ሜሮን ሃደሮ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት ተዓዋቲት ሽልማት ኣኮ ኬይን ኮይና

ሜሮን ሃደሮ ኣኮ ኬይን ዝተባህለ ንጸሓፍቲ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ሽልማት ዝተዓወተት ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ደራሲት ኮይና።

“ኣዝየ ሕጉስቲ’የ፤ ንሽልማት ሕጽይቲ ምዃነይ ንርእሱ ዓብዪ ክብሪ’ዩ ነይሩ” ክትብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ተዛሪባ።

እቲ ኣብዚ ሽልማት ዝተዓወተትሉ ጽሑፍ ጌቱ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡ እዚ ህጻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ናይ ወጻኢ ረድኤት ዝህቡ ትካላትን ዘሕድሩዎ ጸቕጢ ንምስዓር ዝገብሮ ጻዕሪ ዝትርኽ እዩ።

ዳያኑ እዚ ሽልማት፡ ብታሪኽ ጌቱ ከም ዝተደነቑን ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተለመደ ፍልይ ኢሉ ዝተጻሕፈን እዩ ኢሎም።

ደራሲት ሜሮን ሃደሮ 13 ሽሕ ዶላት እያ ተዓዊታ።

ወለዳ ዶኳትር ኮይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝዓበየት ድሕረ ባይትኣ ይሕብር።

እዛ ደራሲት ሓፍቲ ፍልጥቲ ስነ ጥበባዊት መክሊት ሃደሮ ኮይና ሓፍታ ኣብ ህይወታ ዓብዪ እጃም ከም ዘበርከተት ትዛረብ።

ታሪኽ ስደትን ምዝንባልን ኩል ግዜ ትኹረት እትገብረሎም ማእከል ስሕበት ስራሕታ ምዃኖም እውን ገሊጻ።

ሜሮን ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት “ብዙሓት ዝመዛበልሉ ምኽንያት ንሱ’ውን [ጌቱ] ዝዓበየሉ ገዛ ከስእኖ እዩ። እቲ ታሪኽ እዚ’ዩ፤ ነዚ ከትርፍ እውን ይጽዕር” ኢላ።

መብዛሕትኡ ታሪኽ ጌቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሸራተን ዝተዓጸወሉ እዋን የዘንቱ።

ኣብ ቀጻሊ ልበወለድ ክትጽሕፍ መደብ ከም ዘለዋ ዝገለጸት ደራሲት ሜሮን “ብዝተፈለየ መገዲ ክትሰርሕ ከለኻ የሐጉስ’ዩ” ኢላ።

ሽልማት ኣኮ ኬይን ብሽም ጽሑፋት ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ገባሪ ሰናይ ትካል ኮይኑ ዓመታዊ ሽልማታት ስነ ጽሑፍ ተጠቒሙ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈሪ ጽሑፍ ተበጻሒ ክኸውን ምግባር እዩ።