እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትምኒት ገብሩ፡ ጉግልን ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጅን ‘ዓሌታውያን’ዮም”
ኣብ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዓቢ ስም ዘለዋ ዶክትር ትምኒት ገብሩ፡ ምስ ጉግል ናብ ምስሕሓብ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ኣብ ሰባት ኪንኡ ተምሳጥ ኣሕዶራ ትርከብ።
ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ምስ ብጸታ ኮይና ኣብ ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣመልኪታ ሕቶ ስለዘቐረበት ካብ ስራሕ ከምዝተሰጎገት እያ ትሕብር።
ካብዚ ብተወሳኺ ንሳን ደገፍታን ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዝርአ ዓሌታዊ ኣድልዎታት’ውን ካብ ስራሕ ኣብ ምስጓጓ ሓደ ድፍኢት ከምዝኾነ ይኣምኑ።
እቲ ምስ ብጾታ ኮይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣጠቃቕማ ቋንቋ ኣብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮን ውሑዳንን ('ማይኖሪቲስ') ዝግበር ኣድልዎ’ውን ዝሓዘ እዩ።
ጉግል እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከማልኦ ዝግበኦ ተወሳኺ ነጥባታት ኣሎ ስለዝበለ ዶክትረ ትምኒት ገብሩ ካብ ስራሓ ደው ክትብል ከምዝወሰነት ይዛረብ።
ዶክተር ትምኒት ገብሩ እቲ ምጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምንታይ ብቑዕ ከምዘይተበሃለ ንዘቕረበቶ ሕቶ፡ ልዕሊ 6000 ሰባት ነቲ ሕቶኣ ከምዝድግፍዎ ብኽታሞም ገሊጾም ኣለዉ።
ካብቶም ንሕቶ ዶክተር ትምኒት ገብሩ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ኣብ ጉግል ዓቢ ስም ዘለዎም ተመራመርቲ፡ ማይክሮሶፍት፡ ኣፕል፡ ፌስቡክ፡ ኣማዞንን ኔትፍሊክስን ይርከብዎም።
ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ሱንዳር ፒቻይ ብወገኑ “ብዓልቲ ብዜሕ ተውህቦ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ብኸምዚ ክትፍለየና? ተሓታትነትና ክንቕበል ከድሊ እዩ” ኢሉ።
ንሱ ትካሎም ነቲ ጉዳይ ከጻርዩ ንኳኑ ብምሕባር፡ ንትምኒት ገብሩ ይቕሬታ ኣብ ምባል ግን ዝሕትል ኢሉ እዩ።
ዶክተር ትምኒት ገብሩ ብመልሲ ትካላ ኣይተሓጎሰትን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ’ውን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዳ ኣላ።
ብውልቀ ደረጃ ክትርእይዮ እንከለኺ እዘን ዝሓለፋ ሳምንታት ከመይ ሓሊፈን?
ኣዝዩ ዘድክም ሳምንታት እዩ ነይሩ።
ከምዚ ዘለኽዎ ብዙሕ ነገር ናባኻ ከተኩር ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ማእከል ማዕበል ዝተደርበኹ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ።
እቲ ዝቀረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዛዕባ እንታይ እዩ ነይሩ?
እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ክሳብ ክንድዚ ማዕበላት ክፈጥር ትጽቢተይ ኣይነበረን።
ብሓፈሻ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ስነ ምግባራዊ ኣጠቃቕማ ቋንቋ ኮይኑ፡ ሓደ ካብኡ ብዛዕባ ኣድልዎ እዩ።
ጉግል እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣብቲ ጽሑፍ ኣይሰፈረን እዩ ዝብል
ብመጀመርታ እዚ ሓቂ ኣይኮነን።
ካልኣይ፡ ሓቂ እንተኾይኑ ኢልና እውን ንሕሰብ፡ ስለዚ እቲ ተገይሩ ዝተበሃለ መጽናዕቲ ኣይተኻተተን ተባሂሉ ኣነ ካብ ሰራሕ ክስጎግ ኣለኒ ድዩ?
ብዝኾነ እቲ ዝተበሃለ ሓቂ ኣይኮነን።
ጻዕዳን ሰብኣይን ኔርኪ እንተትኾኒ፡ ጎግል ብኻልእ ኣገባብ ገይሩ ምሓዘኒ ነይሩ'ዶ ትብሊ?
