እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ኣስመራ ክብራን ቅርሳን ክትዕቅብ ኣይተሓገዘትን”
ካብ 1890 ክሳብ 1935 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውⶂጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ምሉእ ናይ ከተማ ቅርጺ ሒዛ ዝተሃንጸት ኣስመራ ብቅዲ ህንጻታታን ጽሬታን ብብዙሓት በጻሕቲ 'ንእሽቶ ሮማ' እናተባህለት ትድነቕ ነይራ።
ይኹን'ምበር ሕጂ ይትረፍ ብሮማ ክትምሰል ድሕሪኣ ዝስርዓ ምስ ዝነበራ ከተማታት ኣፍሪቃ እውን ክትወዳደር ኣይትኽእልን እያ።
ኣስመራ፡ ገዛ ግሮቶም፣ ገዛ ሽለለ፣ ገዛ ሰረንስርን ገዛ ኣስመዐን ብዝብሃላ ኣርባዕተ ዓድታት ኣብ 12 ክፍለ ዘመን ከም ዝተመሰረተት እዩ ዝንገር።
ኣንስቲ እተን ዓድታት ኣብ መንጎ ንዝነበረ ዘይምቅዳው፡ ብብልሓት ፈቲሐን ነተን ዓድታት ስለ ዘስመረአን እየን ኣስመራ ተባሂላ ዝብል ዛንታ ኣሎ።
እቲ ግዜ ከኣ ከም ምፍላም እዛ ዘመናዊት ኣስመራ ይውሰድ።
ጣልያን ኣብ 1889 ዓ.ም. ፈ ንከበሳታት ኤርትራ ተቖጻጺሩ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ክሳብ 1935 ኣብ ዝነበረ ግዜ ነታ ከተማ ክሃንጻ ጀሚሩ።
ንሓንቲ ከተማ፡ ምልእቲ ብዘብላ ትሐተ ቅርጺ ከኣ ሰሪሑዋ።
ዘበናዊ ኣብያተ ሲነማ፣ ዝተፈላለየ ፋብሪካታት፣ መዘናግዒ ማእከላት ብዝተፈላለየ ጥበብ ዝወቀቡ ህንጻታት፥ ትሕተ ምድራዊ ስርዓተ ጽሬት፣ ምቹእ መንገዲ ኣጋር ዘለዎ ጎደናታት ሰሪሑላ።
ዋላ'ኳ ንእሽቶ ትኹን፡ ምጭውትን ኩሉ መሳለጥያታት ስለ ዝነበራን ከኣ ሰባት "ሴኮንዶ ሮማ" ኢሎም ይጽውዑዋ ነይሮም።
ሎሚ ግን ኣይከምቀደምን፤ መግዛእታዊ ምሕደራ ሰጊራ፡ ብደቃ ኣብ እትመሓደረሉ እዋንን ዘበንን እቲ ዝነበራ መልክዕን ጽባቐን ክትዕቅብ ኣይከኣለትን።
ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጣ ብእትውንኖ ውቁብ ስነ ህንጻ ብትካል ትምህርቲ፣ ስነ ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ ኣብ ቅርሲ ዓለማዊ ውርሻ ኣትያ እያ።
እዛ ብዘለዋ ኣደናቕን ጥንታውን ስነ ሕንጻ ወከልቲ 21 ሃገራት ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ መበል 41 ዓለማዊ ኣኼባ ኮሚቴ ዓለማዊ ውርሻ ኣብ ሓምለ 2017 ኣብ ዝርዝር ዓለማዊ ውርሻ ዝኣተወት ከተማ፡ ህንጻታታ ትዕቅቦም’ዶ ኣላ?
