ቈላዑ ዘሕልፍዎ ጸገም፡ እሞ ኸኣ ምስ ወለድኻ ዘይኰኑስ ምስ ዝናብዩኻ ጓኖት ስድራ ክትዓቢ ዝፈጥርዎ ስነ ኣእሙሮኣዊ ጸገማት ክገልጽ ከሎ ብሓቂ ንሕልና ኣየቕስኑን’ዮም። ለምን ግን ምስ ሓደ ሰብ ዘይኰነስ ምስ ሚልዮናት ዝቝጽሮም ተዓዘብቲ ናይ ዉሽጢ ስምዒታቱ ክገልጽ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ትእምርቲ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ለምን ከመይ ኢሉ ሕልንኡ ዘይዓረቦ፡ ተስፋ ጨሪሱ ዘይቈረጸ፡ ካብ ሓደ ስድራ ናብ ካልእ ከካላብትዎ ዘይጸደፈ፡ ዝገበረ ገይሩ ዓብዩ፡ እቲ ዜሕለፎ ሽግር ናብ ኣወንታዊ ዉሽጣዊ ሓይሊ ከመይ ኢሉ ከም ዝተለወጠ፡ ኰይኑ ድማ ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ልዑል ደረጃ ምብጽሑ ከም ተኣምር ክውሰድ ይከኣል።

ንኣዲኡ ድሕሪ ክንደይ ጸገም ኣብቲ ዝነበረቶ ሃገር (ጋምብያ) ከይዱ ምስ ረኸባ እቲ ኵነታት ከም ዝተጸበየ ከምዘይረኸቦ ኣብ ዕላሉ ጠቒሱዎ ኣሎ - ኣዲኡ ካልእ ሰብ ተመርዕያ፡ ቈልዑ ወሊዳ፡ ለምን ከም ሓደ መቕርብ (ወዲ ሓትኖ) እምበር ከም ውላዳ ስለዘየፋለጠቶ ተግባራ ኣቐየሞ።

ዝኾነ ዀይኑ ህይወቱ ቀጸለ፡ ግጥሙ ዓንበበ፡ ምስ ስድራ ቤት መዋቲ ኣቦኡ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኸበ።

ሕጂ ለምን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ይርከብ። ዓለም ፈሊጡዎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዕበያ ዝኣትዉ ቈላዑ ደጋጊሙ ኣዘንትዩ፡ ኣብ እንዳ ንጉስ ተዓዲሙ ኣብ ክንድኦም ተዛሪቡ፣ ብዓቢኡ ንኣሽሓት ኣርእያ ከይኑ ይርከብ። ዛንትኡ ጌና ኣይተወድአን፡ እናዓበየን እናደመቐን ይኸይድ ኣሎ።