እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቶማስ ከኒሊ፡ 'ናብ ኣስመራ ገጽና' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ህቡብ ደራሲ
"ብዛዕባ ኤርትራ ደጊመ መጽሓፍ እንተ ዝጽሕፍ ብዛዕባ እዞም ዝርእዮም ዘሎኹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምጸሓፍኩ ነይረ" ይብል ቶማስ ከኒሊ።
ቶማስ ከኒሊ ልዕሊ 50 መጻሕፍቲ ዝደረሰ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ስሱናት ጸሓፍቲ'ዩ። ንሱ ኣብ ኣውስትራልያ ብ1935 ተወሊዱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ዝሳተፍ ዘሎ ዓቢ ምስልን ሓበንን ሃገሩ'ዩ።
ንቶማስ ከኒሊ ኣብ ዓለም ዝና ዘትረፈትሉ መጽሓፍ እታ ብ1982 ብዛዕባ ኦስካር ሺንድለር - ኣብ ዘመነ ሂትለር እቲ ብስቱር ንኣይሁዳውያን ዜድሕን ዝነበረ ጀርመናዊ ብምጽሓፉ'ዩ።
እታ ዛንታ ብ"ሺንድለርስ-ሊስት" (Schindler's List) እትጽዋዕ ፊልም ተቐሪጻ ብ 1993 እታ ዝዓበየ ብልጫ (ኣካዳሚ-ኣዎርድ) ዝተጓናጸፈትን ታሪኽ ዘትረፈትን'ያ።
እታ ፊልም ብስቲቭን ስፒልበርግ፡ ኣብ ዓለምና ፊልም ብምስራሕ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዝርከብ ዉሩይ ኣሜሪካዊ ሰራሕ-ፊልም ኢያ ተቐሪጻ።
ኣብ ከባቢና ቶማስ ከኒሊ በታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፋ መጽሓፍ'ዩ ዝፍለጥ። ብ1987፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ በጺሑ ምስ ተመልሰ በቲ ዝተዓዘቦ ኵነታት ተጋደልትን መነባብሮ ህዝብን ተመሲጡ፡ ኣብ ክዉን ዝተመስረተ ልቢ-ወለድ "Towards Asmara" ("ናብ ኣስመራ ገጽና") ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዘበርከተ ዝዝከር'ዩ።
ቶማስ ከኒሊ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ነቲ ብስሑው ዝቐርብ ዝነበረ ኵነታት ህዝብን ሰውራን ኤርትራ ብመጽሓፉ ኣቢሉ ኣብ ቀልቢ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ብመጠኑ ከም ዝውቀጥ ብምግባሩ ኣብ ዓንኬላት ኤርትራ ወትሩ ጊዜ ዝዝከር ደራሲ'ዩ።
ተዘክሮታት "ናብ ኣስመራ ገጽና"
ቶማስ ከኒሊ ነዛ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዘርኣዮ ማሕለፍያ-ጥበብ ዜደንቕ'ዩ። ነታ ዛንታ ከቕርባ ዝተጠቕመሉ ሜላ ኣብ ታሪኻውን ስነ-ሰባውን ሓበሬታ ኤርትራ ተመርኲሱ ውግእ ዝፈጠሮ ኵነታት ብሓውሲ ልበ-ወለዳዊ መልክዕ ከቕርባ ምንባብ ሓያል ድሕረ-ባይታዊ መጽናዕቲ ከም ዘካየደ የርኢ።
ደራሲ ንባህርያት ተዋሳእቲ ከቐምጦም ኸሎ ስእሊ ኤርትራ፡ እቲ ብውግእ ዝዓነወ መልክዐ-ምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ ባህልን ልምድን ኤርትራ ዀነ ማሕበራዊ መነባብሮ ኤርትራውያን ብድሙቑ ኣብ ሓንጐል-ኣንባቢ ከም ዝቕረጹ ገበረ።
እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ'ታ መጽሓፍ፡ ብዛንታታት ኣርባዕተ በጻሕቲ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ብ80'ታት ደርጊ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶም ዝነበሩ መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዝነበረ ጕድኣትን ዘቃልዕ ነበረ።