ብርግጽ ብዝተፈለየ ኣገባብ እየ ተታሒዘ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከምዘስተባሃልክሉ፡ ጉግል ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ኣርእስቲ ከይከውን ብተደጋጋሚ ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።
ለማጽ ከምስልዎ ብዙሕ ተጋዲሎም’ዮም።
እቲ ሕቶ ዘቕርብ ሰብ ካልእ ክኸውን እንከሎ እቲ ምምልላስ ናይ ዝረባ ልእም ዝበለ እዩ "ተረዲእካ እዞም ሰባት ነዚ ትካል ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፡ ብሉጻት እዮም ወዘተ" እናተባሃለ እዩ ዝሕለፍ።
ጉጅለይ ብምልኦም ኣብ ጎነይ’ዮም ዘለዉ፡ ንዓይ ብምሕጋዝን ኣብ ጎነይ ንምዃንን ዓቢ ስጉምቲ እዮም ዝወስዱ ዘለዉ።
ሓላፊየይ ኣብ ጎነይ እዩ ዘሎ፤ ዋላ እዚ ኹሉ እናሃለወ ግን ጉግል ብኸምዚ ዝኸድዎ ዘለዉ እዮም ክሕዙኒ መሪጾም።
ስለዚ ንኹሉ እዚ ኣብ ግምት ኣእትየ፡ ኣነ ብዝተፈለየ ኣገባብ ከምዝተተሓዝኩ እየ ዝፈልጥ።
ስለዚ ጉግል ከም ትካል ዓሌታዊ እዩ ማለት ድዩ?
እወ፡ ጉግል ዓሌታዊ እዩ።
ንኽትብሎ ኣይከብድን'ዶ? ክሳብ እዚ ቀረባ ግዜ ንስኺ’ውን ሰራሕተኛ ጉግል ኢኺ ነይርኪ።
ዝበዝሓ ናይ ቴክኒሎጂ ትካላት፡ ዓሌታውያን እየን።
እናፈለጥክዎ’ሞ ከመይ ኢለ’የ ዓሌታውነት የለን ክብል?
ኣብ ቴክኖሊጂካውያን ትካላት ቁጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝወሓደሉ ምኽንያት መቸም ብኣጋጣሚ ዝመጽአ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ርግጸኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝኽእል ጉግልን ካልኦት ቴክኖሎሎጂካውያን ትካላትን፡ ዓሌትነት ይኽተላ እየን።
ጉግል ብዛዕባ ብዙሕነት ከምዝግደስ ይገልጽ እዩ፡ በዚ ሓሳብ ትሰማምዒ ዲኺ?
ኣይሰማማዕን’የ። ጉግል ኣብ ብዙሕነት ይኣምን እዩ ኢለ ኣይኣምንንን እየ ።
ገለ ሕቶ ክልዓል እንከሎ “ሕራይ ሓንቲ ካብ ኩሉ ዝተዋጽአት ኮሚተ ከነዳሉ ኢና” ኢሎም ይምልሱ።
ከምዚ ናይ ሕጂ በዳሂ ሕቶ ምስ ዝልዓል ግን እንታይ ከምዝገብሩ ርኢና ኢና። ከምዚ ናተይ ማለት እዩ፡ ስለዚ ጉግል ኣብ ብዙሕነት ይኣምንዩ ኢለ ክኣምን ንዓይ ከቢድ’ዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ሱንድራ ፒቻይ ንምስጓግኪ ኣመልኪቱ ይቅሬታ ሓቲቱ’ዩ፡ ነዚ ምስ ሰማዕኪ እንታይ ተሰሚዑኪ?
እቲ ትካል ኣብ ጉዳየይ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ ኣመልኪቱ ይቕሬታ ኣይሓተተን።
ስለዚ፡ ኣብዚ ጉዳያ ኣተሓሕዛና ጌጋ እዩ ነይሩ፤ በዚ ኸኣ ይቕሬታ ንሓትት ኣይበለን። ንትምኒት ዝበልናያን ዝገበርናያን ጌጋ እዩ ነይሩ ኣይበለን። ስለዚ ኣነ ከም ይቕሬታ ገይረ ኣይወስዶን እየ።
እቲ ዝሃቦ መግለጺ ጉግል ሽሙ ንኸጸብቕ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝርድኣኒ።
መጸኢ ናይ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ከመይ ትርእይዮ፡ኣድልዎን ዓሌታውነትን ክህሉ እዩዶ ትብሊ?
ብርግጽ፡ ብዙሓት ሰባት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንሲ ኣብ መጻኢ ቀንዲ ኣገባብ ዓሌታውነት ከምዝኸውን ይዛረቡ እዮም። ኣነ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ’ዩ ዘለኒ፤ ብዙሕ ከኣ ይሻቐል።
ካብዚ ብምብጋስ ኣነን ካልኦትን ብፍላይ ድማ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እዚ ጽሒፍና ኢና፡ ትምህርቲ’ውን ንህባ ኢና።
ምቕያር ናይ ሓይሊ እንተዘይሃልዩ ኸኣ፡ ንብዙሕ ሰብ ዘስግእ ነገር እዩ።
ብድሕሪ ሕጂ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ?
ብሕጂ እንታይ እየ ክገብር ግዜ ወሲደ ዝሓስበሉ እዩ ክኸውን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀዳምነት ዝህቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ድሕነት ናይቶም ንዓይ ዝድግፉ ዘለዉ ምሕላው እዩ።
ብሰንክይ ኣብኦም ሕነ ክፍደ ኣይደልይን’የ።