እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ዶ ኣመሪካ፡ ኢንዱስትሪ ዓለም ዘናወጸ ቻይናዊ ምህዞ 'ዲፕሲክ'
ሓደ ካብ ዓበይቲ ስግኣታት ዓለም ኰይኑ ዝርከብ ምህዞ ኪነታዊ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ድሮ ኣብ ኢድ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣትዩ ንኣገደስቲ ዕማማት ደቂሰባት ክትክእ ጀሚሩ'ሎ።
ከም ብዓል ማይክሮሶፍት፡ ሜታን ጉግልን ዝበላ ዓርሞሾሽ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ብልዮናት ዶላራት ብምስላዕ ንኢንዱስትሪ ኪነታዊ ብልሒ (AI) ንምዕብላል ክወዳደራ ምጽንሐን ዝሓደረ ዜና'ዩ።
ዋላ'ኳ ምዕባለ ኪነታዊ ብልሒ (ኪብ) ስክፍታታት ዘሰነዮ እንተዀነ፡ ከምቲ 'ዘይተርፈካ ጋሻስ ሓቚፍካ ሰዓሞ' ዝብሃል ሓድሽ ዓውዲ ቅድድም ሃገራትን ትካላትን ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት መንግስቲ ብሪጣንያ "ንሰፊሕ ዓቕሚ" ኪብ ንምምዝማዝ ናይ ልዕሊ 17 ቢልዮን ውጥን ከምዘውጽአ ቀዳማይ ምኒስተር ኪር ስታርመር ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ውጥን ልዕሊ 13,000 ዕድል ስራሕ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣብ ኣመሪካ'ውን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣስታት 500 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ትሕተ ቅርጺ ኪብ ንምምዕባል ዘኽል 'ስታርጌት ፕሮጀክት' ዝብል ገዚፍ ተበግሶ ብምንቃል ምስ ትካላት ቴክኖሎጂ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ- ዋላ'ኳ እቶም ናይ መሓዝኡ ኢሎን ማስክ ዝርከቦም ቀንዲ መሻርሕቲ ትካላት ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ከምዘይብሎም ኣሚቶም እንተለዉ።
ፍሉጥ ትካል ማይክሮሶፍት ኣብቲ 'ቻትጂፒቲ' ዝሰርሐ ትካል 'ኦፐንኤ-ኣይ' (OpenAI) ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ብምውፋር ኣብዚ ብዙሓት ትካላት ተክኖሎጂ ክውንናኦ ዝቀዳደማሉ ዘለዋ ዕዳጋ መሪሕ ቦታ ሒዙ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ናይ ኦንላይን ዳህሳስ ኢንተርነት "ክተሓጋገዝ" ዝኽእል 'ኮ-ፓይለት ቪዢን' (CoPilot Vision) ዝተባህለ ኪነታዊ ብልሒ'ውን ገለ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዘፍረዮም እዩ።
ብፍላይ ቻትጂፒቲ ሓደ ካብቶም ብተጠቀምቲ ተለፎናት፡ ኣይፓዳትን ላፕቶፓትን ኣፕል ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ'ዩ።
'ዕዳጋ ግን ኣዴኻ ከምዝበለትካ' ስለዘይኮነ ብወገን ቻይና ዝመጸ ጋሻ ውሕጅ ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ሓድሽ ማዕበል ፈጢሩ'ሎ።
ብቻይናዊ ትካል ዝተሰርሐ 'ዲፕሲክ' (DeepSeek) ዝተባህለ ብልሒ ኣብ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ቻይናን ኣብ ፍርያት ኣፕል ቀዳማይ ቦታ ሒዙ'ሎ።
እዚ ብናጻ ክትጥቀመሉ ዘኽእል ኪብ (AI) ሃንደበት ዝለዓለ ጠለብ ምርካቡ፡ ኣውፈርቲ ኣብ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ዝጸንሖም ብርክታት (ብጽሒታት) ክሸጡ ኣገዲድዎም ኣሎ።
ትማሊ ሰኑይ ዕዳጋ ብርክታት ትካላት ንቪዲያ፡ ማይክሮሶፍትን ሜታን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣውሮጳ ከንቆልቁል ተራእዩ።
እዚ ምዕባለ'ዚ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ዓውዲ ኪነታዊ ብልሒ መዳርግቲ ዘይብሉ መሪሕነት ኣለዋ ዝብል ኣተሓሳስባ ብዲህዎ ይርከብ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ትካላት ቴክኖሎጂ እታ ሃገር ዝግበር ወፍሪ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ'ሎ።
