ሰብ-ሰርሖ ብልሒ 'ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ ሰብ በሊሕ ከይከውን' ተሰጊኡ

ኣብ ዓውዲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሸል ኢንተለጀንስ -AI) ከም ሓደ ካብ ኣቦታት ዝርአ ጀፍሪ ሂንተን፡ እቲ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ዓውዲ ቴከኖሎጂ ሓደጋታት ከየስዕብ ኣጠንቂቝ።

ሚስተር ጀፍሪ ንኒውዮርክ ታየምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ጉግል ስርሑ ከምዝለቐቐ ከፍልጥ እንከሎ፡ ሕጂ በቲ ምህዞኡ ከምዝተጠዓሰ ገሊጹ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ገለ ካብ ሓደጋታት ናይ ‘ቻትቦት’ ‘ኣዝዩ ዘፍርሕ’ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ኣብዚ እዋን፡ ክሳብ ዝፈልጦ ካባና ንላዕሊ በላሕቲ ኣይኮኑን። ግን ኣብ ቀረባ እዋን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ" ኢሉ።

ዶክተር ሂንተን ብተወሳኺ ካብቲ ትካል ቴክኖሎጂ ንኽወጽእ ዕድመኡ ምኽንያት ከምዝዀነ ብምዝራብ፡ "ወዲ 75 ዓመት እየ፡ ስለዚ ጥሮታ ዝወጽኣሉ ግዜኡ'ዩ" ኢሉ።

ዶክተር ሂንተን ኣብ 'ኒውራል ኔትወርክን ዲፕ ለርኒን' ዝገበሮ ፈላሚ መጽናዕቲ፡ ንኸም ቻትጂቢቲ (ChatGPT) ዝኣመሰሉ እዋናዊ ስርዓታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ መገዲ ጸሪጕ እዩ።

እንተዀነ ቻትቦት ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ሓንጐል ወዲ ሰብ ዝሕዞ ደረጃ ሓበሬታ ክብድሆ ከምዝኽእል እቲ ብሪጣንያዊ-ካናዳዊ፡ ክኢላ ስነ-ኣእምሮን ኮምፒዩተር ሳይንቲስትን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን፡ እዚ ንርእዮ ዘለና ከም GPT-4 ዝኣመሰሉ ነገራት ንሓደ ሰብ በቲ ዘለዎ መጠን ሓፈሻዊ ፍልጠት ይበጽሖ ኣሎ፤ ኣብ ነዊሕ እዋን ድማ መሊኡ ክሓልፎ ይኽእል እዩ። ብመንጽር ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ኣይኮነን፡ እንተዀነ ግን ቀሊል ምኽንያታዊነት ለሚዱ ኣሎ።"

"ከምኡ'ውን ናህሪ እቲ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነገራት ብቕልጡፍ ክመሓየሹ ከምዝኽእሉ እየ ዝግምት። ስለዚ ብዛዕባ'ዚ ክንጭነቕ ኣለና።"

ዶክተር ሂንተን ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ንምዕባለታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ን"ኽፉእ ነገራት" ክብለጽሉ ዝኽእሉ "ሕማቓት ተዋሳእቲ" ከምዘለዉ'ውን ጠቒሱ።

ነዚ ብዝምልከት ኣዕሚቝ ከብርህ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ "እዚ ሓደ ዓይነት ዝኸፍአ ተርእዮ ጥራይ'ዩ፡ ሕልሚ ቀትሪ'ዩ" ክብል መሊሱ።

"ንኣብነት፡ ገለ ሕማቕ ተዋሳእቲ ከም [ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን]፡ ንሮቦታት ናይ ገዛእ ርእሶም ገለ-ዕላማታት ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ክህቦም ከምዝኽእል ክትግምት ትኽእል ኢኻ።"

እዚ ኣብ መወዳእታ "ከም 'ዝያዳ ስልጣን ክረክብ ኣለኒ' ዝኣመሰሉ ንኡሳን ዕላማታት ክፈጥር ከምዝኽእል" እቲ ተመራማሪ ኣጠንቂቝ።

ወሲኹ፡ "እቲ እነማዕብሎ ዘለና ዓይነት ብልሒ ካብቲ ዘሎ ብልሒ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ኣለኹ" ኢሉ።

"ንሕና ባዮሎጂያዊ ስርዓታት ኢና እዚኦም ድማ ዲጂታላዊ ስርዓታት እዮም። እቲ ዓቢ ፍልልይ ድማ ምስ ዲጂታላዊ ስርዓታት፡ ብዙሕ ቅዳሓት ሓደ ዓይነት ኣካል ምህላዎም እዩ።"

"እዞም ኵሎም ቅዳሓት ድማ በበይኖም ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም ግን ከኣ ፍልጠቶም ብቕጽበት ከለቓቕሑ ይኽእሉ። ስለዚ 10 ሽሕ ሰባት እንተሃልዮምኻ፡ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ኣብ ዝመሃረሉ እዋን ኵሉ ሰብ ይፈልጦ ማለት እዩ። ከምኡ ድማ እዞም 'ቻትቦትስ' ካብ ዝዀነ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ብዙሕ ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም።"

ንሱ፡ ንጉግል ክነቅፍ ከምዘይደሊን፡ እቲ ዓቢ ትካል ቴክኖሎጂ፡ "ኣዝዩ ሓላፍነታዊ" ምዃኑን ኣስሚሩሉ።

"ብሓቂ ብዛዕባ ጉግል ጽቡቕ ነገራት ክዛረብ እየ ዝደሊ። ኣብ ጉግል እንተዘይሰርሕ ነይረ ድማ፡ ዝያዳ ተኣማንነት ኣለዎም።"

ዋና ሳይንቲስት ጉግል ጀፍ ዲን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ AI ሓላፍነታዊ ኣቀራርባ ንምሕላው ተገዳስነት ኣለና። ክመጽኡ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ንምርዳእ ብቐጻሊ ንመሃር ኣለና፡ ብትብዓት እውን ንምህዞ ኣለና" ኢሉ።