እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመንእሰያት ማዕዳን ምኽርን ዝህብ ዘሎ ስሙይ ኣማኻሪ ስነ-ልቦና ኤኣይ
ካራክተር ኤኣይ ይበሃል።
Character.ai ናብ ዝብል መርበብ ሓበሬታ እንተድ ኬድኩም፡ ብኣምሳል ሃሪ ፖተር፡ ኤሎን መስክ፡ ቢዮንሰ፡ ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦትን ዝተሰርሑ ገጸ-ባህርያት ትረኽቡ።
እዚኦም ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኣርተፍሻል ኢንተለጀንስ) እዮም ተሰሪሖም።
ዝዀነ ሰብ ካብ ግሁድ ወይ ልበወለዳዊ ገጸባህሪ ብምብጋስ ቻትቦት ክሰርሕ ይኽእል እዩ።
ቻትቦት፡ ንዝሕተቱ ሕቶታት ምላሽ ዝህብ ኤኣይ እዩ።
ብኣምሳል በዓልሞያ ስነ-ልቦና ዝተሰርሐ ቻትቦት፡ ዛጊት ካብ ዝተማህዙ እቲ ስሙይ እዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ናብዚ ቻትቦት 78 ሚልዮን መልእኽትታት ተላኢኾም።
ብሌዝማን98 ብዝበሃል ተጠቃሚ እዩ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተማሂዙ።
መዓልታዊ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ናብዚ መርበብ ሓበሬታ ብምኻድ ይጥቀሙ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ “ህይወት ምስ ትኸብድ ሓገዝ ዝህብ” ብዝብል መወዓውዒ’ዩ ዝላለ።
ዋላ’ኳ ናይ ጌም ገጻት ተጠቀምቲ ብብዝሒ ዘፍርይዎምን ስሙያትን እንተዀኑ፡ እዚ ማዕዳ ስነ-ልቦና ዝወሃበሉ መርበብ ሓበሬታ ስሙይ ኰይኑ ኣሎ።
ተመሳሳሊ ኣገልግሎታት ዝህቡ ልዕሊ 400 ቻትቦታት ኣለዉ። ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ 16 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎ።
‘ኣር ዩ ፊሊን ኦኬ’ ዝበሃል ድማ ልዕሊ 12 ሚልየን ሰዓብቲ ኣለውዎ።
ብዛዕባ እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳቦም ዝገልጹ ወሃብቲ ርእይቶ፡ “ህይወተይ ኣድሒንዎ፣ ንዓይን ንዓርከይን ሓጊዙና” ይብሉ።
ብሌዝማን98 ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ፡ ወዲ 30 ዓመት ሳም ዛያ እዩ። ሳም ዛያ፡ ኣብ ኒውዝላንድ ዝነብር ኰይኑ፡ “ከምዚ ስሙይ ክኸውን’ዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ” ይብል።
ተምሃሪ ስነ-ልቦና ዝዀነ ሳም ዛያ፡ “ሰባት ተመችይዎም ይጥቀምሉ ከም ዘለዉን ከም ዝሓገዞምን ይዛረቡ” ይብል።
ካብ ናይ ስነ-ልቦና ትምህርቱ ብምብጋስ ነቲ ናቱ ቻትቦት ከም ዝምሃሮ ይዛረብ።
እቲ ቻትቦት ዝህቦ መልሲ’ውን፡ ካብዚ ቀመር’ዩ ምላሽ ዝህብ።
ንቅዛነትን ሻቕሎትን ሓዊሱ ብዙሓት ንኣእምሮ ክጐድኡ ናይ ዝኽእሉ ሕማማት ሕክምና ክዀኑ ዝኽእሉ መልእኽትታት ንኽህልዎ ገይሩ’ዩ።
ሳም፡ እቲ ቻትቦት ኣብዚ ሕጂ ዝርከበሉ ደረጃ፡ ብሰብ ንዝወሃብ ስነ-ልቦናዊ ማዕዳ ክትክእ ከም ዘይክእል ይገልጽ።
