እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሕጽረት ማይ ኣብ ከተማ ኣስመራ
ውድብ ጥዕና ዓለምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ አእዳውና ን20 ካልኢት ብማይን ሳምናን ደጋጊምና ክንሕጸቦ ከምዘለና እዮም ዝምዕዱ።
እዚ ማለት ከኣ ነዚ ንዓለምና ኣጨኒቑዋ ዘሎ ቀታሊ ቫይረስ ብሳምናን ማይን ክንቃለሶን እቲ ለበዳን ሳዕቤኑን ከነጉድሎ ንኽእል ኢና ማለት እዩ።
ይኹን እምበር ኣብዚ ልዕሊ ማንም እዋን ተደላይነት ማይ ክብሪ ዝወሰኸሉ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ከባቢታትን ሕጽረት ማይ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ፡ "ኮሮናቫይረስ ዝፍጥሮ ስነ ኣእምራኣዊ ጸቕጢ" ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ዶክተር ፊልሞን መብራህቱ ብቐጥታ ኣብ ዝግበር ዝነበር ቃለ መሕተት፡ ሓንቲ፡ ነባሪት ዓዲ ሰግዶ እየ ክትብል ንነብሳ ዘላለየት ደዋሊት "ንኮሮናቫይረስ ክትከላኸሉ ኢድኩም ተሓጸቡ ትብሉና ኣለኹም፡ ግን ብዘይ ማይ ከመይ ጌርና ክንሕጸብ፥ ንኣብነት ዓዲ ሰጉዶ ማይ ካብ ዘይመጽኣና ሰለሰተ ወርሕና ኣሕሊፍና ኣለና፡ እዚ ኸኣ ዓቢ ሕቶ ኮይንና ኣሎ" ክትብል ተዛሪባ።
ካልእ ደዋሊት'ውን፡ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጥዕናን ስፕሻሊስት ህዝባዊ ጥዕናን ዶክተር ምስማይ ገብረሂወት ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ ቃል መሕተት እናገበረ እንከሎ፡ "ማይ ኣብ ዘይብሉስ ከመይ ገይርና ኢና ንሕናን ደቅናን ካብዚ ሕማም ክንከላኸል ንኽእል? እቶም ብዓረብያ፡ ማይ ዘምጽኡልና ዝነበሩ የለውን [ብመስርት ጻዋጅ፡ ካብ ገዛ ክውጽኡ ኣይክእሉን እዮም] ስለዚ እዚ ኩሉ ተደራሪቡ ዓቢ ጭንቂ ኣለና" ክትብል ሕቶ ኣቕሪባ።
ኮሮናቫይረስ ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣቱን ቅድሚኡን፡ እዛ ኣህጉር ምስቲ ዘለዋ ትሑት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፡ ናብ ክትጸሮ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ከይትሽመም ናይ ብዙሓት ስክፍታን ሻቕሎትን ኮይኑ ጸኒሑ'ሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ትሑት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ስለዘለውን ነቲ ሕማም ሱር ከይሰደደ ክቆጻጸርኦ ከምዘለውን'ዩ ዝምዕድ።
"ናብ ኵናት ክትኣቱ እንከለኻ ወይ ኣብ ምክልኻል ወይ ኣብ ምጥቃዕ ኢኻ ተድህብ፡ ካብዚ ክልተ ሓደ ክትመርጽ ከኣ ኣብ ዓቕምኻ እዩ ዝምርኮስ፡ ስለዚ ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ምክልኻል'ዩ ክተድህብ ዘለዋ" ይብል ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ።
ሓያሎ ሃገራት፡ ዝርገሐ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ከም ኣማራጺ ዝወስድኦ ዘለዋ፡ ንህዝበን ካብ ገዛ ከምዘይወጽእ ምግባር እዩ።
ኤርትራ እውን ሓንቲ ካብተን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት ኮይና፡ ካብ 2 መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ን21 መዓልታት ዝቕጽል 'ኣብ ገዛኻ ምጽናሕ' ዝብል ፖሊሲ ወሲዳ፡ ሰባት ካብ ቤቶም ንከይወጽኡ ውሳነ አሕሊፋ ተፈጻምነቱ ኣብ ምክትታል ትርከብ።
ሃገራት ንዜጋታተን ካብ ገዛ ከይወጽእ ውሳነ ዘሕልፋሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምቁጽጻርን ብኮሮናቫይርስ ዝተለኸፉ ዜጋታተን ፈልየን ንኽፈልጣ ስለዝሕግዘንን'ዩ፡ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ነዚ ውሳነ እዚ ተጸሚመን ዝተግበራን ዘተግብራን ዘለዋ ድማ ርኡይ ኣወንታዊ ዝኾነ ውጽኢት ይረኽባሉ ኣለዋ።
እቲ ኣብ ገዛ ምዕጽው ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ እንተስ ብስራሕ እንተስ መሰረታዊ ሃለኽቲ ንምግዛእ ካብ ገዛ ምስ ዝወጽእ፡ ኣካላዊ ርሕቕት ምሕላው፡ (ክሳብ ክልተ ሜትሮ ምፍንታት) ብኢድ ብኢድካ ኣፍንጫኻን ዓይንኻን ዘይምትንካፍ ዝብል መምርሒታት ዝብሉ መምርሒታት ዋላ የተግብሮም፡ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ኢዱ ንኽሕጸብ እዩ ዝምከር። ግን ከኣ እቲ ሰብ ኢዱ ዝሕጸበሉን ስክፍትኡ ዝቕንጥጠሉን እኹል ማይ የድልዮ እዩ።
እታ ቅድሚ ኮሮናቫይርስ ምጅማሩ፡ ነበርታ መዓልታዊ 60 ሽሕ ሜትር ኲብ ማይ ዘህልኹ ዝነበሩ ከተማ ኣስመራ'ኸ፡ ነበርታ ኮሮናቫይርሰ ንምክልኻል ደጋጊሞም ኢዶም ንኽሕጸቡ ዘኽእል ማይ ይህልዋ'ዶ ይኸውን?