እቲ ዛንታ ብ1988 ገጹ'ዩ ዝፍጸም። እቶም ኣርባዕተ ፈረንጂ ካብ ፖርት-ሱዳን ተበጊሶም ብሜዳ ኤርትራ ብምሕላፍ ናብ ኣስመራ ገጾም መገዶም ኣብ ዜቕንዑሉ እዋን ዘጓነፉዎም ዝነበሩ ሓደጋታትን ዘየተኣማምኑ ፍጻሜታትን ብምግላጽ ኣብ ገጠራት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ግፍዕታት፡ ነቲ ተኣታትዩ ዝነበረ ጥሜት፡ ብነፈርቲ ዉግእ - ብሚግ - ዝካየድ ዝነበረ ደብዳባት፡ ኣብ ዕርድታት ትሕቲ-ምድሪ ዝከናወን ዝነበረ ምብልሓት፡ ኣብ መዓስከራት ምሩኻት ዝነበረ ህይወት ሓደ-ብሓደ ብዝርዝር ብምግላጽ ነታ መጽሓፍ ፍሉይ ጠላሕታታት ይመልሱላ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብቲ መጽሓፍ ኰይኑ ዘዘንቱ ሰብ ንመጻኢ ኤርትራ ብዘርኢ ጕዳይ ገለ-ገለ ሕቶታት ከልዕል ነንብብ። "ተጋደልቲ ኤርትራ ሕጂ ናይ ሓባር ጸላኢ ስለ ዘለዎም ሓቢሮም ብዲሲፕሊን ይቃለሱ ኣሎዉ፣ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ጸላኢ ምስ ኣልገሰኸ ምስ'ቶም ናጽነት ዘምጽኦም ሓደስቲ ጕዳያት ብኸመይ'ኮን ክገጥሙ'ዮም?" ዚብል ሕቶ የልዕል።
ድሒሩ ታሪኽ ከም ዘጋለጾ፡ ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ድሮ ሰላሳ ዓመት ኰይኑ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሚሳልነት (idealism) በኒኑ ሃገር ጌና ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ።
ቶማስ ከኒሊ ዝሃበና መልስታት
ቢ.ቢ.ሲ. ትግርኛ ንቶማስ ከኒሊ ብተሞኵሮታቱ (ኣብ ኤርትራ) ከዘንትወልና ዓዲምናዮ ንሕቶና መልሲ ሂቡሉ ኣሎ።
እቶም ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡ 1) ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ንኽትጽሕፍ እንታይ ደረኸካ? 2) ፈለማይ ጦብላሕታ ኤርትራ ከመይ ይመስሉ? 3) ብዛዕባ ኤርትራ ደጊምካ ካልእ መጽሓፍ ናይ ምጽሓፍ ዕድላት ኣሎ'ዶ? 4) ሕጂ ብኤርትራ ምስ እትሓስብ ኣብ ሓሳብካ እንታይ ይመጸካ?
"ብዛዕባ ጥሜትን ዘኸትሎ-ዕንወትን ኵሉ ጊዜ'ዩ ዘሕስበኒ። ዓለም በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ70ታትን 80ታትን ተኣታትዩ ዝነበረ ጥምየትን ጠንቅታት-ጥምየትን እኹል ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ ክሓስብ እዝከረኒ። እቶም ኣብቲ ዞባ ዝካየዱ ዝነበሩ ውግኣት ብመጠኑ ጠንቅታት ጥምየት ምንባሮም'ውን ይርድኣኒ ነይሩ" ኢሉ ዕላሉ ይጅምር።
"ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ኤርትራ - ኣብ ዞባ ኣልጌና/መርሳ-ተኽላይ - ብ80ታት ብታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዝተኻየዱ ዓበይቲ ዉግኣትን ዝሰዓቡ ዓወታትን ዕንወታትን ዝግብኦም ቆላሕታ ከይረኸቡ ይሓልፉ ነይሮም። ኣነ ግን በቲ ንእሽቶ ኤርትራ ትምክቶም ዝነበረት ጸገማትን ጸላእትን ግዙፍ ምንባሩ ክርድኣኒ ጀመረ። ሶቬት-ሕብረት ኰነ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኤርትራ ክትዕወት ኣይደልዩን ነይሮም። "
"ብሱዳን ኣቢለ ክኣቱ እቲ ጕዕዞ ከቢድ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ህይወተይ፡ ናይ ሓቂ ዉግኣ - ጠያይት ክዘንቡ፡ ከቢድ ብረት ክትኰስ፡ ናይ ዉግእ ነፈርቲ ክድብድባ - ኣብ ኤርትራ ርእየ። ዉግኣ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰባት ክሳብ ክንደይ ሃስያ ከም ዜስዕብ ብቐረባ ተዓዚበ። ብኣንጻሩ ድማ ዘይድሃል መንፈስ ተጋደልትን ህዝብን ርእየ። እቶም ተጋደልቲ ድንብርጽ ከይበሎም ብትብዓት ክዋግኡን ዘርእይዎ ዝነበሩ ትሕልንትን - ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ሕብረተ-ሰብ ንምምስራት - ኣጸቢቐ እዝክሮ" እናበለ ቶማስ ከኒሊ ጦብላሕታቱ ይጽብጽብ።
"ሕጂ ተመሊሶ ክርእዮ፡ ብዛዕባ እቶም ሳዕቤት ናይ'ቲ ዲዕ ዝበለ ዉግእ ተገዲሱ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ዓገብ ዝብሎ ኣካል ዳርጋ ኣይነበረን። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ ኣብ ፈለማ ጕዕዞይ ናብ ኤርትራ እቶም ህዝቢ ዀኑ ተጋደልቲ ንምንታይ ይቃለሱ ከም ዝነበሩ ተረዲኡዎም ክሳብ ክንደይ መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ነቲ ቃልሲ ዓጢቖምሉ ከም ዝነበሩ ክርዳእ ክኢለ" እናበለ ዕላሉ ይቕጽል።
