እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕማም ከስዕብ ዝኽእል መፈጠር ሰብ ዘለሊ ሓድሽ ምህዞ
ብኩባንያ ቴክኖሎጂ ጉግል ዝውነን 'ዲፕማይንድ' ዝተባህለ ትካል፡ ሕማማት ከስዕብ ንዝኽእል መፈጠር ሰባት (ዲ-ኤን-ኤ) ንምልላይ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ (ስብስርሖ ብልሒ) ይጥቀም ኣሎ።
ተመራመርቲ እቲ ትካል ከምዝበልዎ፡ እቲ ዝተጠቕምሉ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ 89 ሚእታዊት ቀንዲ ለውጥታት (ሙቴሽን) ናይቲ መፈጠር ሕማማት ከለልዩ ክኢሎም ኣለዉ።
እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ሕማማት ንምፍላጥ ከቀላጥፍን ዝሓሸ ፍወሳ ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ክህልዎን ትጽቢት ይግበር።
ሓደ ናጻ ተመራማሪ (ሳይንቲስት) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ስራሕ "ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት እዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
ምክትል ዳይረክተር ኣውሮጳዊ ሞለኲላር ባዮሎጂ ላቦራቶሪ፡ ፕሮፌሰር ኤዋን ቢርነይ ከምዝብሎ፡ "ተመራመርቲ ሕክምና፡ ጠንቅታት ሕማም ንምርካብ ብቐዳምነት ኣበይ ሃሰው ከምዝብሉ ክሕግዞም እዩ።"
እቲ ኣገባብ፡ ንስርርዕ ቀንዲ ኣካላት ፍሕሶታት መፈጠር (DNA strands) ብምፍታሽ'ዩ ዝሰርሕ።
ኵሎም ህይወታውያን ብዲ-ኤን-ኤ ዝተሃንጸ መፈጠር ዘለዎም እዮም፤ ብኣርባዕተ ኬሚካላዊ ኣካላት ዝተሃንጹ ድማ'ዮም።
እቶም ኣርባዕተ ኣካላት ኣደናይን (A): ሳይቶዚን (C)፡ ጓናይን (G)፡ ከምኡ'ውን ታይማይን (T) ተባሂሎም ይጽውዑ።
ኣብ ሰባት ድቂ ክፍጠር እንከሎ፡ መስርዕ ናይዞም ፊደላት ብምንባብ'ዩ ፕሮቲናት ዝርከብ። እዞም ፕሮቲናት እዚኦም ድማ'ዮም እምነ-መኣዝን ናይ ዋህዮታትን ንስጋ ኣካላትን ሰብ ዘቑሙ።
መስርዕ ናይቶም ፊደላት እንተ ተቐያዪሩ ግን ሕማም ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ጠንቂ ምቅይያር መስርዕ ምናልባት ዝተወርሰ ምዝባዕ፡ ማለት ብግቡእ ዘይማዕበለ ዋህዮታትን ስጋ ኣካላትን ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ DeepMind (ዓሚቚ ኣእምሮ) ዝተባህለ ኣካል ጉግል ዝዀነ ትካል ዝሰርሖ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ፡ ንቕርጺ ፕሮቲናት ሰብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከለሊ ክኢሉ እዩ።
እቲ 'ኣልፋሚሰንስ (AlphaMissense) ዝተባህለ ሓድሽ ኣገባብ፡ ኣብ መፈጠርና (ዲ-ኤን-ኤ) ዘሎ ፊደላት ነቲ ቅኑዕ ቅርጺ ክፈጥር ይኽእል ድዩ? ዘረጋግጽ'ዩ፤ እንተዘይኰይኑ፡ ሕማም ዘስዕብ'ዩ ተባሂሉ ይምዝገብ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ተመራመርቲ ዝተወርሰ (ጀነቲክ) ሕማማት ኣየናይ ክፋል መፈጠርና (ዲ-ኤን-ኤ) ሕማም ከስዕብ ከምዝኽእል ንምፍላጥ ተጸጊሞም ይርከቡ።
ክሳብ ሕጂ 0.1 ሚእታዊት ምቅይያር ፊደላት ወይ ለውጥታት (ሙቴሽንስ)፡ ሕያዋይ (በናይን) ወይ ሕማም ዘስዕብ (ሓደገኛ) ክብሉ መዲቦሞ ኣለዉ።
እዚ 'ዲፕማይንድ' ዝተጠቕመሉ ሓድሽ ኣገባብ ግን፡ ነቲ መጠን ንጽሩነት ናብ 89 ሚእታዊት ክብ ከምዘበሎ ሓደ ካብ ክኢላታት እቲ ትካል ዝዀነ ፑሽሚት ኮሂል ይገልጽ።
ክሳብ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ነቲ ሕማም ከስዕብ ዝኽእል ንምርካብ ኣብቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ንመፈጠር (ዲ-ኤን-ኤ) ዘቕውም ኬሚካላዊ ኣካላት ሃሰው ክብሉ ይግደዱ።
ኮሂል ከምዝብሎ፡ ሕጂ እዚ ተቐዪሩ ኣሎ።
"ተመራመርቲ ናብቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩን ሕማም ከስዕብ ዝኽእልን ከባቢታት ከተኩሩ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
እዚ ኣብ ፍሉጥ መጽሄት 'ሳይንስ' ዝተሓተመ ሓድሽ ሜላ፡ በቲ መሻርኽቲ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ዓዲ-እንግሊዝ ዝዀነ ጀኖሚክስ ዝተባህለ ትካል ተራእዩ ኣሎ።
ኣብቲ ትካል ምክትል ሓላፊ ሕክምናዊ ጉዳያት ዝዀነት ኤለን ቶማስ ከምዝበለቶ ድማ፡ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ ካብቶም ቀዳሞት ነቲ ሓድሽ ምህዞ ዝጥቀሙ ትካላት ከምዝኸውን ኣሚታ።
"እዚ ሓድሽ መሳርሒ ንዝጸንሐ ማዕከን ሓበሬታ ሓድሽ ርድኢት ዝህብ'ዩ። ተመራመርቲ ሕክምና ንሓበሬታ መፈጠር [ሰብ] ክርድኡ ክሕግዞም'ዩ፤ ስለዚ ንተሓከምትን ንሓከምቶምን ጠቓሚ እዩ" ኢላ።
ፕ/ር ቢርኒ ብወገኑ፡ ሰብሰርሖ ብልሒ (AI) ዓቢ ኣካል ሞሎኲላር ባዮሎጂን ስነፍልጠት ህይወትን ከምዝኸውን ትጽቢት ይገብር።
"ኣበይ ከምዝበጽሕ ኣይፈልጥን ግን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንዅሉ እንገብሮ ይቕይሮ'ዩ ዘሎ" ይብል።