ኣብ 28 ዓመታት ኣስታት 300 ዲጋታት
ኣብ ሓዳስ ኤርትራ መበል 28 ዓመት ቁ 232 29 ግንቦት 2019 ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣብ ዝተሓተመ ዜና።
ዘላቕነት ቀረብ ዝስተን ንልምዓታዊ መደባት ዘገልግል እኹል ማይን ንምርግጋጽ ምህናጽ ከዘንቲ ማይ፡ ምውሓስ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ምክፍፋል፡ ምትካእ ዝኣረገ ሻምብቆታት ማይ ዘጠቓልሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ይትግበሩ ከምዘለዉ ይገልጽ።
ኤርትራ፡ ኣብ ዝናብ ማይ እያ ትምርኮስ። ስለዝኾነ ምኒስትሪ መሬት ማይን ከባባኢን ጸጋታት ልዕለ ጽፍሓዊ ማይ ንምህብታም ኣብ ዝሓለፈ 28ዓመታት ኣስታት 300 ዲጋታት ከምትእተሃንጹ ኣብቲ ጋዜጣ ሓቢሩ ኣሎ።
ሓላፊ ፕሮጀክታት ዓዲ ሃሎ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዛጊት ብዕብየቶምን ኣገዳስነቶምን ጎሊሖም ዝረኣዩ ኣስታት 500 ሚልዮን ሜትሮ ኩዩብ ማይ ዘዕቁሩ ዲጋታት ከርከበት፡ ፋንኮ ጽሙእን ፋንኮ-ራዊን፡ ገርሰት ምስላም ሎጎን ከምእተሃንጹ ዲጋ ጋሕቴላይ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዝርከብ ኣብታ ጋዜጣ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣብ በረኽቲ ቦታታታ ኣስመራ ዝተሃንጹ ብጠቅላላ 77 ሽሕ በርሚል ማይ ብምኽዛን ዘከፋፍሉ ኣጋንእ ድማ ስሩዕነት ዕደላ ማይ ንምውሓስ ዝዓለሙ ምዃኖም ውጽዒት እውን ድሮ ክርአ ከምዝጀመረ ይሕብር።
ብሓፈሻ ኣስመራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሳናስን ኣስመራ ዝርከባ ከም ዓዲ ሰጕዶ፥ ዓዲ ኣቤቶ፥ ዓዲ ጓዕዳድ፥ ዳዕሮ ጳውሎስን ካልኦትን ዝበዝሑ ካብ ነበርተን ብቦጣት ዝሽየጥ ማይ'የን ዝጥቀማ።
እንተኾነ፡ ሰብ ቦጣት ካብ መዕደሊ ነቑጣታት ንሓደ ፊስቶ ብሕሳብ 33 ሳንቲም፡ ንምሉእ ቦጥ ድማ ብትሕቲ 24 ናቕፋ ዝወስድዎ ጽሩይ ማይ፡ ንፊስቶ ልዕሊ 50 ናቕፋ፡ ንቦጥ ድማ ብኣስታት 4ሽሕ ናቕፋ ብምሻጥ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣደራዕ ከውርዱ ምጽንሖምን ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣተሒዙ ከምዝተቐጽዑን ሓላፊ ፕሮጀክታት ዓዲ ሃሎ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ይሕብር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ መራኸቢታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ወነንቲ ቦጣትን ኣብ ህዝቢ ዘውርድዎ በደልን ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ እቶም ብመንግስቲ ብስስዐ ዝኽሰሱ ዘለው ወነንቲ ቦጣት ስለምንታይ ነቲ ብውሑድ ሰናቲም ዝገዝእዎ ማይ ናብ ህዝቢ ብኽባር ዋጋ ከምዝሸጡዎ ዝሃቡዎ ምላሽ ኣይተሰምዐን።
ፕረዚደንት ባዕሉ ኣብ ቃለ መሕትቱ ከምዝተናኸፎ ግን ናይ ነዳዲ፡ ናይ ጎማ፡ ናይ መቀያየሪ ኣቑሑ ክብሪ ወዘተ ነቲ ዋጋ ከንህሮ ከምዝኽእል ይግመት እዩ።
ካብ ክፍሊ ሃብቲ ማይ ዞባ ማእከል ጆሜትራ ዩውሃንስ ሙሉ፡ መዓልታዉ ጠለብ ማይ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ 60 ሽሕ ሜትር ኲየብ ምዃኑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ምስ ኮሮናቫይርስ ብዝተሓሓዝ ጠለብ ማይ ህዝቢ ብኸመይ ከምዝፍታሕ ብምኒስትሪ ጥዕና ይኹን ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተዋህበን ንሻቕሎት ህዝቢ ዝምልስ ሓበሬታ የሎን።
እታ ሕጽረት ማይ ነበርታ ንሓዋሩ ንምፍታሕ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ ዝርከባ ዲጋታት ማይ እናተጪንጉዐ ኣብ በረኽቲ ቦታታት፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጨርሒ፡ ቀሓውታ፡ ሓዝሓዝ፡ ጸጸራትን ፎርቶን ኣጋንእ ማይ ዝተኸለት ኣስመራ እኳ ክንድዚ ዝተሸገረትሲ እተን ብቐደሙ'ውን ከቢድ ሕጽረት ማይ ዝጸንሐን ከም ከተማ ከረን ዝኣመሰላ ከተማታት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኮን ይሽገራ ይህልዋ?