ኣቶ ብርሃነ ተቐማጢ ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ኣስመራ ካብቲ ዝነበራ ዘደንቕ ነገራት ጽሬት ሒዛ ከም ዝተረፈት እዩ ዝሕብር።
“እቲ ጽሬት’ውን ንግሆ ንግሆ ስለ እትጸሪ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ሰብ ስለ ዘየርስሕ’ውን እዩ” ድማ ይብል።
ኣቶ ብርሃነ ቀጺሉ “ገለ ምጽግጋን ይግበር እዩ። ንሱ ግን ምድሪ ምድሪ እምበር [ጽርግያ]፡ እቲ ናብ ምድሪ ከይወድቕ ዘፍርሕ ህንጻታት ቆላሕታ ዝሃቦ የለን” ይብል።
ኣስመራ ብፍላይ ድማ እቲ ማእከል ቅዲ ስነ ህንጻ ዝኾነ ማእከል ከተማ (ካብ ጎደና ሰማእታታን ጎደና ሓርነትን) ንየማንን ጸጋምን ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ጽገናታት ካብ ዘይግበረሉ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተፈሓሐረ መናድቕ ምርኣይ ድማ ንቡር ኮይኑ ኣሎ።
"ኣስመራ ኣይተሓገዘትን"
ዳንኤል ስብሃቱ፡ ኣብ ጥንታውያን ህንጻታት ልዑል ተገዳስነት ዘለዎ ኣብ ሃገረ ዛምባያ ዝነብርን ኣብታ ሃገር ብምህንድስና ዝተመረቐን ኤርትራዊ እዩ።
ነታ ድሕሪ 16 ዓመታት ኣብ 2017 ዝተመለሳ ኣስመራ ምስ ርኣያ ከም ዘሕዘኖ እዩ ዝሕብር።
“ኣስመራ ኣብ ዓለማዊ ስነ ቅርሲ ኣትያ ኣብ ዝተባህለትሉ እዋን’የ ናብ ኣስመራ ከይደ ነይረ። እቲ ንምክሓሉ ህንጻታታ ንቡር ቅርጽታቱ ከይተንከፍና ከነሐድሶ እንተዘይክኢልና ግን ኣስመራ ክሳብ መዓስ እያ ምስ ክብራ ክትጸንሕ እንድሕሪ ኢልና መልሱ ብሩህ እዩ፡ ነዊሕ ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ” ይብል።
ብምኽንያት ሞይኡ ንከተማ ኣስመራ ዘወር እናበለ ዝዕዘባ ዝነበረ ዳንኤል፡ “ከምቲ ዝበልኩኻ ሞያይ’ውን ስለዝኾነ ዘወር እናበልኩ ነታ ከተማ ይዕዘባ ነይረ፡ ኣስመራ ማድያ እያ፤ ዝነበረ ክብራን ቅርሳነ ክትዕቕብ ኣይተሓገዘትን” ይብል።
ኣቶ ብርሃነ’ውን ኣብ እዋን ክረምቲ ቀንዲ ስግኣት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ክረምቲ ናይ 2018 ኣብ ዳሜራ (ዳሜራ ካፌ) ኮፍ ኢሎም እንከለዉ ኣብ ፊቶም (እንዳ’ባ ሓበሽ) ካብ መንደቕ ተቐሊጡ ዝወደቐ ስሚንቶ ኣብ ሰብ መጠናዊ ጉድኣት ከውርድ ከም ዝርአየ ይሕብር።
“እዚ ድኣ ከም ኣብነት ኣምጺአዮ’ምበር ዝተቐላለጠ መንደቕ ፈቐድኡ’ዩ ዘሎ” ይብል።
ዳንኤል ብወገኑ “Old is gold ( ቅርሲ ወርቂ እዩ) ዝብል ዘረባ ኣብ ህንጻ ተግባራዊ ኣይኮነን፡ እንተፈሪሱ ፈሪሱ እዩ። ዳግማይ እንተሃኒጽካዮ ካልእ ህንጻ እዩ፡ ነቲ ዘሎ ከይዓነወ እንከሎ ምጽጋኑን ምክንኻንኑን ግን ነቲ ምስላ ሓቂ ይገብሮ” ይብል።
ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርጊ ዝኾነ ጽገናገታት ኣይተገበረሉን። እንተኾነ ዝበዝሐ ህንጻታት ነቲ ዝነበሮ ግርማ ዓቒቡ ክጸንሕ ክኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት ግን ዝኾነ ጽገናታት ስለ ዘይተገበረሉ እቲ ዝነበሮ ግርማ ይድበን ምህላዉ’ዩ ኣቶ ብርሃነ ዝጠቅስ።
ዳንኤል’ውን ንሓሳብ ኣቶ ብርሃነ ንምርጓድ “ማእከል ከተማ እንድሕር ርኢኻ ዝኾነ ጽገናታት ኣይተገበረሉን፤ ሲነማታት ዓንዩ እዩ። እታ ከተማ ነጻ ካብ ትወጽእ 30 ዓመታት ገይራ ክንሳ ኣብ ጽባሕ ብርቱዕ ኵናት ዘላ እያ ትመስል” ይብል።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓያለ ገዛውቲ ተሰሪሖም እዮም።
እዚ ግን ነዛ ሕጂ ዘላ ኣስመራ ምስ ናይ ቅድም ኣስመራ ንምውድዳር’ምበር ምስ ካልኦት መዛንኣ ከተማታት ዓለም ብምውድዳርሲ ‘ዝተሰርሐ የለን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ይቐርብ።
ዳንኤል “እቲ ሓደሽቲ ገዛውቲ ዘይምስርሑ ዋላ ቅኑዕ ኣይኹን ምስ ፖሊሲ ናይቲ መንግስቲ ኣተሓሒዝና ንቐበሎ። ነቲ ቅርሲ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ህንጻታት ኣስመራ እናዓነወ ስቅ ኢልካ ምርኣይ ግን ዘተሓሳስብ እዩ” ይብል።