"እቶም መሰረታውያን ትካላት ናይ ሓደ ሲቪልያዊ ህይወት፡ ከምእኒ ትምህርቲ ሕክምና ዘኣመሰሉ፡ ኣብ ዉሽጢ ሜዳ ኤርትራ ክሰላሰሉ ርእየ። እቲ ዉግእ እንተ ዜብቅዕሲ ኤርትራ ፍልይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዀነት ኢለ ዝሓስበሉ እዋን ነይሩ - ፍትሕን ሕውነትን ዝዓሰላ ሃገር" ኢሉ ናብ'ታ ትስዕብ ዛዕባ ይሰግር።
"ኣብ ኦሮታ መጥባሕታዊ ሕክምና ክካየድ ርእየ። እቶም ተጋደልቲ ብሓደ ሸነኽ ምስቲ ብሶቬት ሕብረት ዝሕገዝ ዝነበረ ዓቢ ሓይሊ ክገጥሙ፡ ንሕሙማትን ዉግኣትን ከኣ ሕክምና ክህቡን መጥባሕትታት ከካይዱ ክርኢ እዝክሮ'የ።
"ስርሓት ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ዀነ ብፖርት-ሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ ሓገዝ ብዉሕሉል ኣገባብ ክሰላልሰል ርእየ፣ ካብ'ተን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ዘካይድኦ ዝነበራ ስርሓት ዝበልጽ ኰይኑ እረኽቦ ነይረ" ድሕሪ ምባል እቲ ምስ ኤርትራ ዘፋለጦ ሰብ ይሰግር።
"ንዓይ ንኤርትራ ከይደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘብ ዝደረኸኒ ፍስሃየ ኣብራሃም ዝበሃል ኣብ ኣውትራልያ ዝነብር ዝነበረ ትኩር ሰብ'ዩ። ንሱ ናይ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ወኪል ኰይኑ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ'ዩ። ንፍስሃየ ብመንፍዓቱን ክእለቱን'የ ዝዝክሮ - ንኣባላት ሰልፍታት ኣውስትራልያ ብኵነታት ኤርትራ ኣእሚኑ ቆላሕታ ፖለቲካውያን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ክዓስል ዝገበረን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ሰብ'ዩ። ንፍረድ ሆሎውስ፡ እቲ ፍሉጥ ሓኪም-ዓይኒ፡ ንኤርትራ ክበጽሕ ዘተባብዐ ሰብ'ዩ" ኢሉ ኣድናቖቱ ይገልጽ።
"ብመጀመርታ መጽሓፍ ንክጽሕፍ እኹል ሓበሬታ ዝኣከብኩ ኣይመስለንን ነይሩ፣ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ኒው-ዮርክ መጋዚን ብዛዕባ እቲ ዉግእ ጸሓፍኩ፣ ፍረድ ሆሎውስ ብሸነኹ ድማ ጐስጓስ ከካይድ ጀመረ - ፍሉይ ፍቕሪ ኤርትራ ነይሩዎ" እናበለ ንዓርኩ ይዝክር።
"ካልአይቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ኤርትራ ክጽሕፍ ምኸኣልኩ'ዶ? ኣሰር ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምስዓብ ብዛዕባኦም ክጽሕፍ ምኸኣልኩ ይመስለኒ - ኣብ ኣውስትራልያ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ስካንዲነቭያ ተሰዲዶም ዝነብሩ ዘሎዉ ኤርትራውያን ... ሕጂ ብኤርትራ ክሓስብ ከሎኹ እቲ ዘሕዝን ኵነታት ኤርትራውያን - እቶም ኣብ ግዳም ዑቕባ ዝሓቱ ዘሎዉ'ዩ ኣብ ሓሳበይ ዝመጸኒ።
"ኵነታት ናይ'ቶም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ዘሎዉ ኤርትራውያን የሕስበኒ። ህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ዘሕዝን'ኳ እንተዀነ ገሊኦም እቲ ስደት መሰኵዒ ኾይንዎም'ዩ፣ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንደቆም ብሰላም ከምህሩ ዕድል ይረኽቡ ኣሎዉ።
"ብሓደ ሸነኽ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ-ፋሕ ክብል፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ እቶም ዝተሰደዱ መንእሰያት መዕቈቢ ብምርካቦም ጽቡቕ'ዩ። ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘኣመሰለ መራኽቦ ትርከብ" ብምባል ዕላሉ ይውድእ።