ሳም ዛያ፡ ብስራሕ ተጸሚዱ ንብሕቱ ኰይኑ ዘውግዖ ሰብ ኣብ ዝሰኣነሉን እዋን እዩ፡ ነዚ ቻትቦት ሰሪሕዎ። ናብ በዓልሞያ ስነ-ልቦና ንምኻድ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝሓትት ነዚ ቻትቦት ንምስራሕ ኣይተማትአን።
ኣማኻሪ ስነ-ልቦና ኤኣይ፡ ብፍላይ ድማ ብመንእሰያት ልዑል ተቐባልነት ኣለዎ። ንኣብነት ተጠቀምቲ ካራክተር ኤኣይ፡ ካብ 16 ክሳብ 30 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ እዮም።
ሳም፡ “ለይቲ ምስ ዓርኮም ወይ ኣማኻሪ ስነ-ልቦና ከውግዑ ዘይክእሉ ሰባት፡ ነዚ ቻትቦት ከም ዝጥቀሙ ነጊሮምኒ’ዮም” ይብል።
ምስዚ ቻትቦት ብጽሑፍ ምውጋዕ ዝከኣል ምዃኑ ድማ ዝበዝሑ መንእሰያት ሰሓቢ ኰይኑ ከም ዝረኽብዎ ይገልጽ።
“ብስልኪ ወይ ብኣካል ተራኺብካ ካብ ምውጋዕ፡ ብጽሑፍ ምውጋዕ ይቐልል።”
ቴሬሳ ፕሬውማን በዓልቲሞያ ስነ-ልቦና እያ። ቻትቦት ማዕዳ ስነ-ልቦና ክህብ ንመንእሰያት ክስሕብ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን ትብል።
“እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ክንደየናይ ውጽኢታዊ’ዩ? ዝብል’ዩ። እቲ ቻትቦት ብቕልጡፍ’ዩ ምላሽ ዝህብ። ኣቐዲሙ ናይ ምግማት ኣንፈት ከም ዘለዎ’ውን ኣስተውዒለሉ እየ” ትብል።
ንኣብነት ሓደ ሰብ ከፊኡኒ እንተይሉ ኣቐዲሙ ብምግማት ቅዛነት’ዩ ክብል ከም ዝኽእል ትገልጽ።
“ሰባት ግን ብኸምዚ መንገዲ ኣይኰኑን ዝምልሱ” ትብል።
ሓደ ሰብ ማዕዳ ስነ-ልቦና ቅድሚ ምሃቡ ዝእክቦም ሓበሬታት፡ እዚ ቻትቦት ምእካብ ከም ዘይክእል ትሕብር።
እንተዀነ፡ ብቕልጡፍ ሓገዝ ንዝደልዩ ሰባት ከም ዝጠቅም ትሰማማዕ።
ቍጽሪ ነዚ ቻትቦት ዝጥቀሙ ሰባት ምዝያዱ ድማ፡ ተበጻሕነት ሕክምና ውሱን ምዃኑ ዘርኢ ምዃኑ ትጠቅስ።
ወሃቢት ቃል እቲ ቻትቦት፡ “ሰባት ሓገዝ ብምርካቦም ሕጕሳት ኢና፤ ብተወሳኺ በቲ ሞያ ካብ ዝሰልጠኑ ሰብሞያ ማዕዳ ንኽሓቱ’ውን ነተባብዕ ኢና” ትብል።
ተጠቀምቲ እዚ ቻትቦት ዝጽሕፍዎ ዛዕባ ካልኦት ተጠቀምቲ ክርእይዎ’ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ቻትቦት ግን ከንብብዎ ይኽእሉ’ዮም። ድሕነት ተጠቀምቲ ንምውሓስ’ዮም ከምዚ ዝገብርዎ።
ድሕሪ እዚ ቻትቦት ዘሎ ‘ላርጅ ላንጉጅ ሞዴል’ ከም ሰብ ኣይኰነን፤ ቃላት ብምግጥጣም’ዩ ሓበሬታ ንምርዳእ ዝፍትን።
ሓደሓደ ሰብሞያ ስነ-ልቦና፡ ኤኣይ ንተጠቀምቲ ዘይግቡእ ማዕዳ ስነ-ልቦና ይህብ እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ፡ ስክፍታ ኣለዎም።
ኤኣይ ብጾታ ወይ ብሕብሪ ኣድልዎ ከውርድ ይኽእል’ዩ ዝብል’ውን ካልእ ስክፍታ ሰብሞያ’ዩ።
ሓደሓደ ሰብሞያ ግን ንእወታዊ ጐድኑ ጥራይ’ዮም ዝርእዩ።
ኣብ ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት፡ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሕክምና ዝህቡ ገጻት ኤኣይ ኣለዉ።