መሃዝቲ ናይዚ 'ዲፕሲክ-ቅ.3' (DeepSeek-V3) ንከማዕብልዎ ትሕቲ 6 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝወድኣሎም'ኳ ዝገልጹ እንተዀኑ፡ ክኢለታት ግን ካብኡ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ'ዮም ዝምጕቱ።
ኣመሪካ ንቻይና ዝሽየጥ ኣዝዩ ምዕቡል 'ቺፕ' ቴክኖሎጂ ንምግዳብ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ቻይናውያን ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ዘለዎም ፍልጠት ንሓድሕዶም ብምክፋል ኣብ ዕዳጋ ክወዳደሩ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ተስፋ ዝሀቦም'ዩ ዝመስል።
እዚ ድማ ብዝቐለለ ኣገባብን ዝሓሰረ ወጋን ፍርያቶም ከቕርቡ ስለ ዝገብር ተወዳዳሪ ዕዳጋ ዝፈጥር'ዩ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ 'ዲፕሲክ-ኣር-1' (DeepSeek-R1) ምስ ወጸ፡ ምስቲ ዝተመሓየሽ ብልሒ ቻትጂፒቲ "ዝዳረግ ኣድማዕነት" ከምዘለዎ እቲ ዝሰርሖ ትካል ተነይቱ ነይሩ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ ዋን ንቻትጂፒቲ ዝተወሰኸሉ ምምሕያሽ ከም ቍጽሪ፡ ኮዲን፡ ከምኡ'ውን ቋንቋን ዝበሉ ዕማማት ዝፍጽም'ዩ።
ኣብታ ከርሲ ቴክኖሎጂያዊ መሃዝነት ኣመሪካ ዝኾነት ሲሊኮን ቫሊ ኣውፋሪ ዝዀነ ኣማኻሪ ዶናልድ ትራምፕ ማርክ ኣንድሪሰን ብወገኑ፡ 'ዲፕሲክ-ኣር-1 " ስፑትኒክ ኪነታዊ ብልሒ እዩ' ክብል ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ ነይሩ።
'ስፑትኒክ' ኣብ 1957 ሕብረት ሶቭየት ነበር ንፈለማ እዋን ናብ ጠፈር ዝወንጨፈታ ከፋቲት በሪ ዝነበረት መንኮርኮር'ያ።
እዚ ቻይናዊ ምህዞ ናብ ዕዳጋ ዓለም ቅልቅል ምስበለ ኣብ ኢንዱስትሪ ኤ-ኣይ ኣመሪካ ዓቢ ሃንደበትነት'ዩ ተፈጢሩ።
እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝፈጠሮ ጽልዋ ንኣውሮጳ'ውን ኣረኻኺብሉ'ዩ።
ንኣሽቱ ንዋያት ኮምፒተር (ቺፕስ) ዝሰርሕ ሆላንዳዊ ትካል ኤ-ኤስ-ኤም-ኤል ዋጋ ብርክታቱ ብ10 ሚእታዊት ክጐድል እንከሎ፡ ምስ ኪነታዊ ብልሒ ምትሕሓዝ ዘለዎ መሳርሒታት (ሃርድዌር) ዘፍሪ ፍሉጥ ትካል ሲመንስ ኢነርጂ'ውን ብ21 ሚእታዊ ረማዕ ክብል ተገዲዱ'ሎ።
እዚ ሃንደበት ናብ ዕዳጋ ዓለም ጦምቦላሕ ዝበለ ቻይናዊ ብልሒ ንመላእ መስመራት ቀረብ እቲ ኢንዱስትሪ ከዘናብሎ ከምዝኽእል'ዮም ክኢላታት ዝዛረቡ ዘለዉ።
'ዲፕሲክ' መን'ዩ መስሪትዎ?
ትካል ዲፕሲክ ኣብ 2023 ሊኣንግ ወንፈንግ ብዝተባህለ ቻይናዊ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ሃንግዙ እዩ ተመስሪቱ።
እቲ ወዲ 40 ዓመት ምሩቕ ዓውዲ ሓበሬታን ምህንድስና ኤለክትሪክን፡ ንዲፕሲክ ዝድግፍ ናይ ኢንቨስትመንት ማዕከን'ውን ኣቚሙ'ዩ።
ጸብጻባት ከም ዝብልዎ፡ ዋህዩ ኪነታዊ ብልሒ ዝኾኑ ቺፕስ 'ንቪዳ ኤ100' (ማዕከን ሓበሬታ) ከዚኑ ነይሩ።
ድሕሪ ገለ እዋን እቲ ቺፕ ናብ ቻይና ከይሽየጥ ብኣመሪካ ከምዝተኣገደ ይፍለጥ።
ይዅን'ምበር እቲ ቻይናዊ በቲ ድሮ ዝኣከቦ ኣስታት 50,000 ዝግመት ቺፓት፡ ከምኡ'ውን ካብ ካልእ ምንጭታት ዝረኸቦ ተወሳኺ ሕሱር ቺፓት ዲፕሲክ ከማዕብል ከም ዝኽኣለ ይግለጽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ምስ ፍሉጣት ክኢላታት እቲ ኢንዱስትሪን ቀዳማይ ምኒስተር ቻይና ሊ ኲያንግን ተራኺቡ ነይሩ።
ምስ ቻይና ኣካዳሚ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ እቲ ቀዳማይ ሞደል ናይቲ ዝመሃዞ ኪነታዊ ብልሒ ሰፊሕ ተቐባልነት ምርካቡ ከምዘገረሞ ወንፈንግ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ዋጋታት ክሳብ ክንድ'ዚ ተነቃፊ ምዃኑ ትጽቢት ኣይነበረናን።"
"ንሕና ብናትና ናህሪ ኢና ንጓዓዝ ነይርና፡ ብኡ መሰረት ድማ ዋጋ ነወራርድን ንውስንን ነይርና" ኢሉ።